እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሴንያ ሶብቾክ ንፕረዚደንታዊ መረፃ ሩስያ ከምትወዳደር ዕላዊ ገይራ
ሩስያዊት ክሴንያ ሶብቾክ፥ ቭላድሚር ፑቲን ክሳተፍሉ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረፃ ሩስያ፥ ከምትሳተፍ ዕላዊ ገይራ።
ሶብቾክ ንባዕላ ሕፅይቲ ቅድሚ ምግባራ፡ ንመራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኣልክሲ ናቫልኒ ድጋፍ እናሃበት ዋላ እኳ እንተፀንሐት፡ እሱ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ኣተወ ግና ናቱ መተካእታ ኮይና ቀሪባ።
ኣልክሲ ናቫልኒ ንከይትወዳደር ዋላ እኳ እንተጠንቀቓ፡ ብውሳንኣ ግና ፀኒዓ ትርከብ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ተቓወምቲ፡ ምክፍፋል ክፍጠር ከምዝኽእል እናተሰግአ እዩ።
ክሬምሊን ግና ሕፅዩነታ ሕገመንግስታዊ እዩ ብምባል ተቐቢልዎ ኣሎ።
ናቫልኒ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣዋዲዲካ ኢኻ ብዝብል ገበን፡ ን20 መዓልታት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይርከብ።
ኣብዚ ፕረዚደንታዊ መረፃ ንከይሳተፍ ዝተኣገደ ናቫልኒ፡ ዝቐረበሉ ክሲ ኮነ ተባሂሉ ዝተዋደደ ጠቐነ ከምዝኾነ ይገልፅ።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ክሴንያ ሶብቾክ ንክሬምሊን ከም መዘናግዒት እምበር ፕረዚደንት ክትኸውን ኣይትኽእልን ብምባል ሕፁይነታ ኣይተቐበሎን ነይሩ።
"ንሊበራል መዝገብ ቀልዲ፡ ንተቓወምቲ ድማ ንትርጉም ኣልቦ መረፃ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝተፀምበረት፡ መስሓቒትን ዝተጋነነትን" ብምባል ንሶብቾክ ኣናኢስዋ እዩ።
"እኳድኣስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ፈተውትን ሰዓብትን ንምፍራይ ትዕልም ከያኒት" ኢልዋ።
ሶብቾክ ግና፥ ዋላ ሓደ ጉድኣት ናይ ምብፃሕ ዕላማ ከምዘይብላን፥ ናቫልኒ ንክወዳደር እንተተፈቒድሉ፥ ንባዕላ ካብ ሕፁይነት ከምተግልልን ሓቢራ።
ይኹን እምበር እዚ ከጋጥመሉ ዝኽእል ዕድል ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ።
ጋዜጠኛ ዝነበረትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትነጥፍን ሶብቾክ፥ ድምፂ ብፕሮፖጋንዳ፣ ስርቅን ግዕዝይናን መራሕቶም ዝተማረሩ ዜጋታት ከምትኸውን ቃል ኣትያ።
ኣብ ሩስያ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት፥ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሕፅይቲ እያ።
ፖለቲካዊ ውድባት ሕፁያቶም ዕላዊ ምስ ገበሩ፥ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ወፍሪ ምረፁኒ ክጅመር እዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ሩስያ ኣባል ዘይኾነ ውልቀ ተወዳዳሪ፥ 300 ሽሕ ናይ ድጋፍ ድምፂ እንተረኺቡ ጥራሕ እዩ ክወዳደር ዝፍቀደሉ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናብ ስልጣን ዝመፁ ቭላድሚር ፑቲን፥ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ መረፃ ከምዝወዳደሩ ኣየፍለጡን።
ክሴንያ ሶብቾክ መን እያ?
- ጓል 35 ዓመት ህፅይቲ ፕረዚደንት ሶብቾክ፥ ከንቲባ ቅዱስ ፕተርስበርግ ካብ ዝነበሩን፥ ናይ ሕዚ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ንትካል ስለላ ሩስያ (ኬ ጂ ቢ) ካብ ዝቖፀሩን፡ ኣናቶሌ ሶብቾክ እያ ተወሊዳ።
- ፍቑራት ኣብ ዘራኽብ ናይ ቴሌቬዥን መደብ ብምቕራብ ኣድናቖት ረኺባ እያ።
- ብዓፍራ ኣብ ዝተመልአ መሕፀቢ ነብሲ (ሻወር) ኮይና ብተቕርቦ ካልእ ምድላው ቴሌቬዥን እውን ቀልቢ ብዙሓት ስሒባ ነይራ።
- ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ2012 ጀሚራ ድማ፥ ንፕረዚደንት ፑቲን ብምቅዋም፡ ንተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ድጋፍ ምሃብ ጀሚራ።