እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስታት 7 ሺሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብዘይሕጋዊ ሰነድ ክጥቀሙ ፀኒሖም
ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ኦሮምያ ዝተሰንዐ ሰነድ ሰነድ ዝተጠቐሙ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ እቲ ክልል ካብ 15 ሰነ 15 ክሳብ 22 ሓምለ 2009 ዓ/ም ዓርሶም እንተኣሚኖም ምሕረት ክግበርሎም ወሲኑ ነይሩ።
በዚ ኣዋጅ መሰረት ብድምር 6700 ዝኾኑ ስራሕተኛታት ዘይሕጋዊ ሰነድ ትምህርቲ፥ መረጋገፂ ብቕዓት ፥ ፍቃድ መዘወሪ መኪናን ወረቐት ስራሕ ልምዲን ምጥቃሞም ዓርሶም ከምዝኣመኑ፡ ሓላፊ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ሰብኣዊ ልምዓትን ኦሮምያ ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ ከምዝበልዎ፥ እቶም ናይ ሓሶት ሰነድ ክጥቀሙ ዝፀንሑ ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነትን ስራሕቲን መንግስቲ ክሰርሑ ዝፀንሑ እዮም።
ብርግፅ ኣብ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ዘሎ ፍርቂ ሚልዮን ዝኣክል ብዝሒ ሰራሕተኛ መንግስቲ እንትነፃፀር እዚ ሐዚ ዝተነፀረ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ሰነድ ብዙሕ ዝበሃል ከምዘይኮነ እቶም ሓላፊ ይዛረቡ።
ኮይኑ ግና፥ ብቀፃልነት ብዝካየድ ጥቆማን እቲ ቢሮ ብዘካይዶ ሕጋዊ ምፅራይ ሰነዳትን፥ እቲ ቁፅሪ ክብ ከምዝብል ይኣምኑ።
ኣብቲ ክልል ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ሰነዳት ብተደጋጋሚ ምርካብን፥ ኣብ ዓውዲ ስራሕቲ መንግስቲ ውድቀትን ድኸመትን ብበዝሒ ምስትውዓሉን፡ መንግስቲ እዚ ስጉምቲ ንክወስድ ከምዘገደዶ እቶም ሓላፊ ቢሮ ወሲኾም ይዛረቡ።
በቲ ዝተዋህበ ግዜ ዓርሶም ነቒፎም ዘይሕጋዊ ሰነድ ምጥቃሞም ዝኣመኑ ሰራሕተኛታት፥ በቲ ሓቀኛ ሰነዶም ስራሕን ሓላፍነትን ዳግም ከምዝዋሀቦም ቃል ከምዝተኣተወሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ መንግስቲ ዝሃቦ ዕድል ንምጥቃም ፍቓደኛታት ዘይኮኑ እሞ ከኣ ብሕጋዊ ምፅራይ ምስ ዘይሕጋዊ ሰነድ ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት እቲ ክልል ግና፥ ክሲ ክምስረቶምን ሕጋዊ መቕጻዕቲ ክረኽቡን፡ ከምኡ
ድማ ክሳዕ ሕዚ ዝወሰድዎ ክፍሊት ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክገበሩ ከምዝግበር እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰራሕተኛታት ፥ እዚ ሕጋዊ ምፅራይ ሰነድን ካብ ሕብረተሰብ ጥቆማ ምርካብን ድማ፡ ክሳዕ 2 ጥቅምቲ 2017 ከምዝቕፅል ተፈሊጡ።
ንቐፃሊ እቲ ቢሮ ኣብዚ ጉዳይ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ሰነድ ብዝምልከት ብጥንቃቐ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።