ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፡ ኣብ ብሕታዊ ትካላት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ'ኸ?

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ 26 ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ 7ይ ስሩዕ ጉባኤ፡ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰራሕኛታት መንግስቲ ብምጽዳቕ፡ ፍቓድ ወሊድ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ሰለስተ ናብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣመሓይሽዎ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ፡ ዝበዝሑ እኳ እንተነኣድዎ እቲ ኣዋጅ ምጽዳቑ ሰራሕተኛታት ብሕታዊ ትካላት'ከ? ዝብል ሕቶ ግና ይለዓል ኣሎ። ኣብ ሓደ ሃገር እናሰርሑን ግብሪ እናኸፈሉን ከመይ ኣቢሉ ኣፈላላይ ክህሉ ይግባእ ዝብል ርእይቶ ዝህቡ ብዙሓት'ዮም።

ኣብ ናይ ብሕታዊ ትካላት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት፡ ኣብ ሚኒስቴር ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዳይርክቶሬት ዳይሬክተር ሕጊ ኣይተ ደረጀ ተክይበሉ፡ ኣብ ናይ ዉልቀ ዓዉድን ካብ ናይ መንግስቲ በጀት ወጻኢ ዝመሓደሩን ኣወዳድባታት ልምዓት ዘሎ ርክብ፡ ኣስራሕን ሰራሕን ዝምልከት ካልእ ኣዋጅ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ኣዋጅ ተመሓይሹ ተመሳሳሊ ዉጽኢት ከምዝህሉ ገሊጾም።

"ኣዋጅ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ይመሓየሽ'ዩ ዘሎ። ወሊድ ጓል ኣንስተይቲ ወለዶ ናይ ምትካእ ሓላፍነት ትፍጽመሉ ተፈጥሮኣዊ ነገር'ዩ። ስለዝኾነ፡ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ነገር'ዉን ተመሳሳሊ'ኳ እንተኾነ፡ ተመሳሳሊ ፖሊሲ ክህሉ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር" ኢሎም ኣይተ ደረጀ።

ይኹን'ምበር፡ ምምሕያሽ ኣዋጅ ኣብ ናይ ዉልቀ ዓዉዲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ኣብ ኸይዲ'ዩ ዘሎ።

ኣይተ ደረጀ ከምዝብሉዎ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሚኒስቴር ይዝቲ ኣሎ፡ እንትኾነ፡ ኣብዚ ክለዓል ዝኽእል መዓዝ ይጸድቕ ዝብል'ዩ።

እቲ ኣዋጅ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ፡ ህጻናት ዝጸንሑሎም ከባብታት ከዳልዋ ድማ ይድንግግ።

ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናየን ኣደታት፡ ነቲ ዉሳነ ብምንኣድ፡ 6 ወርሒ ጡብ ምጥባው ምስ ዝብል ግና ሕዚ'ዉን እቲ ፍቓድ ወሊድ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ይዛረባ።

ፕረዚደንት ማሕበር ሓካይም ጥንስን ማህጸንን ኢትዮጵያ ዶክተር ደረጀ ንጉሰ፡ ምስ ምጥባው ጡብን ድሕሪ ወሊድ ምጥንካርን ተዛሚዱ፡ እቲ ማሕበር ፍቓድ ወሊድ ይናዋሕ ዝብል ከምዝድግፍ ይገልጹ።

ብኣንጻሩ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ቑጠባዊ ዓቕሚ፡ ፍቓድ ወሊድ ካብዚ ንላዕሊ ምዉሳኽ ዕድል ምቑጻር ደቂ ኣንስትዮ ከጉድሎ ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ።

ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጽ ፌስቡክ ደቂ ኣንስትዮ ዝጥምቱ ጉዳያት እትጽሕፍ ቤተልሄም ነጋሽ፡ ፍቓድ ወሊድ ክናዋሕ ኩነታት ቑጠባን ኣረኣእያ ኣስራሕትን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ ትብል።

"ፈለማ፡ እቲ ማሕበረሰብ ቖልዓ ምዉላድ፡ ዘርኢ ምትካእ ከምዝኾነ ተገንዚቡ፡ ብምኽንያት ወሊድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጠር ጽልዋ ንምክፋል ፍቃደኛ ክኸዉን ኣለዎ። ትካላት፡ ፍቓድ ወሊድ እንትህቡ፡ መጻኢ ወለዶ ይሕብሕቡ ምህላዎም ክፈልጡ ኣለዎም" ትብል።

ጋዜጠኛ ነበር ሮዝ መስቲካ፡ ናይ መጀመርያ ውላዳ ክትወልድ እንከላ ስራሕ ጠጠዉ ኣቢላ ነይራ።

ፍቓድ ወሊድ 6ተ ወርሒ ክኸዉን ኣለዎ ክትብል፡ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገጻት ምልዕዓል ክትገብር ዝጸንሐት ኾይና፡ ሕዚ፡ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሹ ኣሐጒሱዋ'ዩ።

"ሽዱሽተ ወርሒ ይኹን ንብል፡ ሽዱሽተ ወርሒ ንምጥባውን እኹል ዕረፍቲ ክትገብርን'ዩ። ይኹን'ምበር፡ እዚ ሕዚ ተገይሩ ዘሎ ወሰኽ ሓደ ወርሒ ግና ቐሊል ኣይኮነን" ኢላ።

ኣብቲ ፈላማ፡ ኣዋጅ ስራሕተኛታት መንግስቲ፡ ብመሰረት ኣዋጅ 515/1999 ፍቓድ ወሊድ ሰለስተ ወርሒ ነይሩ።