ኣብ ቐዳማይ ኲናት ዓለም ዝጠፍአት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ተረኺባ

እዛ HMAS AE-1 ዝተብሃለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቐዳማይ ኲናት ዓለም 35 ዜጋታት ኣዉስትራሊያን እንግሊዝን ሒዛ ኣብ 1914 ኣብ ፓፓዋ ኒዉ ጊኑ'ያ ጠፊኣ።

ንመበል 13 ግዜ ኣብ ዝተኻየደ ኣለሻ ድማ ኣብ ደሴታት ፓፓዋ ኒዉ ጊኒ፡ ተረኺባ ኣላ።

እዚ፡ ጥንታዊ ምሽጢር ሓይሊ ባሕሪ ኣዉስትራሊያ ዝፈትሕ ዉጽኢት'ዩ ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

"ኣብ ታሪኽ ሓይሊ ባሕሪ ኣዉስትራሊያ ወሳኒ ዉጽኢት'ዩ" ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል እታ ሃገር ማሪሴ ፓይኔ።

"እዚ ኣብ ኣዉስትራሊያ ናይ መጀመርያ ዘጋጠመ ምጥፋእ ሓይሊ ባሕሪ ቐዳማይ ኲናት ዓለም ስለዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን መሓዙትናን ዘሕዝን ታሪኽ ተፈጢሩ ነይሩ" ክብላ'ዉን ይገልጻ።

እቲ ኣብ ኣለሻ እታ ዝጠፍአት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ዝተዋፈረ ጉጅለ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ 40 ሜትሮ ትጉዓዝ ሰብ ኣልባ ነፋሪት ተጠቒሙ'ዩ።

ቑራጽ ኣካል እታ ዝወደቐት ነፋሪት ድማ ኣብ ትሕቲ ማይ 300 ሜትሮ ርሕቐት'ዩ ተረኺቡ።

"እዚ፡ ስድራ እቶም ግዳያት ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ክረኽቡ ክሕግዘና'ዩ ኢለ ይኣምን" ክብላ ድማ እተን ሚኒስትር ገሊጸን።

ምኽንያት ምስማጥ እታ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ንምጽራይ ከምዝሕግዝ ድማ አመላኺተን።