ፈይስ ቡክ ኣብ ምዝርጋሕ ዜና ዓቢ ለውጢ ኪገብር መዲቡ

ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ለውጢ ኣገዳሲ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ለውጢ ኣገዳሲ እዩ

ፌስቡክ ኣብ ናይ ዜና ምዝርጋሕ ስርሓቱ ለውጢ ክገብርን፡ እቲ ኣብ ገጻቱ ዘስፍሮ ዝነበረ ናይ ንግድን ዜናን ምልክታታት ድማ ከውሕዶ ምዃኑ ገሊጹ።

በንጻሩ፡ ኣብ ስድራቤታትን ኣዕሩኽን ዝልዓል ክትዓት ክድህብ ምዃኑን፡ ዋና ኣመሓዳሪ ፌስቡክ ማርክ ዙኩርበርግ ኣብ ዝገበሮ ትዊቱ ገሊጹ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ገለ ውድባት ኣብ ፌስቡክ ገጻቶም ዝነበሮም ህቡብነት ክንኪ ክዕዘቡ ኢዮም፡ ኢሉ እቲ ትካል። እቲ ዝተባህለ ለውጢ ኣብዚ ዝመጽእ ገለ ሳምንታት ክትግበር ኢዩ።

"ካብቲ [ናይ ፌስቡክ] ሕብረተሰብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ፌስቡክ ገጻት ካብ ናይ ንግድን ዜና ማዕከናትን ዝሰፍር ዝነበረ ምልክታት ነቲ ህዝባዊ ትሕዝቶ ዘነበሮን ሓድሕድ ዘረኽብ ዝነበረ ባይታ ዓብሊልዎ ጸኒሑ" ኢሉ ዙኩርበርግ።

ዙኩርበርግ ከምዝበሎ ንሱን ኣባላቱን ፌስቡክ ንህላወ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተገንዚቦም።

ወከልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወከልቲ ፈይስቡክ ተዊተር ጉግል ኣብ ዘተ

እንተድኣ ህዝባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ንጥፈታት ክድንፍዕ ኮይኑ ናይ ሕብረተሰባት ተሳትፎ ክተባባዕ ኣለዎ - ከምቲ ኣብ ገለ ጥሙራት ጉጅለታት ብዛዕባ መደባት ቴሌቪዥናትን ስፖርትን ዝገብርዎ ክትዓት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ፡ ኢሉ ዙኩርበርግ።

ኣብ ካልእ ገጽ ብፌስቡክ ዝተዋህበ ኣብነት ድማ ህዝባዊ ክትዓት ዘበግስ ፍሉይ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ቪድዮ ክህሉ ኢዩ ኢሎም።

"እዚ ለውጥታት ብምግባር ድማ ህዝቢ ኣብ ፌስቡክ ዘጥፍኦ ዝነበረ ግዜ ክንኪ እጽበ። እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝጠፍእ ግዜ ድማ ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ ክኸውን ትጽቢተይ ኢዩ" ኢሉ ዙኩርበርግ።

እብ ዝሓለፈ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ዙኩርበርግ ኣብ ዓመተ 2018 ንፌስቡክ "ብስርዓት ክውድብ" ቃል ኣትዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብ ከምዝበሎ፡ ድሕነት ተጠቐምቲ ካብ ዝኾነ ተጻብኦታት ክሕሉን እቲ ፌስቡክ ብምክትታል ዘጥፍእዎ ግዜ ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ክውዕል ኢዩ ኢሉ።

ካብ ዝኾነ ናይ ሃገራት ተጻብኦታት ክከላኸል ድማ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣጻብዕቲ ኣብ ቃታ ፈይስ ቡክ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብዝተገብረ ትንተና፡ ገለ ተዋሳእቲ - እንተላይ ሩስያ ዝርከብኦም ንትሕዝቶ ማሕበራዊ ገጻት ንረብሕኦም ክጥቀምሉ ፈቲኖም ነይሮም።

"ብርግጽ ዓቢ ለውጢ ኢዩ" ኢላ ላውራ ሃዛርድ ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ።

"እቲ ለውጢ ብዝያዳ ንኣሕተምቲ ክሃሲ ኢዩ። ብሕጂ እቲ ከይሓሰብካዮ ዶቦኽ ዝብል ዜና ብዝውሓደ ክንርኢ ኢና" ድማ ኢላ።

ብርግጽ እዚ ሓድሽ ለውጢ ንፌስቡክ ዋጋ ከኽፍል ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዚኩርበርግ ንኣውፈርቲ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ምምካት ንኹሉ ስርሓት እቲ ትካል ከምዝሃስዩ ገሊጹ።