እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ብምሕረት ከም ዝፍትሑ ተገሊፁ
ብናይ ባዕሎም ጥፍኣት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ካልኦት ውልቀ ሰባትን፡ ክሶም ከምዝቋረፅ ወይ ብምሕረት ከምዝፍትሑ መረባ ፌስ ቡክ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይሕብር።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ትዊተርን ፌስቡክን መረብኡ ከምዝሓበሮ፡ "ጉዳዮም ብዓቃቢ ሕጊ ተታሒዙ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝርከቡን ዝተፈረዶምን ፖለቲከኛታትን ካልኦት ውልቀ ሰባትን፡ ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን፡ ዲሞክራሲያዊ ምህዳር እታ ሃገር ንምስፋሕን ክሶም ክቋረፅን፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ድማ ብምሕረት ክፍትሑ ተወሲኑ" ክብል ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ኣባላት ውድብ ኢህወደግ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ዝተወድአ ውሳነ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ፡ መግለፂ ንክህቡ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ፡ እዚ ውሳነ ተገሊፁ ዘሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዘበነ ስርዓት ደርጊ፡ ብስም ምርመራ ዝተፈላላዩ ግፍዕታታት ይፍፀመሉ ዝነበረ፡ "ማእከላዊ" እናተብሃለ ዝፍለጥ ማእኸል ምርመራ ገበነኛታት ክዕፆን ቤተ መዘክር ክኸውንን ተወሲኑ።
ዓለም ለኸ ረቛሒ ዝሰዓበ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘፅደቖ መርሃ ግብሪ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተጣይሹ ተግባራዊ ክኸዉን"ዩ።
እንተኾነ ግና፡ ድሕሪ ሰዓታት መረባ ፌስ ቡክ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስተር፡ "ብዝፈጸሙዎ ገበን ዝተፈረዶም ወይ ድማ ገበን ብምፍጻም ተጠርጢሮም ጉዳዮም ዓቃቢ ሕጊ ሒዙዎ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ገለ ኣባላት ዉድባት ፖለቲካ ሓዊሱ፡ ካልኦት ዉልቀ ሰባት ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዲሞክራስያዊ ምህዳር እታ ሃገር ንምግፋሕን ብዝብል፡ ኽሶም ተቛሪጹ ወይ ምሕረት ተገይሩሎም ሕግን ሕገ መንግስትን ብመሰረት ዝፈቕዶ ከምዝፍትሑ ቐዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ገሊጾም" ክብል ጽሒፉ ኣሎ።