እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 1382 ምርመራታት ከምዝተገበረን፤ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡን ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ጉዳይ እቲ ቫይረስ ኣመልኪትና ናይዚ ዕለት ዓለማውን ኣህጉራውን ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና፡ ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቁጽሪ ግዳያት ኮቪድ-19 ብሪጣንያ ልዕሊ 30 000 በጺሑ

    ኣብ ብሪጣንያ 30 076 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ሰብመዚ ጥዕና ኣፍሊጦም።

    እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ብሪጣንያ፡ “ልብኻ ዝሰብር” ምዃኑ ሚኒስተር ማሕበረሰባት ገሊጹ።

    ብደረጃ ዓለም፡ ብሪጣንያ እታ ዝበዝሑ ግዳያት ዝሞቱላ ካልኣይቲ ሃገር ኮይና’ላ። እታ ልዕሊ 70 000 ዝሞቱዋ ኣመሪካ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

    መጠን ዝግበር ዘሎ መርመራ ከም ዝጎደለ’ውን እቲ ሎሚ ዝወጸ መንግስታዊ ሓበሬታ የረድእ። ኣብ መዓልቲ ብውሕዱ 100 000 መርመራ ክግበር’ዮም ሰብመዚ ጥዕና ውጥን ኣውጺኦም ዘለዉ።

  2. ጀርመን ‘ቀዳማይ ገጽ ብምሕላፍ' ናብ ንቡር ክትምለስ ጀሚራ

    መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ምስ ሓለፍቲ 16 ዞባታት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየደቶ ኣኼባ፡ “ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ለበዳ ሓሊፍናዮ ኣለና” ኢላ።

    ንሳ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተወስደ ምዝላቕ እገዳታት “እቲ ቁጽሪ ትሑት ምህላዉ፡ ኣዝዩ ኣሐጒስኒ ኣሎ” ክትብል ገሊጻ።

    ካብቶም ሎሚ ዝተወስዱ ውሳነታት ንምጥቃስ፡

    - እቶም ተዓጽዮም ዝጸንሑ ዓበይቲ ደኳኩን ክኽፈቱ

    - ኣብ መእለዪ ማእከላት ዘለዉ ተናበይቲ ጋሻ ክበጽሖም ክፍቀደሎም

    - ክልተ ስድራቤታት ክራኸቡ ከም ዝኽእሉ

    - እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት ቀዳማይ ዲቪዢን (ቡንዳስሊጋ) ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክጅምር

    - ምኽፋት ሲነማታት፡ ኣብያተ መግብን መስተን ዝበሉ ትካላት ብዞባታት ክውሰን

    - እቲ ናይ ኣካላዊ ምፍንታት መምርሒታት ክሳብ 5 ሰነ ክቕጽል፡ ዝብሉ ይርከብዎም።

    ቁጽሪ ዝተለኽፉ መሊሱ ክውስኽ እንተ ተራእዩ ግን፡ እቶም እገዳታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ምዃኖም ኣንገላ መርከል ኣስሚራትሉ።

    ህዝቢ ጀርመን ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ንዘርኣዮ ምትሕብባርን፡ ንጻዕሪ ሰብመዚ ጥዕናን ድሕሪ ምምስጋን፡ እታ ሃገር “ኣብ ፈላሚ ገጽ ናይቲ ለበዳ’ያ ዘላ፡ ንነዊሕ እዋን ከኣ ኣብኡ ክትጸንሕ’ያ” ክትብል ተዛሪባ።

    ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ቀጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ 6993 ክበጽሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 167 ሽሕ ተለኺፎም ኣለዉ።

  3. ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ቀዳማይ ዲቪዢን ጀርመን ክጅምር ተወሲኑ

    እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት ቀዳማይ ዲቪዢን (ቡንዳስሊጋ) ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክጅመር ተወሲኑ።

    እቶም ዝካየዱ ጸወታታት፡ ብዘይ ተዓዘብቲ ክካየዱ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

    መንግስቲ እቲ ግጥማት ክካየድ ምፍቃዱ ቻንስለር ኣንገላ መርከል ተዛሪባ።

    እቲ ሊግ፡ ጸወታታት ዝጅምረሉ ዕለት ክውስን ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

    ውድድር ቡንዳስሊጋ፡ ብ11 መጋቢት ናይ መወዳእታ ግጥም ድሕሪ ምክያዱ’ዩ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

    ጸወታታት ክቕጽል ዘፍቀደ ኣብ ዓለም እቲ ናይ መጀመርታ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ክኸውን ኣብቂዕዎ’ሎ።

    ላሊጋ ስጳኛን፡ ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝን፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጸወታታት ክጅምሩ ትጽቢት ይግበር።

  4. ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን '14 መዓልታት ዘጽንሕ መግቢን ማይን የብልናን' ይብሉ

    ልዕሊ ክልተ-ሲሶ መጽናዕቲ ዝተኻየደሎም ኣፍሪቃውያን፡ን14 መዓልታት ዕጽዋ ዘጽንሕ ቀረብ መግቢን ማይን ክረኽቡ ከም ዘይክሉ ገሊጾም።

    ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሰባት’ውን፡ ገንዘብ ክውድኡ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም።

    እቲ ብማእከላት ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዳህሳስ፡ ኣብ መጻኢ ንኮቪድ-19 ንምቁጽጻር መንግስታት ዝጥቀምሎም ፖሊሲታት ንምድጋፍ ዝዓለመ’ዩ።

    እቶም ዝውሰዱ ስጉምትታት፡ ነቲ ማሕበረሰባት ዝነብሩሉ ፍሉይ ከባቢታት ኣብ ግምት ዘእተወ እንተ ዘይኮይኑ፡ ዘይምርግጋእን ጎንጽን ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    እቲ ካብቲ መጽናዕቲ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብታ ኣህጉር ዝተኣወጀ ዕጽዋን እገዳታትን ንምትግባር ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ይርከብ።

    ዋላ'ኳ ኣብ ገለ ቦታታት፡ ደገፍ መንግስቲ ዝጠልቡ ናዕብታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን እንተ ተራእዩ፡ ብሓፈሽኡ ግን ህዝቢ፡ ነቶም እገዳታት ከምዝድግፍ እቲ ዳህሳስ ኣረጋጊጹ።

  5. ተመራማሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣሜሪካ ተቐቲሉ

    ኣብ ኮሮናቫይረስ ይመራመር ዝነበረን 'ዓብይ ውፅኢት ዕላዊ ንምግባር ኣብ ጫፍ ዝበፅሐን' ምዃኑ ዝተነገረሉ ተመራማሪ ከምዝተቐተለ፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

    ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ተማራማሪ ሕክምና ዝነበረ ዶክተር ቢንግ ሊዩ፡ ኣብ ፔንሲልቫኒያ እዩ ተቐቲሉ ተረኺቡ።

    ፖሊስ ሬሳ ናይቲ ተመራማሪ ካብ ዝተረኸበሉ ቦታ ርሕቕ ኢሉ ድማ ናይ ሃኦ ጉ ዝበሃል ካልኣይ መዋቲ ሬሳ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

    ሃኦ ጉ፡ ንዶክተር ሊኡ ምስ ቀተለ ርእሰ ቅትለት ፈፂሙ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም መርመርቲ፡ ፖሊስ ምጽራይ የካይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

    ዩኒቨርሲቲ ፒትስበርግ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ንዝተምሃረ ዶክተር ሊዩ፡ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ ዕዙዝ ግደ ዝነበሮ ብሉፅ ተማራማሪ ክብል ገሊፅዎ።

    እቲ ተመራማሪ፡ ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ወሳኒ ውፅኢት ንምርካብ ኣብ ጫፍ በፂሑ ከምዝነበረ እውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ።

    እቲ ዝጀመሮ ምርምር ኣብ መወዳእትኡ ክበጽሕ ከምዝፅዕር ድማ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ።

  6. ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዑል ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ

    ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 92 ሓደሽቲ ረኽስታት ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝጅምር ንነዘ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ልዑል ኣሃዝ ኮይኑ ኣሎ።

    እዞም 69 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ ኣብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ኪንሻሳ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፡ ዝተረፉ 23 ከኣ ካብ ደቡባዊ ምዕራብ ክፋል ናይታ ሃገር እዮም።

    ናይ ካልኦት 212 ተጠርጠርቲ ጉዳይ፡ ይፃረይ ከምዘሎ ድማ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። ኣብ ኪንሻሳ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ፡ ማእኸል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ እዩ ዝግለፅ።

    ኣብዚ ቤት-ማእሰርቲ፡ እሱራትን ሓለፍትን ዝርከብዎም 104 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምስተትሓዙ፡ እዚ ወተሃደራዊ መሕዩር ክፀርይ ተገይሩ እዩ።

    ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ኢተኒ ሎንጎንዶ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ኩኑታት ኮሮናቫይረስ ከምዝተቖፃፀርዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ገሊፁ ነይሩ።

    ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ተዓፅየን ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ንክኽፈታ ሓሲቡ ነይሩ።

    ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ዛጊድ 705 ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ እንትኾን፡ 34 ሰባት ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም።

  7. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 1382 ምርመራታት ከምዝተገበረን፤ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 17 ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝተረኸቡን ኣፍሊጡ’ሎ።

    በዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ 162 በጺሑ'ሎ።

    7 ካብቶም በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገልጸ ሓደሽቲ ሰባት፡ ካብ ጁቡቲ ዝተመለሱ ከምዝኾኑ እቲ ሚኒስትሪ ኣፍሊጡ። እቶም ሽድሽተ ድማ ካብ ሶማልያ ዝተመለሱ እዮም።

    እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ከኣ ናብ ካልኦት ሃገራት ዘይተጉዓዙ እዮም።

    ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ ብድምሩ 26517 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።

    ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ 63 ሰባት ክትትል ሕክምና ዝግበረሎም ዘሎ ኾይኑ፡ ዛጊድ 93 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ይግለጽ።

    ኣብታ ሃገር፡ 3 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሞይቶም እዮም።

  8. ጋና ንምንታይ እያ ናይ ብዙሓት ሰባት ቅምሶ ኣብ ሓደ ትምርምሮ ዘላ?

    ብደረጃ ዓለም ሕፅረት መሳርሒ መመርመሪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋና፡ ብሓደ መመርመሪ ብዙሓት ቅምሶታት (ሳምፕል) ትምርምር ኣላ።

    እዚ 'ፑል ቴስቲንግ' ዝብል ስያመ ዝሓዘ ሜላ፡ ካብ ብዙሓት ሰባት ዝተወሰደ ቅምሶ ተሓዊሱ ብሓደ ይምርመር። ብሓደ መመርመሪ 10 ቅምሶታት መምምርማር የኽእል።

    እቲ ዝተሓወሰ ቅምሶ እንተድኣ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎ፡ ሕድሕድ ቅምሶታት በበይኑ ብምምርማር፡ ኣየናይ ቅምሶ ቫይረስ ከምዘለዎ ይንጸር።

    እንተደኣ ናጻ ኮይኑ ግን፤ ብሓደ መመርመሪ ናይ ብዙሓት ሰባት ቅምሶ ናጻ ከምዝኾነ ምፍላጥ ይከኣል ማለት እዩ።

  9. ህንዲ መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታታ ክተግዕዝ እያ

    ህንዲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መውጽኢ ስኢኖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምግዓዝ፡ ሰፊሕ ቅድመ ምድላው ተካይድ ኣላ።

    ካብ 7 ክሳብ 13 ጉንበት ድማ፡ 64 በረራታት ብምክያድ፡ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ከምትመልሶም ኣፍሊጣ።

    ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ሲቪል ኣቪየሽን ህንዲ ሃርዲፕ ፑሪ፡ ኣብቲ ፈላማይ ሰሙን ጥራይ ናብ 12 ሃገራት በረራታት ብምክያድ፡ 15 ሽሕ ህንዳውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም።

    ናብ ኣሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሲንጋፖር፣ ኳታርን ማሌዥያን ሓዊሱ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት በረራታት ብምክያድ እያ ዜጋታታ ክተግዕዝ ትዳሎ ዘላ።

  10. ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ቡንደስሊጋ ኣብዚ ወርሒ ናብ ሜዳ ክምለስ ይኽእል እዩ

    ኣብዚ ወርሒ ጉንበት፡ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ጀርመን ናብ ሜዳ ክምለስ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

    ፀዋታታት ቡንደስሊጋ፡ ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ዋላ'ኳ እንተተቛረፀ፡ ተፃወትቲ ግና ተመሊሶም ልምምድ ጀሚሮም እዮም።

    ግጥማት መዓዝ እዮም ናብ ሜዳ ክምለሱ ንዝብል ድማ፡ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ሎሚ ብቴሌፎን ተኣኪቦም ውሳነ ከሕልፉ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ።

    ውድድራት ቡንደስሊጋ፡ ካብ 15 ክሳብ 21 ጉንበት ክጅምሩ ትፅቢት ኣሎ።

    ተፃወትቲ ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ንክልተ ሰሙን ንርእሶም ብምውሻብ እቶም ግጥማት ከምዝካይዱ ድማ፡ ነዚ ረቂቕ ሰነድ ዝተዓዘቡ ሮይተርስን AFPን ሓቢሮም።

    ጀርመን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት፡ ክሳብ ዝመፅእ ዘሎ 24 ጥቅምቲ ሰብ ዝእከበሎም ዓበይቲ ምድላዋት ኣጊዳ እያ።

    ስለዝኾነ ድማ ፀዋታት ቡንደስሊጋ፡ ኣብ ዕፁው ስታድየም እዮም ክካየዱ።

  11. ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ ዝስንዑን ዘላብዑን መን እዮም?

    ማሕበራዊ መራኸብታት ብስነ-ውዲት (Conspiracy theories) ስኑዓት ሓበሬታን ቤላቤሎውን ኮሮናቫይረስ አዕለቕሊቆም እዮም ዘለዉ።

    ንምዃኑ ነዞም ስኑዓት ሓበሬታታት መን'ዩ ዘንቅሎም መንከ የላብዖም? ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፤ ምስዚ ሕማም ተተሓሒዞም ካበ ዝተሰንዑ ኣማኢት ሓበሬታታት፡ መጽናዕቲ ኣካይድናሎም ኣለና።

    እቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ኸኣ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት መን ይበግሶምን ንምንታይ ዕላማን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበሉ ክኢልና ኣለና።

    እዞም ዝስዕቡ ሸውዓት ጉጅለታት ኸኣ ነቲ ዝበዝሐ ስኑዕ ሓበሬታታት ከምዘበገስዎን፡ ኣብ ምልብዑ ተራ ከምዘለዎምን ክንበጽሖ ክኢልና ኣለና።

  12. ናይጄርያውያን ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ተቓውሞ ኣካይዶም

    ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ ግዝኣት ጎምቤ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።

    እቶም ይሕከምሉ ካብ ዝነበሩ ማእኸል ጥዕና ውጽእ ኢሎም ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት፡ ሰብመዚ ግቡእ ተገዳስነት (ክትትል) ከምዘይገበሩሎም እዮም ዝገልፁ።

    ዝግበረሎም ክትትል እኹል ከምዘይኮነ ዝገልፁ እዞም ሕሙማት ኮሮናቫይረስ፡ ብሕፅረት ኣፋውስን ሕጽረት ምግብን ተፀጊምና እዮም ዝብሉ።

    በዚ ዝሓረቑ ሰልፈኛታት ምስ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብምፅንባር፡ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር 5 ኪሎሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቁሸት ክዋዶን ዝርከብ ፅርግያ ዓፅዮም እዮም።

    ኮሚሽነር ኮሚሽን ጥዕና እታ ሃገር ኣሕመድ ጋና፡ እቶም ሕሙማት ምልክት ስለዘየርኣዩ መድሓኒት ከምዘየድልዮም፡ ንቢበሲ ገሊፁ።

  13. ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሪቃ ሓደጋ ኣንፀላልዩ

    ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሓለዋ (ዕቃበ) ሕዛእቲ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሪቃ ሓደጋ ከንፀላሉ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

    ኣብ ሓለዋ ሕዛእቲ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ሓደ ትካል ገባሪ ሰናይ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕቃበ እንስሳት ዘገዳም ሓደጋ ከምዘንፀላለወ ገሊፁ።

    ዋላ'ኳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ እንተዘይተላብዐ፡ በብዓመቱ ኣስታት 30 ሚልየን ዶላር ዝርከበሉ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ኣፍሪቃ ግና ብሕሱም ተሃስዩ'ሎ።

    ዳይሬክተር ዕቃበ እንስሳት ዘገዳም ‘ተስክ’ ቻርሊ ሜይሂው፡ ትካሎም ካብ ዝተሰረዙ መደባት ምትእኽኻብ እቶት ጥራይ 2 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

    ኣብታ ኣህጉር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታቱ ንምስንባት ከምዝተገደደ ዝገለፀ ሜይሂው፡ ካብ ስርሖም ዝቦኸሩ ሰባት ድማ፡ ናብ ዘይሕጋዊ ሃደን ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

    “ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዕቃበ እንስሳት ዘገዳም እንትንሰርሕ ልዕሊ ዝረኣናዮ ሓደጋ ኢና ሕዚ ንርእይ ዘለና” ዝበለ ቻርሊ ሜይሂው፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ እንስሳት ዘገዳም ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ብርሰት፡ “ብቅልጡፍ ዘይፍታሕ” ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

  14. ኣማኻሪ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ስልጣኑ ለቒቑ

    ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ንመንግስቲ ከማኽር ዝፀንሐ ብሪጣንያዊ ፕሮፌሰር ኒል ፈርጉሰን፡ ‘ግጉይ ውሳነ’ ብምውሳኑ ካብ መዝነቱ ከምዝለቐቐ ተገሊፁ።

    ዘደይሊ ቴሌግራፍ፡ ኣብታ ሃገር ዕፅዋ ኣብ ዝተኣወጀሉ ግዘ፡ "ኣፍቃሪቱ ናብ ገዝኡ ኣላጊሳ" ኢሉ ምፅብፃቡ ስዒቡ እዩ፡ እቲ ፕሮፌሰር ንመንግስቲ ምምኻሩ ደው ዘበለ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብታ ሃገር ዕፅዋ ዝኣወጀ፡ ፕሮፌሰር ኒል ፈርጉሰን ብዘቕረበሉ ምኽሪ እዩ።

    እዚ ተግባራዊ እንተዘይግበርን ተሪር ስጉምቲ እንተዘይውሰድን፡ ኣብ ብሪጣንያ 250 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሞቱ ምኸኣሉ ነይሮም።

    “ግጉይ ውሳነ ብምውሳን፡ ስሕተት ከምዝፈፀምኩ ተቐቢለ እየ” ዝበለ ፕሮፌሰር ፈርጉሰን፡ ብመንግስቲ ዝወፅአ መምርሒ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ንኹልና ዝሕሉን ዘየላጥን እዩ ብምባል ብተግባሩ ከምዝተጥዓሰ ገሊፁ።

    ኣብ ጉዳይ ሕማማት ምኽሪ ብምሃብ ብደረጃ ዓለም ፀለውቲ ካብ ዝኾኑ ምሁራት ሓደ ፕሮፌሰር ፈርጉሰን እዩ።

    ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፕሮፌሰር ኒል ፈርጉሰን፡ ዳይሬክተር ማእኸል ምርምር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (MRC) እዩ።

    ናይዚ ማእኸል መጽናዕትታት፡ መንግስታትን ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ግዘ ለበዳ ኢቦላ ተጠቒሞምሎም እዩ።

  15. 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ኣሳቢቡ መሰል ምዝራብ ይግድብ ኣሎ' ሂዩማን ራይትስ ዎች

    ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምክልኻል ኮቪድ-19 ዝተነበሩ እገዳታት ህጹጽ ኣዋጅን፤ መሰል ምዝራብ ንምግዳብ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ነቒፉ።

    መንግስቲ ንኮሮናቫይረስ ዝኣልየሉ ዘሎ መገዲ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ርእይቶኦም ዝጸሓፉ፤ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ኤልሳቤጥ ከበደን ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስን ንማእሰርቲ ምስጠሖም ድማ እቲ ትካል ከም ኣብነት ጠቒሱ።

  16. ኣብያተ-ትምህርቲ ሁቤ ንፈለማ እዋን ዳግማይ ተኺፈተን

    ኣብ ቻይና፡ ቀንዲ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝነበረት ግዝኣት ሁቤ፡ ድሕሪ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ፈላሞት ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም።

    ተምሃሮ 12 ን 9ይን ክፍሊ፡ ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ዓብይ ፈተና እዩ ዝፅበዮም።

    ብፍላይ ተምሃሮ 12 ክፍሊ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ዘኽእሎም ፈተና ክሓልፉ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብ ምድላው እዮም ዝርከቡ።

    ኣብ ካልኦት ከባብታት ቻይና ዝርከቡ መብዛሕትኦም ተምሃሮ12 ክፍሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት እዮም ናብ ትምህርቶም ተመሊሶም።

    እዞም ሎሚ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ዘለዉ ተምሃሮ ሁቤ ድማ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ቅድሚ ምምላሶም ምርመራ ኮሮናቫይረስ ተገይርሎም እዩ።

    ኣብ መምሃሪ ክፍሊ፡ ኣብ ሞንጎ ተምሃሮ ምትሕውዋስ ንከይህሉ ድማ፡ ተሸንሺኑ ዝተሰርሐ ኮፍ መበሊ ተዳልዩሎም ኣሎ።

  17. መንግስቲ ኣመሪካ ንኮሮናቫይረስ ዘቖሞ ሓይሊ ዕማም ክብትን እየ ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝበሎ፡ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ሓይሊ ዕማም ኮሮናቫይረስ ቀስ ብቐስ ክብተን እዩ።

    ምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ድማ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክብተን ከምዝኽእል ኣአንፊቱ'ሎ።

    ኣብ ኣሪዞና ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዑደት ክገብር እንከሎ፤ ፕረዚደንት ትራምፕ "ንሃገርና ናብ ንቡር ንመልሳ ኣለና" ኢሉ።

    ሰብ መዚ ጥዕና ኣመሪካ፤ ትካላት ንግዲ እናተኸፈታ ብዝመጻ ቁጽሪ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ክሰፍሕ ከምዝኽእል እዮም ዘጠንቅቑ።

    ኣብታ ሃገር መዓልታዊ 20,000 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ይርከቡ። መዓልታዊ ድማ 1,000 ሰባት ይሞቱ።

    ኣብ ኣመሪካ፤ ዛጊት 1.2 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፡ 70,000 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

  18. ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ። ብሩኽ መዓልቲ ክኾነልኩም ንምነ።

    ኣብ ዘለኹምዎ ቦታን ኩነታትን ኩሉ፤ ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐታት ብምግባር ንርእስኹምን ፍቱዋትኩምን ካብ ኮሮናቫይረስ ምሕላው ኣይትረስዑ።

    ኣብጉዳይእቲቫይረስኣመልኪትናናይዚዕለትዓለማውንኣህጉራውንምዕባለታትኣብዚብቐጥታክነቕርበልኩምጀሚርና ኣለና፡ተኸታተሉና።

    ትማሊ ዝነበሩ ምዕባለታት ናብ ታሕቲ ውርድ ኢልኩም ክተንብቡ ትኽእሉ።

  19. ቁጽሪ ኣብ ብሪጣንያ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ

    ብሪጣንያ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝበዝሐ ሞት ኮሮናቫይረስ ዝተራእየላ ሃገር ከም ዝኾነት ጸብጻባት መንግስቲ ሓቢሮም።

    ዛጊት 29 427 ሰባት ሞይቶም ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ’ሎ። ኣብ ኢጣልያ እቲ ቁጽሪ 29 315 በጺሑ ምህላዉ ይፍለጥ።

    እቲ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዶመኒክ ራብ፡ እቲ ኩነታት “ዓቢ ትራጀዲ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

    እንተኾነ ግን፡ እቲ ለበዳ ዘስዓቦ ሞትን ጸኑዕ ሕማምን ይቕጽል ብምህላዉ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝህሉ ምንጽጻር ከም ዘጸግም ይግለጽ።

    ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ጥራይ ሞት ናይ 693 ሰባት ተመዝጊቡ’ሎ።

  20. ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም

    ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ 5 ግንቦት 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ኣርባዕተ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ድሕሪ ዝተገበረሎም መርመራ ካብቲ ሕማም ሓውዮም ነናብ ቤቶም ከምዝተፋነዉ ገሊጹ።

    ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ 39 ሰባት ብኮቪድ-19 ክልከፉ እንከለዉ ምስዞም ሕጂ ዝሓወዩ ደሚርካ 30 ሰባት ካብቲ ሕማም ነጻ ኮይኖም ተፋንዮም ኣለዉ።

    እታ ሃገር ኣብዚ ሕጂ እዋን 9 ተኣለይቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ።

    ብሓፈሻ ካብቶም ዝተለኸፉ 76.9 ሚእታዊት ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ።

    ኤርትራ ዝርገሕ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ጀሚራ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እያ ትርከብ።