ፈይስ ቡክ ኣብ ምዝርጋሕ ዜና ዓቢ ለውጢ ኪገብር መዲቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፌስቡክ ኣብ ናይ ዜና ምዝርጋሕ ስርሓቱ ለውጢ ክገብርን፡ እቲ ኣብ ገጻቱ ዘስፍሮ ዝነበረ ናይ ንግድን ዜናን ምልክታታት ድማ ከውሕዶ ምዃኑ ገሊጹ።
በንጻሩ፡ ኣብ ስድራቤታትን ኣዕሩኽን ዝልዓል ክትዓት ክድህብ ምዃኑን፡ ዋና ኣመሓዳሪ ፌስቡክ ማርክ ዙኩርበርግ ኣብ ዝገበሮ ትዊቱ ገሊጹ።
ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ ገለ ውድባት ኣብ ፌስቡክ ገጻቶም ዝነበሮም ህቡብነት ክንኪ ክዕዘቡ ኢዮም፡ ኢሉ እቲ ትካል። እቲ ዝተባህለ ለውጢ ኣብዚ ዝመጽእ ገለ ሳምንታት ክትግበር ኢዩ።
"ካብቲ [ናይ ፌስቡክ] ሕብረተሰብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ፌስቡክ ገጻት ካብ ናይ ንግድን ዜና ማዕከናትን ዝሰፍር ዝነበረ ምልክታት ነቲ ህዝባዊ ትሕዝቶ ዘነበሮን ሓድሕድ ዘረኽብ ዝነበረ ባይታ ዓብሊልዎ ጸኒሑ" ኢሉ ዙኩርበርግ።
ዙኩርበርግ ከምዝበሎ ንሱን ኣባላቱን ፌስቡክ ንህላወ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተገንዚቦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንተድኣ ህዝባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ንጥፈታት ክድንፍዕ ኮይኑ ናይ ሕብረተሰባት ተሳትፎ ክተባባዕ ኣለዎ - ከምቲ ኣብ ገለ ጥሙራት ጉጅለታት ብዛዕባ መደባት ቴሌቪዥናትን ስፖርትን ዝገብርዎ ክትዓት ዝሓዘ ክኸውን ኣለዎ፡ ኢሉ ዙኩርበርግ።
ኣብ ካልእ ገጽ ብፌስቡክ ዝተዋህበ ኣብነት ድማ ህዝባዊ ክትዓት ዘበግስ ፍሉይ ብቐጥታ ዝመሓላለፍ ቪድዮ ክህሉ ኢዩ ኢሎም።
"እዚ ለውጥታት ብምግባር ድማ ህዝቢ ኣብ ፌስቡክ ዘጥፍኦ ዝነበረ ግዜ ክንኪ እጽበ። እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝጠፍእ ግዜ ድማ ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ ክኸውን ትጽቢተይ ኢዩ" ኢሉ ዙኩርበርግ።
እብ ዝሓለፈ ኣብዝገበሮ ትዊት፡ ዙኩርበርግ ኣብ ዓመተ 2018 ንፌስቡክ "ብስርዓት ክውድብ" ቃል ኣትዩ ነይሩ። ሽዑ ኣብ ከምዝበሎ፡ ድሕነት ተጠቐምቲ ካብ ዝኾነ ተጻብኦታት ክሕሉን እቲ ፌስቡክ ብምክትታል ዘጥፍእዎ ግዜ ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ክውዕል ኢዩ ኢሉ።
ካብ ዝኾነ ናይ ሃገራት ተጻብኦታት ክከላኸል ድማ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብዝተገብረ ትንተና፡ ገለ ተዋሳእቲ - እንተላይ ሩስያ ዝርከብኦም ንትሕዝቶ ማሕበራዊ ገጻት ንረብሕኦም ክጥቀምሉ ፈቲኖም ነይሮም።
"ብርግጽ ዓቢ ለውጢ ኢዩ" ኢላ ላውራ ሃዛርድ ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ።
"እቲ ለውጢ ብዝያዳ ንኣሕተምቲ ክሃሲ ኢዩ። ብሕጂ እቲ ከይሓሰብካዮ ዶቦኽ ዝብል ዜና ብዝውሓደ ክንርኢ ኢና" ድማ ኢላ።
ብርግጽ እዚ ሓድሽ ለውጢ ንፌስቡክ ዋጋ ከኽፍል ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዚኩርበርግ ንኣውፈርቲ ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቕታ፡ ናይ ሓሶት ዜና ኣብ ምምካት ንኹሉ ስርሓት እቲ ትካል ከምዝሃስዩ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







