ብቕዓት ኣእምሮና እስከ ንፈትን - ግድል ቁ-8
ብቕዓት ኣእምሮና እስከ ንምዘን።
ንሎሚ ኣብ ዝተዳለወ ግድል ምስጢራዊ ቁፅሪ ንምርካብ ንፈትን። ቀሊል'ዶ ይመስለኩም?
ሰናይ ዕድል!

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግድል ቁጽሪ - 8
ኣብ ኣፍ ደገ ብፀላኢ ዝውነን ምሰጢራዊ መማዕበሊ ኒኩሌር ኣለኹም ንበል። ምሰጢራዊ ቁፅሪ ብምርካብ ናብ ውሽጢ ምእታው እዩ ድልየትኩም።
ሓደ ሳይንቲስት ናብቲ መእተዊ በፂሑ። ሓላዊ ማዕፆ ''ዓሰርተ ሽድሽተ''? ክብል ሓቲትዎ። እቲ ሳይንቲስት ''ሸሞንተ'' ክብል መልሲ ስለዝሃበ ክኣቱ ተፈቒዱሉ።
ካልእ ሳይንቲስት ድማ መፂኡ። ሓላዊ ማዕፆ ''ሸሞንተ''? ክብል ሓቲትዎ። እቲ ሳይንቲስት ''ኣርባዕተ'' ክብል ስለዝመለሰ፡ ንሱ'ውን ክኣቱ ተፈቒዱሉ።
እቲ ምሰጢራዊ ቁፅሪ ከመይ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀ'ለኹ ዝብል ሙሉእ እምነት'ዶ ኣሕዲርኩም? ግርም እምበኣር፡ ናብቲ ማዕፆ በሉ ተፀግዑ።
ናብ ማዕፆ ምስተፀጋዕኹም እቲ ሓላዊ "ሰለስተ"? ክብል ሓቲትኩም። "ሓደን ፈረቓን" ዝብል መልሲ ሂብኩምዎ። እቲ ሓለዋ ግን ንመልስኹም ኣይተቐበሎን። ኣብ እዋን ሓደጋ ዝፍኖ ድምፂ ደወል ድማ ኣቃሊሑ። ስለምንታይ?
መልሲ፡ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም ረአይዎ

መልሲ
መልስኹም "ኣርባዕተ" ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ንፊደላት እተን ብሓላዊ ማዕፆ ዝፅውዓ ቁፅሪታት ብምቑፃር እዩ ትኽክለኛ መልሲ ዝርከብ።
እዚ ግድል ብላውረን ካብ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ዝተወሰደ እንትኸውን፡ ብቱደይ ፐሮግራም ኣቢሉ ድማ ቐሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







