ቻይና፡ ንፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሙቕ ኣቐባብላ ገይራትሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቤጂንግ ድሕሪ ዝተገብረሉ ልዑል ኣቀባብላ ምስ መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዝርርብ ጀሚሩ፡ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ድማ ሓቲቱ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ርክቡ፡ ቻይና ከመይ ጌይራ ንናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባት ልጓም ክትገብረሉ ከምትኽእል ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ።
ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ቻይና እታ ቀንዲ ዓርኪ ሰሜን ኮርያ፡ ዝያዳ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ክትገብር ድልየታ እንተኾነ፡ ቻይና ግና ዝክኣለኒ ገይረ ኢየ እያ ትብል።
መራሕቲ ናይተን ክልተ ኣብ ዓለም ብቑጠባ ዝዓበያ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎአን ዘሎ ናይ ንግዲ ምምዝባላት ክዘራረቡ ትጽቢት ኣሎ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብተን ሓሙሽተ ሃገራት ኤስያ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ሰሜን ኮርያ፡ ብዛዕባ'ቲ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር መደባታ ክትላዘብ ይማሕጸን ድኣ'ምበር ነቲ ኣንጻር ኣሜሪካን ዓለምን ትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ታህዲድ ድማ ''ኣይትፈታተንና'' ብምባል ኣጠንቂቕዋ።
ቻይና ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽን ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ጸቕጣ ከትዛይድን ጠሊቡ። ቻይና ግና 'ኩሉ ዝክኣለኒ ጌይረ ኢየ፡ ዋላ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወሰነ እገዳ'ውን ምሉእ ብምሉእ ይትግብሮ ኣለኹ' ኢላ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ቻይና፡ ኣብታ ትዊት ዝተኸልከለላ ሃገር፡ ካብ ዝበጽሕ ጥራይ ኣርባዕተ ግዜ ትዊት ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ፕሬዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ናይ ቻይና ዑደቱ ናብ ቬትናምን ፊሊፒንስ ክኸይድ ኢዩ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ስጋብ ሕጂ ኣብ ናይ ኤስያ ዑደቱ እንታይ ገይሩ?
- ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ዓለምን ''ከይትፈታተን'' ኣጠንቂቑ
- ኣብ ጉዳይ ምንካይ ኣጽዋር ድማ ንልዝብ ጸዊዑዋ
- ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ድማ ንሚሳይል ሰሜን ኮርያ ዘውድቕ ስርሓት ኣሜሪካ ዝኾነ ኣጽዋር ክገዝኣ ምዃነን ገሊጹ። ክልቲኤን ሃገራት ድማ ነቲ ጉዳይ ክሓስባሉ ምዃነን ገሊጸን።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







