ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ብጽኑዕ ከሲሳ

ኣብዚ ዓመት ዝተርኣየን ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሆስፒታላት: ትካላት ንግድን ባንክታትን ዘጥቅዐ፡ ዋና ክራይ ዝተባህለ ሶፍትዌር ሰሜን ኮርያ'ያ ዘርጊሓቶ ክብል ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ንዕንወት ኣብ 150 ሃገራት ንዝርከባ 300,000 ኮምፒተራት ጠንቂ ምዃኑን ብቢልዮናት ዶላር ዝግመት ኪሳራ ከምዘብፀሐን ተዘሪብሉ እዩ።

ቶማስ ቦሰርት፥ ላዕለዋይ ሓጋዚ ዶላንድ ትራምፕ ነዚ እዚ ክሲ ኣብ ጋዜጣ 'ዎል ስትሪት' ኣቕሪቦምዎ ኣለዉ።

ኣሜሪካ ነዚ ወግዓዊ ክሲ'ዚ ንፈለማ እዋን እያ ኣቕሪባቶ። እቶም በዓል ስልጣን እቲ ክሲ ኣብ "ጭቡጥ መረዳእታ" ዝተደረኸ እዩ ይብሉ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ማይክሮሶፍትን እውን እቲ መጥቃዕቲ ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ኣለዎ እዩ ኢሎሞ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፥መጥቃዕቲ ዝበፀሐን ኮምፒውተራት ተዓፅየን እየን፤ካብተን ኮፕምፒውተራት መረዳእታ መሊስካ ንምርካብ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉ እዩ። 'ዩሮፖል' ዝበሃል ሕጋዊ ኣካል ኣውሮጳ እቲ ብርኪ መጥቃዕቲ "ቅድሚ ሎሚ ፈፂሙ ዘይተርኣየ" እንትብል ገሊፁዎ እዩ።

በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ቦሰርት፥ ሰሜን ኮርያ ብግድን "ተሓታቲት" እያ፤ ኣሜሪካ ድማ ሰሜን ኮርያ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ዘኽእላ ዓቕሚ ንምድኻም "ኣድላይ ዘበለ ፀቕጢ" ክትገብር እያ ኢሎም።

እቶም በዓል ስልጣን መረጋገፂ እንተተረኺቡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ እዩ ክውሰድ ንዝብል ብንፁር ኣይተዛረቡን።

ሰሜን ኮርያ "መዋሊት ኣኽረርቲ" ተባሂላ ምስተኸሰሰት ኣብ ልዕሊ ቑጠብኣ ማዕቀባት ተደንጊጉ'ዩ።

እዚ ድማ ምስቲ ሰሜን ኮርያ ምስ ዝሓዘቶ ፕሮግራም ኒኩለርን ሚሳኤልን ዝተሓሓዝ እዩ።

ሜመሪካ ሎሚመዓልቲ ወግዓዊ መግለፂ ክትህብ ትፅቢት ይግበር።