ሓደጋ መኪና ሜክሲኮ: ኣብ ግዝኣት ኲንታ ራኖ ኣጋይሽ ቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣጋይሽ (በጻሕቲ ዓዲ) ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ ደቡብ ምብራቓዊ ሜክሲኮ ብዘጋጠማ ሓደጋ 12 ሰባት ሞይቶም።
ኣብ ሞንጎ ማሃሁልን ካፌታል ኣብ ዝተብሃላ ከባቢታት ገጠር ግዝኣት ኲንታ ራኖ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 18 ሰባት ቖሲሎም ኣለዉ።
እታ መኪና፡ ማያን ሩን ናብ ዝተብሃለ ጥንታዊ ቦታ 31 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ነይራ።
እቶም በጻሕቲ ዓዲ ዜግነት ኣመሪካ፣ ጥልያን፣ ስዊድንን ብራዚልን ከምዝነበሮም መግለጺ ኩባንያ መኪና ኮስታ ማያ ይገልጽ።
ዘዋሪ መኪናን መራሒ መንገድን'ዉን ኣብቲ ጉዕዞ ነይሮም።
እቶም ዝቑሰሉ ናብ ኣርባዕተ ሆስፒታላት እንትዉሰዱ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ተሓኪሞም ወጺኦም'ዮም።
ምምሕዳር ግዝኣት ኲንታ ራኖ ፡ በቲ ሓደጋ መኪና ሓደ ህጻን ዝርከቦም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ጸልማት ብምኽንያት ኣብ ጸልማት ዝግበር ጉዕዞ ሓደጋ መኪና ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቐትሪ ዘጋጥም ሓደጋ ግና ብዙሕ ኣይነበረን።
መንቀሊ እቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ኣይተጻረየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







