መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ምስ
ሓለፍቲ 16 ዞባታት እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየደቶ ኣኼባ፡ “ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ለበዳ ሓሊፍናዮ ኣለና” ኢላ።
ንሳ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ
ኣቐዲሙ ዝተወስደ ምዝላቕ እገዳታት “እቲ ቁጽሪ ትሑት ምህላዉ፡ ኣዝዩ ኣሐጒስኒ ኣሎ” ክትብል ገሊጻ።
ካብቶም ሎሚ ዝተወስዱ ውሳነታት ንምጥቃስ፡
- እቶም ተዓጽዮም ዝጸንሑ ዓበይቲ
ደኳኩን ክኽፈቱ
- ኣብ መእለዪ ማእከላት ዘለዉ
ተናበይቲ ጋሻ ክበጽሖም ክፍቀደሎም
- ክልተ ስድራቤታት ክራኸቡ ከም
ዝኽእሉ
- እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት
ቀዳማይ ዲቪዢን (ቡንዳስሊጋ) ኣብዚ ወርሒ’ዚ ክጅምር
- ምኽፋት ሲነማታት፡ ኣብያተ
መግብን መስተን ዝበሉ ትካላት ብዞባታት ክውሰን
- እቲ ናይ ኣካላዊ ምፍንታት
መምርሒታት ክሳብ 5 ሰነ ክቕጽል፡ ዝብሉ ይርከብዎም።
ቁጽሪ ዝተለኽፉ መሊሱ ክውስኽ እንተ ተራእዩ ግን፡
እቶም እገዳታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ምዃኖም ኣንገላ መርከል ኣስሚራትሉ።
ህዝቢ ጀርመን ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ንዘርኣዮ
ምትሕብባርን፡ ንጻዕሪ ሰብመዚ ጥዕናን ድሕሪ ምምስጋን፡ እታ ሃገር “ኣብ ፈላሚ ገጽ ናይቲ ለበዳ’ያ ዘላ፡ ንነዊሕ እዋን ከኣ ኣብኡ
ክትጸንሕ’ያ” ክትብል ተዛሪባ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡
ቀጽሪ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ 6993 ክበጽሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 167 ሽሕ ተለኺፎም ኣለዉ።