ሓጺር ድሕረ ባይታ ዶክተር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, BBC
ዶክተር መረራ ጉዲና መን እዮም ?
ፖሊቲካዊ ተሳትፎ ዶክተር መረራ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ አምቦ ተምሃራይ ኮይኖም ይጅምር።
ካብኡ ድማ ተምሃሪ ዩኒቨርስቲ አዲስ አበባ እናሃለዉ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ዝተበላለሐ ተቓውሞ ተሳትፎ ዝነበሮም እንትኸውን፡ ደሓር ድማ አባል መኢሶን ኮይኖም ሰሪሖም።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ፖሊቲካል ሳይንስ ኮይኖም ወታደራዊ ስርዓት ደርጊ ብምቅዋም ጎስጓሳት የካይዱ ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ ደርጊ ንሸውዓተ ዓመታት ብዘይ ክስን ብይንን ኣሲሩዎም።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተለቐቑ ድማ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ አመሪካ ትምህርቶም ንምቕፃል ንግብፂ ኣቕኒዖም።
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ
ዶክተር መረራ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዝተብሃለ ውድብ መስሪቶም ናብ ፖለቲካ ተመሊሶም። እቲ ዝመስረቱዎ ውድብ ህዝቢ ኦሮም መሰል ዓርሰ ውሳነ ከረጋግፅን ቋንቋ ኦሮምኛ ምስ ኣምሓርኛ ልክዕ ብሄራዊ ቋንቋ ክኸውንን ዝቃለስ እዩ።
ብ2000 ዓ/ም ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብዝተፈጠረ ምክፍፋል ስምን ኣርማን ንኻልእ ስለዝተዋህበ፥ ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህኮ) ብዝብል ሓድሽ ውድብ ኣጣይሾም።
ዶክተር መረራ ብተወሳኺ'ውን ምስ ከልኦት ፓርቲታት ብምዃን ''ኅብረት'' ን ''መድረኽ''ን ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ተቓዋሞ ብምውዳብን ብምምራሕን ዓብይ እጃም ነይሩዎም።
ምስዚ ጎናጎኒ ከኣ ናይታ ሃገር ዓብይን ነባርን ኣብ ዝኾነ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ አበባ ብምምሃርን ብፍላይ ከኣ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስን ዓለምለኸ ርክብን ንንውሕ ዝበለ እዋን ብሓላፍነት መሪሖም።

ዶክተር መረራ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንቤት ምኽሪ ባይቶ ህዝቢ አባልነት ሕፁይ ኮይኖም ዝተወዳደሩ እንትኸውን፥ መካትዒን ብዝተፈላለዩ ተጓንፎታቱ ዝዝከርን መረፃ 1997 ኣብ ከባቢ ትውልዲ ዓዶም ተወዳዲሮም ብምስዓር ንሓሙሽተ ዓመታት ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ ኮይኖም ሰሪሖም።
ዝሓሸ ተደማፅነት ዘለዎን ዝዓበየን ሕብረት ንምፍጣር ኦህኮ፥ ኣይተ ቡልቻ ደመቅሳ ምስ ዝመረሑዎ ፌደራሊስት ዴሞክራቲክ ንቅናቄ ኦሮሞ (ኦፌዴን) ንክወሃድ ብምግባር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) መስሪቶም ተንቀሳቒሶም።
ዶክተር መረራ ብፖለቲካ ሳይንስ ብምምርማርን ብኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርትን ብዝረኸቡዎ ዓᎁቕ ልምድን ተሞክሮን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ፀሑፋት ከቕርቡን መደረ ክገብሩን ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ይዕደሙ እዮም። ካብዚ ሓደ ፓርላማ ኣውሮፓ ዝገበረሎም ዕድመ ይጥቀስ።
ክስን ማእሰርትን
ዶክተር መረራ ጥቅምቲ 30/2009 ዓ.ም ኣብ ፓርላማ አውሮፓ ተረኺቦም ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝነበረ ወድዓዊ ኩነታት እንተብራህርሁ ብመንግሥት ዝተደንገገ ህፁፅ ጊዜ አዋጅ ነቒፎም ነይሮም።
ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘተበተኑ ምስልታት፥ በቲ ባይቶ ህዝ እታ ሃገር 'አሸባሪ' ተባሂሉ ዝተበየነ "አርበኞች ግንቦት ሰባት" ጉጅለ መራሒ ምስዝኾኑ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ጎኒ ንጎኒ ተቐሚጦም ስለዝተርአዩ ከም ተወሳኺ ምኽንያት ኮይኑ ቐሪቡ።
ካብ ኣውሮፓ ምስተመለሱ ኣብ ኦሮሚያ ህውከትን ዕግርግርን ክኸሰትን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ክምዝበጽሕን ገይሮም ብዝብል ብፌዴራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ምድብ መጋባእያ 19 ዝርዝር ክሲ ተመስሪቱዎም።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት እቲ ክሲ ውድቂ ቅድሚ ምዃኑ ድማ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉን ክካትዑን ፀኒሖም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







