ቻይና፡ ንፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሙቕ ኣቐባብላ ገይራትሉ

ቻይናውያን ዕሸላት ንዶናልድ ትራምፕ ብድምቀት እናተቐበሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይናውያን ዕሸላት ንዶናልድ ትራምፕ ብድምቀት እናተቐበሉ

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤጂንግ ድሕሪ ዝተገብረሉ ልዑል ኣቀባብላ ምስ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዝርርብ ጀሚሩ፡ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ድማ ሓቲቱ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ርክቡ፡ ቻይና ከመይ ጌይራ ንናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባት ልጓም ክትገብረሉ ከምትኽእል ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ቻይና እታ ቀንዲ ዓርኪ ሰሜን ኮርያ፡ ዝያዳ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ክትገብር ድልየታ እንተኾነ፡ ቻይና ግና ዝክኣለኒ ገይረ ኢየ እያ ትብል።

መራሕቲ ናይተን ክልተ ኣብ ዓለም ብቑጠባ ዝዓበያ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ንግዲ ምምዝባላት ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብተን ሓሙሽተ ሃገራት ኤስያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ'ቲ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባታ ክትላዘብ ይማሕጸን ድኣ'ምበር ነቲ ኣንጻር ኣሜሪካን ዓለምን ትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ታህዲድ ድማ ''ኣይትፈታተንና'' ብምባል ኣጠንቂቕዋ።

ቻይና ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽን ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ጸቕጣ ከትዛይድን ጠሊቡ። ቻይና ግና 'ኩሉ ዝክኣለኒ ጌይረ ኢየ፡ ዋላ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወሰነ እገዳ'ውን ምሉእ ብምሉእ ይትግብሮ ኣለኹ' ኢላ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ቻይና፡ ኣብታ ትዊት ዝተኸልከለላ ሃገር፡ ካብ ዝበጽሕ ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ ትዊት ገይሩ።

ወተሃደራዊ ቻይና ንመራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ብሰልፊ እናተቐበለ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ቻይና ንመራሕቲ ኣሜሪካን ቻይናን ብሰልፊ ክብሪ እናተቐበለ

ፕሬዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ናይ ቻይና ዑደቱ ናብ ቬትናምን ፊሊፒንስ ክኸይድ ኢዩ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ስጋብ ሕጂ ኣብ ናይ ኤስያ ዑደቱ እንታይ ገይሩ?

- ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ዓለምን ''ከይትፈታተን'' ኣጠንቂቑ

- ኣብ ጉዳይ ምንካይ ኣጽዋር ድማ ንልዝብ ጸዊዑዋ

- ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ድማ ንሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዘውድቕ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነ ኣጽዋር ክገዝኣ ምዃነን ገሊጹ። ክልቲኤን ሃገራት ድማ ነቲ ጉዳይ ክሓስባሉ ምዃነን ገሊጸን።

ሺ ጂንፒንግ ምስ ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images