ምንቅጥቃጥ መሬት ሜክሲኮ፡ ወፍሪ ኣለሻ፡ ኣብ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ንዝተፀቐጡ ግዳያት

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሜክሲኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ኣብ ፍርስራስ ህንፃታትን ቤት ትምህርትን ከተማ ሜክሲኮ፡ ህይወት ዝተፀቐጡ ሰባት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።

ካብ ሞንጎ እዞም ግዳያት ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኾነት፡ ጓል 13 ዓመት ሰገን፡ ኣብ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ተዓቝባ ከም ዝተረኸበት ሰበስልጣን ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ሜክሲኮ፡ በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዝፈረሰ ቤት ትምህርቲ፡ ህይወት ኣስታት 21 ቖልዑን 5 ኣባፅሕን እንትጠፍእ ሃለዋት ብርክት ዝበሉ ሰባት ድማ ተሳኢኑ ኣሎ።

እዚ ቤት ትምህርቲ፡ በዚ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ሞንጎ ዝፈረሱ ብዙሓት ህንፃታት ሜክሲኮ ሓደ እንትኸውን፡ ዛጊድ 230 ሰባት ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኢንሪክ ፔና ኒቶ ድማ፡ ብምኽንያት እዚ ሓደጋ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሓዘን ግዜ ኣዊጆም።

እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቐፀለ ወፍሪ ምድሓን ህይወት፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ትኹረት ብምግባር ኣለሽኡ ይቕጽል ኣሎ።

ብዓርሰ ፍቓዱ ኣብቶም ዝፈረሱ ህንፃታት ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ዝወፈረ ኢንሪክ ጋርዲያ ከም ዝገለፆ፡ ዝተጨነቑ ስድራ ግዳያት፡ ሃለዋት ደቆም ክሰምዑ ይጽበዩ ምህላዎ ሓቢሩ።

"ብሂወት ኣለዉ! ኣለዉ!" ብዓውታ።

ሓንቲ ኣደ፡ ሃለዋት ጓል ሸውዓተ ዓመት ውላዳ እናተፀበየት ምዃና ንቢቢሲ ትገልፅ። " ኣብ ከመይ ዓይነት ስቓይ ከም ዘለኹ ማንም ክርድአኒ ኣይኽእልን" ድማ ትብል።

ካብዞም ፍርስራስ ህንፃታትት ክሳብ ሕዚ 52 ሰባት ከምዝደሓኑ ኣማሓደርቲ ከተማ ሜክሲኮ ገሊፆም።

ሜክሲኮ ንፈለማ ግዜ ኣይኮነን ምንቕጥቓጥ መሬት ዘጋጥማ ዘሎ። ኣብ ቀዳማይ ሰሙን እዚ ወርሒ እውን፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሜክሲኮ፡ 8.1 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቕጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙስ ህይወት 90 ሰባት ቀዚፉ እዩ።