ምህዞ ግራመፎውን ንድምፃውያን እንታይ ረቢሑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዘፈር ሙዚቃ ልዑል ክፍሊት ዝረክብ ብሕታዊ ድምፃዊ ዓለምና መን እዩ? ከም ሓበሬታ መፅሄት ፎርብስ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 100 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ብምርካብ ንኤልተን ጆን ዝወዳደሮየ የለን።
ዋላ እኳ ጉጅለ ሙዚቃ ዩቱ (U2) ኣርባዕተ ድምፃውያን ብምዃን ካብ ኤልተን ጆን ብኽልተ ዕፅፊ ዝዛይድ ኣታዊ እንተረኸቡ ንብሕቱ ብምድራፍ ልዑል ኣታዊ ዝረኸበ ግን ኤልተን ጆን ጥራሕ እዩ።
እዚ ሕቶ ቅድሚ 215 ዓመታት እንተዝሕተት ነይሩ ድማ ብሙዚቃ ኢንግሊዘኛ ልዑል ድምፂ ዝነበራ ኤልሳቤጥ ቢሊንግተን ዝብል ክኸውን ነይሩ።
ኤልሳቤጥ ቢሊንግተን "ሶፕራኖ" ብዝብል ቅዲ ሙዚቃ እስካብ ሐዚ ተወዳዳሪ ዘይተረኸበላ ስምይቲ ደራፊት ነይራ።
ኣብ መድረኽ ብዝነበራ ብሉፅ ክእለት ሙዚቃ ድማ ብዙሓት ብኽእለታ ዝጓየዩላ ፍትውቲ ድምፃዊት ነይራ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ለንደን ቅዲ ኦፔራ ኣብ ዝፃወተሎም መዘናግዕታት ስራሕ መካየድቲ ዝነበሩ ኮቨናንት ጋርደንን ድሩሪ ሌንን፡ ኤልሳቤጥ ኣብ መድረኽ ንክትደርፈሎም ኣብ ሓያል ንሕንሕን ምሽማይን ነይሮም።
ደሓር ግና ኣብ ናይ ክልቲኦም መድረኽ ተፃዊታ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1801 መጠን ኣታዊኣ 15 ሽሕ ዶላር ክበፅሕ ክኢሉ እዩ።
እዚ ናይ ኤልሳቤጥ ኣታዊ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዎ ዋጋ ኣስታት 1 ሚልየን ጥራሕ እዩ። እዚ ማለት ድማ 1 ሚእታዊ ናይ ኤልተን ጆን ኣታዊ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤልሳቤጥ ቢሊንግተን ካብ ትመውት 60 ዓመታት ኮይኑ ። እቲ ውሩይ በዓል ሞያ ምጣነ ሃፍቲ ኣልፍሬድ ማርሻል ፥ ኣብቲ እዋን ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝን ኣውስትራልያን ኣተኣሳሲሩ ዝነበረ ብኮረንቲ ዝሰርሕ ቴሌግራፍ ዝነበሮ ፅዕንቶ ገምጊሙ እዩ።
ምስጋና ነዞም ቴክኖሎጅታትት እዚኦም " ናይ ምእዛዝ ስልጣኖም ዘረጋገፁ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ካልእ ግዜ ብዝበለፀ መልክዑ ናይ ክልሰ ሓሳብን ተግባርን ክእለቶም ናብ ብዙሕ ከባብታት ከባፅሑ ሓጊዝዎም እዩ" ይብል ኣልፍሬድ ማርሻል።
ኣብ ዓለምና ብኢንድስትሪ ዕብየተን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ኣብቲ እዋን ዝያዳ እናጎልበታ እየን ነይረን። እዚ ድማ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራትን ትሑት ፈጠራ ስራሕ ኣብ ዝነበሮምን ዓብይ ክፍተት እናተፈጠረ ከይዱ።
ይኹን እምበር ከም ኣገላልፃ ማርሻል ናይ ኩሎም ሞያታት ብሉፃትን ዕውታትን ኣይነበሩን።
ኣብ መድረኽ ዝቐርቡ ስራሕቲ ጥበብ ከም ኣብነት እንተርኢና፥ ድምፆም ብዘይ ሓገዝ መጉልሂ ድምፂ ናብ ኩሉ ሰብ ከስምዑ ዝኽእሉ ድምፃውያን ውሑዳት ነይሮም።
ብምኽንያት እዚ ድምፃውያን ዝረኽብዎ መጠን ኣታዊ እውን ትሑት እዩ ነይሩ።
ድሕሪ 2 ዓመታት ብ 1877 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ግና ቶማስ ኤዲሰን ንፈለማ እዋን ድምፂ ሰባት ክቐርፅን መሊሱ ከስምዕን ዘኽእል ፎኖግራፍ ዝተብሃለ መሳርሒ ምሂዙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ መቕረፂ ድምፂ ካብ ጥንኩር ላስቲክ (ፕላስቲክ) ዝተሰርሐ እንትኸውን ውሽጡ ድማ ክፍቲ እዩ። ብክቢ ቅርፂ ብዝተሰርሑ መቕረፅታት እናተሽከርከረ ድማ ድምፂ ብምቕራፅ መሊሱ የስምዕ።
ፈለማ ምቕራፅ ማለት፡ ኣብ መፅሐፈ ቅዳሕ ካርቦን ምቕራፅ ከም ማለት እዩ፡ ድምፃውያን ሓደ ግዘ ድምፂ ንምቕራፅ ኣብ ሰለስተ ወይ ድማ ኣርባዕተ መቕረፅታት ጥራሕ እዮም ዝቐርፁ ነይሮም።
ብምኽንያት እዚ ድማ ኣብ 1890ታት ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ናይ ኣሜሪካዊ ድምፃዊ ጆርጅ ጆንሰን ጣዕመ ዜማ ኣዝዩ ይስማዕ ስለ ዝነበረ፥ ጆንሰን ሓደ ሙዚቃ በብመዓልቱ ብተደጋጋሚ ከቕርፅ ግድን ነይሩ።
ኣብ መዓልቲ 50 ግዘ እንተተቐረፀ እውን ክህልዎ ዝኽእል ልዑል ቅዳሕ 200 ጥራሕ ስለ ዝኾነ ፥ ድምፁ እስካብ ዝልሕትትን ሓደ ጣዕመ ዜማ ደጋጊሙ ይደርፍ ነይሩ።
ቁጠባ ስሙያት ድምፃውያን
ኤምል በረሊንገር ቴክኖሎጂ ዘመናዊ መቕረፂ ድመፂ እንትምህዝ ብዙሓት ቅዳሓት ንክፍጠሩ መንገዲ ከፊቱ።
ብድሕሪ እዚ ሬድዮን ፊልምታትን ስዒቦም።
ከም ናይ ቻርሊ ቻፕሊን ዝበሉ ስራሕቲ ድማ ብቐሊሉ ናብ ዕዳጋ ምእታው ክኢሎም።
እዚ ቴክኖሎጂ ንቻርሊ ቻፕሊንን ኤልተን ጆንን ምንጪ ልዑል ዝናን ሃፍትን ዋላ እኳ እንተኾኖም ንኻልኦት ግና ዓብይ ሓደጋ ኾይንዎም።
ኣብ ግዘ ኤልሳቤጥ ቢሊንግተን ብዙሓት ልምዲ ዝነበሮም ድምፃውያን ኣብ ኣዳራሻት ሙዚቃ ይደርፉ ነይሮም። ኤልሳቤጥ እውን ብሓደ ግዘ ኣብ ሓደ መድረኽ ጥራሕ ትደርፍ ነይራ።
ኣብ ንሕንሕ ዘለዉ ድምፃውያን ብቐጥታ ምርኣይ እንታይ ይረብሐና?
እዚ መቕረፀ ድምፂ ፥ ደርፎም ንዘቕርፁ ከየንቲ መጠን ኣታዊኦም ክብ ክብል፥ ኣብ መድረኽ ጥራሕ ዝደርፉ ድማ ናይ ገንዘብ ዓቕሞም ንኽዳከም ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
ምህዞታት ቴክኖሎጂ ዓለም ኣብ ካልኦት ዘፈራት ንዝረከቡ ስሙያት ሰባት እውን ምንጪ ሽሻዮም ኮይኑ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ውሑዳት ዓሰርተ ዓመታት በቢሰሙኑ ዝካየዱ ፀወታታት ኩዕሶ እግሪ ክርኢ ዝኽእል ኣብ ሜዳ ዝተረኸበ ሰብ ጥራሕ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ዕድመ ንቴክኖሎጂ ሳትላይት ቴሌቬዥን ሕድሕድ ምንቅስቓሳት ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት ክከታተልዎ ክኢሎም እዮም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1980ታት ኢንግሊዛውያን ተፃውቲ ቀዳማይ ዲቪዝዮን ምስ ኣብ ሳልሳይ ዲቪዝዮን ዝርከቡ ተፃወቲ እንትነፃፀር ብኽልተ ዕፅፊ ዝበለፀ ኣታዊ ይረኽቡ ነይሮም።
ሎሚ ግና ብ 25 ሚእታዊ ዝበለፀ ኣታዊ እናረኸቡ እዮም።
ጉዳይ ብመዓረ ዘይምቕፃሉ
ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ምህዞታት ካሴት፣ ሲዲን ዲቪዲን ምጣነ ሃፍቲ ከየንቲ ንኽዓቢ ዓብይ ኣበርክቶ እናበርከቱ መፂኦም።
ድሕሪ ግዘ ድማ ሰባት ዝመረፅዎም ጣዕመ ዜማታት ንምስማዕ ካሴታት እንከይገዝኡ፥ ብዘይ ገለ ወፃኢ ብቐሊሉ ኣብ ኢንተርኔት ክሰምዑ ክኢሎም።
በዚ ድማ ድምፃውያን ኣልበሞም ንምሻጥ ዘዳልውዎም ዝነበሩ መሸጣ ትኬታት ደው ብምባል፥ ብኣንፃሩ ኣልበሞም ንመሸጣ ቲኬት ምርኢት ሙዚቃ ክጥቀምሉ ጀሚሮም።
ኮይኑ ግና፥ ሐዚ እውን ኣብ ኢንድስትሪ ሙዚቃ ዓለም ኩሎም ከየንቲ መዓረ ኣታውን ዝናን ከይረኸቡ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ምቕፃሎም ግሁድ ሓቂ እዩ።
1 ሚእታዊ ስሙያት ድምፃውያን ጥራሕ ካብ ምርኢት ሙዚቃ ዝረኽብዎ ትርፊ ካልኦት 95 ሚእታዊ ድምፃውያን ካብ ዝረኽብዎ መጠን ኣታዊ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ዝዛየደ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







