እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ 'ሓቀኛ ስምምዕ' ምሉእ ብምሉእ ክሳብ እትቕበል፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ክጸንሑ'ዮም ኢሉ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ "ሓቀኛ" ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ እትኽተል፡ ሓይልታት ኣመሪካ "ኣብ ቦትኦም" ክጸንሑ እዮም ኢሉ። ኣብዚ እዋን ዋሽንግተንን ቴህራንን ግን ብዛዕባ እቲ ኢራን ካብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ዘለዋ ጠለባት ዘይሰማምዓ ይመስላ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ተላዘብቲ ኢራን ናብ ፓኪስታን ኣምሪሖም

    ኢራን፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ብ'ተደጋጋሚ ይጥሓስ' ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸት፡ ጉጅለ ልኡኽ እታ ሃገር ናብ ፓኪስታን ኣምሪሑ።

    እዚ ልኡኽ፡ እቲ ኲናት ኣብ ምዝዛም ምስ ኣመሪካ ከም ዝዘራረብ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ኣረጋጊጹ።

    ብቐዳም፡ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ኢስላማባድ ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

    ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ፓኪስታን ረዛ ኣሚሪ ሞጋዳም፡ እቲ ዝርርብ "ኢራን ኣብ ዘቕረበቶ 10 ነጥብታት ዝተመርኰሰ፡" ክኸውን'ዩ ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

    እቶም ነጥብታት ብልክዕ እንታይ እዮም ኣብ ዝብል ገለ ምድንጋር ኣሎ እዩ።

    ሞጋዳም፡ ዋላ'ኳ "ስርዓት እስራኤል ነቲ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶ ንምዝራግ ብተደጋጋሚ ምጥሓስ ተኹሲ ደው ምባል ይገብር እንተሃለወ፡" እቲ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

  2. ብሪጣኒያ፡ ሊባኖስ 'ብህጹጽ' ኣብቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትካተት ኣተሓሳሲባ

    ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሊባኖስ ኣካል እቲ ኣብ መንጐ ኣመሪካንኢራንን ዝተገብረ ቅድመ ኩነት ዘለዎ ናይ ክልተ ሰሙን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብህጹጽ ክትካተት" ከም ዘለዋ ትዛረብ።

    ኩፐር፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝተራእየ ሃገር "ምግዳድ መጥቃዕቲታት እስራኤል" "ኣዝዩ ከም ዘሻቐላ" ትዛረብ።

    ምቁራጽ ተጻብኦ ንጸጥታ እስራኤል ከምኡ'ውን "ሰፊሕ ድሕነት እቲ ዞባ" "ቅኑዕ ነገር" ምዃኑ ከም እትኣምን ትዛረብ።

    ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ቤይሩትን ካልኦት ከባቢታትን ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ከም ዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ።

    ፕረዚደንት ጆሴፍ ኣውን ነቲ መጥቃዕቲ “ጨፍጨፋ” ክብል ገሊጽዎ፤ መንግስቲ ድማ ሎሚ ነቶም ዝተቐትሉ ንምዝካር ህዝባዊ በዓል ኰይኑ ከም ዝሓልፍ ኣፍሊጡ።

    ን10 ደቓይቕ፡ ኣብ መላእ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ይፍጸም ነይሩ።

    ሰራዊት እስራኤል ልዕሊ 100 ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዒላማታት ሕዝቦላህ ኢሉ ዝገለጾ መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

    በዚ መጥቃዕቲ ጽዑቕን ህዝቢ ዝነብረሉን መንበሪ ኣባይቲ ተሃስዩ፣ እስራኤል ድማ እዚ ልዑል ቁጽሪ ክሳራታት ከም ዝስዕብ ኣይትስሕቶን።

    ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ 890 ሰባት ከም ዝቘሰሉ፡ ብውሕዱ 182 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ልዕሊኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    ሕጂ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስትራተጂ እስራኤል እንታይ ምዃኑ ንምርኣይ ኣጸጋሚ እዩ።

    ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤል ከይተረፉ ሕዝቦላህ ብሓይሊ ዕጥቁ ከም ዘይፈትሕ ይኣምኑ'ዮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ንእስራኤል ገለ ወተሃደራዊ መኽሰብ ክትረክብ ክሕግዛ ይኽእል እዩ።

    እዚ ግን ድሩት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተቓወምትን ደገፍትን እቲ ጉጅለ፡ እዚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ዘይቅቡልን ዘይምኽኑይን እዩ ብምባል፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ይኹንኑ ኣለዉ።

  3. ኣመሪካ፡ ኲናት ወይ ምቁራጽ ተጻብኦ 'ትምረጽ'

    ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ኲናት ወይ ሰላም ክትደሊ እንተዀይና "ክትመርጽ ኣለዋ" ኢሉ።

    ንሱ ንቢቢሲ ኒውስ ደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ክልቲኦም ኣብ ሓደ እዋን ክህልዉ ኣይኽእሉን፤ ግልጺ'ዩ፡ ንሓድሕዶም ዝጻረሩ እዮም፡" ይብል።

    ሳዒድ ካቲብዛደ፡ እስራኤል ኣብ ሊባኖስ እትፍጽሞ ዘላ መጥቃዕቲ፡ ​​"ከቢድ ምጥሓስ" ናይቲ ኣመሪካን ኢራንን ተኹሲ ደው ንምባል ዝበጽሕኦ ስምምዕ'ዩ ይብል።

    ኢራን፡ "ኩሉ ሰብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነዚ ስምምዕ ክኽተል...ኣመሪካውያን ድማ ምስ መሻርኽቶም ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ንጽበ፡" ይብል።

    መጥቃዕቲ እስራኤል እንተቐጺሉ ኢራን ካብ ድርድር ክትወጽእ ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ፡ "ትኹረትና መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓሸ ክኸዉን እዩ፡" ኢሉ።

    ሳዒድ ካቲብዛደ፡ ኢራን ትማሊ ምሸት ናብ ቤት ጽሕፈት ኦቫል መልእኽቲ ከም ዝለኣኸት ብምግላጽ "ኬክ ሒዝካ ኣብ ሓደ እዋን ክትበልዖ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ይብል።

    ወሲኹ ድማ "ተኹሲ ደው ምባል ሓቲትካ ድሕሪኡ ውዕላትን ቅጥዕታትን ተቐቢልካ፡ ኩሉ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝትግበረሉ ከባቢታት ተቐቢልካ፡ ሊባኖስ ተጸሪሓ እንከላ፡ ድሕሪኡ መሓዛኻ ቅትለት ትጅምር፡" ይብል።

    ካቲብዛደህ፡ እቲ ብእስራኤል ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲታት ምስ "ምጽናት ዓሌት" ዝዳረግ ከም ዝኾነ ይዛረብ።

    እስራኤል ነቲ ናብ እስራኤል ሮኬት ዝትኩስ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ሕዝቦላህ ዒላማ ትገብር ከም ዘላ ትገልጽ።

  4. መጻብቦ ሆርሙዝ ንውዕል ተኹሲ ደው ምባል ኣመሪካን ኢራንን ኣገዳሲ'ዩ

    ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ ጸቢብ መስመር መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት ዓለም ኮይኑ፡ ማእከል ስሕበት ግጭት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኦራን ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ መስመር መራኽብ ኢራን ዘንበረቶ ዕጽዋ እንተዘይኣልዒላ፡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣፈራሪሑ ከም ዝነበረን፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝጸንሐ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል፡ ነቲ መሕለፊ መጻብቦ ዳግማይ ንምኽፋት ከም ዝኾነን ይፍለጥ።

    ይኹን እምበር ኢራን ብዘይ ፍቓድ ሓለዋ ሰውራ በቲ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ "ዒላማ ክኾናን ክዓንዋ እየን" ክትብል ኣጠንቂቓ ኣላ።

    ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት፡ ትራምፕ እቲ መጻብቦ "ብቕጽበት" ክኽፈት ትጽቢት ከም ዘለዎ ተዛሪባ።

  5. ትራምፕ፡ 'ሓቀኛ ስምምዕ' ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ'ዩ?

    ነቲ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተበጽሐ ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ዝምልከት ዝወሃቡ ዘለው ርእይቶታት ተጋራጫዊ ትሕዝቶ ኣለዎም።

    እቲ ዘይምርድዳእ ኣብ ዙርያ እቲ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ስምምዕ ኢራን ዘማእከለ እዩ።

    ትራምፕ "ኣብ ኣመሪካ ቅቡል ዝኾነ ትርጉም ዘለዎም "ነጥብታት" ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ፡" ይብል።

    ብመሰረት እቲ ሓቀኛ ስምምዕ ዝብሎ፡ እንታይ ከም ዝደሊ ኣስሚርሉ'ዩ -ኣጽዋር ኒዩክሌር ክህሉ የብሉን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ውሑስን ክኸዉን ኣለዎ።

    ካብ ወገን ኢራን ዝመጽኡ ሓያሎ ቅዳሓት ኣለዉ።

    መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ኣብ ኢራን፡ ዒራቕ፡ የመንን ሊባኖስን ዝካየድ ውግእ ምቁራጽ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ምኽፋት፡ ከምኡ’ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ንምልዓል ምሉእ ተወፋይነት ክህሉ ከም ዘለዎ ዝጠልብ ሰነድ ኣቃሊሐን ኣለዋ።

    ድሒሩ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢራን ዘውጽኦ 10 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን፡ ምህብታም ዩራንየምን ቴህራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ክትቈጻጸሮን ዝብል ወሲኹ።

    ድሒሩ ብዛዕባ ምብልጻግ ዩራንየም ዝቐረበ ጠለባት ካብቲ ብእንግሊዝኛ ዝተተርጎመ መግለጺ ባይቶ ጸጥታ ተኣልዩ።

    ኣብ ጽሑፍ ትራምፕ፡ ንሊባኖስ ሓዊሱ ብዛዕባ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ዝተጠቕሰ የለን፡ እዚ’ውን ኣብ ውዕላት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ቁልፊ ነጥቢ ሞገት ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።

  6. ትራምፕ፡ ሓይልታት ኣመሪካ፡ ኢራን ክሳብ 'ኣብ ሓቀኛ' ስምምዕ እትበጽሕ 'ኣብ ቦታኦም' ክጸንሑ'ዮም ኢሉ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ጽሒፉ፡ እቲ "ሓቀኛ ስምምዕ" ምሉእ ብምሉእ እንተዘይተኸቢሩ፡ "'ተኹሲ' ይጅመር፡" ብምባል እዚ ድማ "ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዮ ዝዓበየን ዝሓሸን ዝሓየለን" ክኸዉን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

    ሙሉእ እቲ ጽሑፍ፤

    ኩለን መራኽብ፡ ነፈርቲን ወተሃደራዊ ኣባላትን ኣመሪካ፡ ምስ ተወሳኺ ተተኮስቲ፡ ኣጽዋር፡ ከምኡ’ውን ካልእ ድሮ ብዓብይኡ ንዝተዳኸመ ጸላኢ ምጥፋእ ዝምጥንን ኣድላዪን ኣጽዋር፡ ክሳብ እቲ ዝተበጽሐ ሓቀኛ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ዝኽበር፡ ኣብ ኢራንን ከባቢኣን ኣብ ቦታኦም ክጸንሑ'ዮም። ብዝኾነ ምኽንያት እዚ እንተዘይኰይኑ፡ ከምኡ ኣይኸዉንን ኢለ ይግምት ሽዑ "ተኹሲ ይጅምር"፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዮና ዝዓበየን ዝሓሸን ዝሓየለን እዩ ክኸዉን። እዚ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ምስቲ ኩሉ ናይ ሓሶት ተረኻት ዝተሰማማዕናሉ'ዩ- ኣጽዋር ኒዩክሌር ክህሉ የብሉን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክፉትን ውሑስን ክኸዉን እዩ። ክሳብ ሻቡ ሰራዊትና ይዕጠቕን የዕርፍን እዩ ዘሎ፤ ብሃንቀውታ ንጸበ፣ ብሓቂ፣ ናብ ዝቕጽል ምምራኽ። ኣመሪካ ተመሊሳ ኣላ!

  7. መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሕላፍ ደው ከምዘበላ ይግለጽ

    ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እስራኤል ኣጋር ሰራዊታ ናብ ሊባኖስ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ዘካየደቶ ሰፊሕ ደብዳብ ነፈርቲ ሲዒቡ ፡ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሀርሙዝ ምሕላፍ ከምዘቋረጻ ሓቢረን።

    ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል፡ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ምፍቃድ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ክፋል እቲ ስምምዕ እዩ።

    ይኹን እምበር ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝምድና ዘለዎ ማዕከን ዜና ፋርስ፡ ሎሚ ንግሆ ብፍቓድ ቴህራን ክልተ ናይ ነዳዲ መራኽብ ክሓልፋ ከምዝተፈቕደለን፡ ድሕሪኡ ግን እተን መራኽብ ከይሓልፋ ከምዝተዓገታ ሓቢሩ።

    ዘ እስላሚክ ሪፓብሊክ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብወገኑ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ መስመር መራኽብ ደው ከምዝበለ ሓቢሩ።

  8. ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኢራን ድሕሪ ሕጂ ስግኣት ከምዘይኮነት ገሊጹ

    ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ኢራን ንዝሓለፉ 47 ዓመታት ስግኣት ኮይና ጸኒሓ'ኳ እንተነበረት፡ "ድሕሪ ሕጂ ግን ኣይክትከውንን እያ" ኢሉ።

    እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ምብጽሑ ኣብ ዝሃቦ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ።

    ፒት ሄግሰት ምስ ኣቦ መንበር ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ፔንታጎን- ጀነራል ዳን ኬን ሓቢሩ እዩ ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

    ሄግሰት "ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ህሞት ፈጢርዎ፤ ኢራን ተኹሲ ደው ክብል ለሚና እያ ፤ እዚ ኩላትና ንፈልጦ ኢና" ብምባል ፡ ስርሒት ቁጥዐ ( ኦፕረሽን ኤፒክ ፉሪ) "ታሪኻውን ንምእማኑ ዘጸግምን ዝድነቕን" ምዃኑን፡ ሰራዊት ኣመሪካ "ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ከምዝደምሰሶ " ገሊጹ።

    "ብደረጃ ዓለም ንሽበራ ዝድግፍ መንግስቲ ንህዝቡ ይኹን ንመሬቱ ክከላኸል ፍጹም ዓቕሚ የብሉን" ብምባል ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል "ንሰላም ዓለም ዓባይ መዓልቲ" ክብል ንኢድዎ። ።

    ሄግሰት ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን ንምጥፋእ ዝነበራ ወተሃደራዊ ዕላማ ከምዘሳኽዐት ብምግላጽ - ኣመሪካ "ሰማያቶም ተቆጻጺራቶ ኣላ" ኢሉ።

    እቲ ሚኒስተር፡ ኢራን ነቲ ተኹሲ ደው ምባል "ብዓቢ ጸቕጢ" ከምዝተቐበለቶ ብምምልካት ፡ ቴህራን ነቲ ዋሽንግተን ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት እንተዘይትቕበል ነይራ "ድልድላታ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ትሕተ ቅርጽታት ነዳድን ጸዓትታታን ዒላማታት ምኾኑ ነይሮም " ክብል ናይቲ ፕረዚደንት ድርኺት ጠቒሱ።

    ኢራን ዳግማይ ንምህናጽ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝወስድ ዝገለጸ’ቲ ምኒስተር ምክልኻል፡ መራሕቲ እታ ሃገር ነዚ ተገንዚቦም ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ መሪጾም ብምባል "ፕረዚደንት ትራምፕ ንቁጠባ ኢራን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ናይ ምቡርቃቕ ዓቕሚ ነይርዎ፡ ግን ምሕረት ክገብር መሪጹ" ኢሉ።

    እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል "ሓቀኛ ሰላምን ሓቀኛ ስምምዕን" ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቤት ጽሕፈቱ "ንሕጂ" እጃሙ ከምዝፈጸመ፡ እንተኾነ ግን ኢራን ንነፍሲ ​​ወከፍ ስምምዕ ከምእተኽብሮ ንምርግጋጽ ድሉው ከምዝኸውን ገሊጹ።

    ሄግሰት ንእስራኤል “ተባዕን ብቕዕቲን መሓዛ” ክብል መጉስዋ ። ካልኦት "መሓዙትን መሻርኽትን ኣመሪካ ዝበሃሉ" ገለ ትምህርቲ ክወስዱ ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ።

    ኣቦ መንበር ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ፔንታጎን ጀነራል ዳን ኬን ብወገኑ ሰራዊት ኣመሪካ "መጥቃዕታዊ ስርሒታቱ ክቕጽል እንተተኣዚዙ ወይ እንተተጸዊዑ ድሉው እዩ" ኢሉ።

    "ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 38 መዓልታት ብዘርኣይዎ ቅልጣፈን ቆራጽነትን መጥቃዕቲ ክንቅጽሎ እንተተኣዚዝና ወይ እንተተጸዊዕና ቅሩባትን ድሉዋትን ኢና። ከምኡ ከይከውን ድማ ተስፋ ንገብር።"

  9. መራኽብ ብመትረብ ሀርሙዝ ክሓልፋ ምጅማረን ተሰሚዑ

    ብባሕሪ ዝካየድ መጓዓዝያ ዝከታተል ትካል ማሪኔትራፊክ፡ ኣብቲ ብኢራን ምሉእ ብምሉእ ዝተዓጽወ መጻብቦ ሆርሙዝ "ምልክት ምንቅስቓስ መራኽብ" ከምዝተራ እየ ኣፍሊጡ።

    እቲ ትካል ዛጊት በቲ ወሽመጥ፡ ሓንቲ ናይ ግሪኽ፡ ካልእ ድማ ኣብ ላይበርያ ዝተመዝገበት መርከብ ከም ዝሓለፉ ጠቒሱ።

    ቢቢሲ ንሓቅነት እቲ ሓበሬታ ብናጻ ወገን ኣየረጋገጸን።

    ኣብቲ መጻብቦ ዝካየድ ምንቅስቓስ መራኽብ ንዝሓለፉ 40 መዓልታት ጠንቂ ዘይምርድዳእ ብምዃን ኣካታዒ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ።

    ሽሕ’ኳ ናይ መጻኢ ውጥን እንይታ ከምዝኾነ ንጹር እንተዘይኮነ ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ስዒቡ እቲ ወሽመጥ ተኸፊቱ ኣሎ።

    ህንዲ፡ ፓኪስታንን ፍሊፒንስን ዝርከብኤን ገለ ሃገራት ኣቀዲመን ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ መራኽበን ብዘይ ዝኾነ ጸገም በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ኣብ ስምምዕ ምብጽሐን ይፍለጥ።

    ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዝመጻ መራኽብ ግን በቲ መጻብቦ ክሓልፋ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ካብ ኢራን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣጋጢምወን’ዩ።

    መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ጀሚሩ ድማ ፡ ዋሕዚ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ብዓቢኡ ነክዩ ጸኒሑ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ድኹዒ ንምፍራይ ዘድልዩ ባእታታት ርኡይ ኣሉታዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ጸኒሑ ኣሎ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ሰሙናት መራኽብ

    ምስ ሰራዊት ኢራንን ብምትሕብባር ብመጻብቦ ሆርሙዝ ብውሑስ መንገዲ ክጓዓዛ ከምዝኽእላ ገሊጹ።

  10. ትራምፕ፡ ንኢራን ኣጽዋር ዘቕርባ ዝነበራ ሃገራት ቀረጽ ከምዝስልዓለን ሓቢሩ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን ኣጽዋር ዘቕረበት ሃገር " ካብ ሕጂ ጀሚራ ቀረጽ ክትከፍል ክትግደድ’ያ" ኢሉ።

    ትራምፕ ኣብ ውልቃዊ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዝኾነት ንኢራን ኣጽዋር ከተቕርብ ዝጸንሐት ሃገር፡ ኣብ ዝኾነ ናብ ኣመሪካ ዝሽየጥ ኣቑሑት "ካብ ሕጂ ዘሚሩ" ተግባራዊ ዝኸውን 50 ሚእታዊት ቀረጽ ከምዝስልዓለን ሓቢሩ።

    ትራምፕ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሑፉ፡ እቲ ቀረጽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ብምግላጽ፡ "ኣሻላሻል ዝግበሮ ወይ ዝተርፍ ነገር የለን" ብምባል እቲ ናይ ግብሪ ስልዒት ከምዝትግበር ኣፍሊጡ።

    ትራምፕ ነተን ንኢራን ኣጽዋር ይቕርባ ኣለዋ ዝበለን ሃገራት ግን ስመን ኣይገለጸን።

    ኣብቲ ልጥፎ ምስ ኢራን ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገለጸ ትራምፕ "ኣዝዩ ኣድማዒ ናይ ስርዓት ለውጢ እዩ ተኻይዱ" ኢሉ።

    ትራምፕ ኢራን ዩራንየም ከምዘይተኻዕብት ብምግላጽ ኣመሪካ ምስ ቴህራን ብምትሕብባር "ብዕምቆት ዝተቐብረ ኒዩክለራዊ ባእታታት ንምኹዓትን ንምእላይን" ክትሰርሕ ምዃና ገሊጹ።

    ወሲኹ'ውን "ሕጂ ብምስሊ ሳተላይት ብልክዕ ኣበየናይ ቦታ ከም ዝርከብ ንርኢ ኣሎና’’ ብምባል "ካብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ጀሚሩ ዝተተንከፈ ነገር የለን። ምስ ኢራን ብዛዕባ ቀረጽን ምልዓል እገዳን ተዘራሪብና ኣለና፤ ገና እውን ኣብ ዝርርብ ኢና ዘሎና ። መብዛሕትኦም ካብቶም 15 ነጥብታት ድሮ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ'ሎ’’ ኢሉ።

  11. ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብቐሊሉ ክጠሓስ ዝኸእል'ዩ " ኢሉ

    ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሃገሩ ምስ ቴህራን ዝገበረቶ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ "ብቐሊሉ ክጠሓስ ዝኸእል'ዩ " ክብል ብምጥቃስ፡ ኢራን "ብጽቡቕ ድሌት" ነባሪ ስምምዕ ክትገብር ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ንምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ንምድጋፍ ኣብ ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ዝርከብ ቫንስ፡ "ኢራናውያን ብጽቡቕ ድሌት ምሳና ክሰርሑ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም" ብምባል ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።

    ወሲኹውን "እቲ ተበጺሑ ዘሎ ተነቃፊ ስምምዕ እውን ከትግበር እንተዓንቂጾም ክጉህዩ እዮም " ክብል ኣጠንቂቑ።

    ንኢራን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተራኡ ዝተጻወተ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ኢስላማባድ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት "ኩሉ ፍልልያት ኣብ ዝፈትሕ መደምደምታ ንምብጻሕ" ዝዓለመ ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ከተአንግድ ምዃና ገሊጹ።

    ማዕከናት ዜና ኢራን ቫንስ ነታ ናይ ኣመሪካ ድርድር ጉጅለ ክመርሕ ምዃኑ እኳ እንተገለጻ፡ ዋሽንግተን ግን ነዚ ኣየረጋገጸትን።

  12. ናይ መወዳእታ ሰዓታት ትራምፕ ከመይ ተሓሊፈን?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብሰንበት፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ክሳብ ሰሉስ ሰዓት 20፡00 ብኣቈጻጽራ ኤውሮጳ (00:00 GMT / 01:00 BST) ክትከፍቶ ሓድሽ ጠለብ ኣቕሪቡ።

    ነዚ ድማ ድሒሩ፡ "ስልጣነ" ኢራን ክድምስስ ምዃኑ ምፍርራሕ ወሲኹ። እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ፡ እቲ ዲፕሎማስን ዝወጽእ ዝነበረ መግለጺታትን ከመይ ከምዝተጋህደ ድማ እንሆ፤

    12፡06 GMT (13፡06 BST): ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ እንተዘይከፊታቶ፡ "ሎሚ ምሸት ምሉእ ስልጣነ ክመውት'ዩ" ክብል ኣፈራሪሑ፡

    15፡28 GMT፡ ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቃይ፡ "ስነ-መጎት" ኢራን ኣብ ልዕሊ "ኣረሜናዊ ሓይሊ" ክዕወት ምዃኑ ገሊጹ።

    19፡17 GMT፡ ነቲ ሽምግልና ዝመርሐ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን፡ ትራምፕ "ዲፕሎማሲ መስርሑ ሓልዩ ንኽኸይድ ንምፍቃድ" ናይ ግዜ ገደቡ ከናውሕ ሓቲቱ።

    22፡32 GMT፡ ትራምፕ፡ እቲ ስምምዕ ክልተ ሸነኻዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢራን ንሆርሙዝ ብቕጽበት፡ ምሉእ ብምሉእን ብውሑስን ኣገባብ ክትከፍት እንተተሰማሚዓ፡ንኽልተ ሰሙን ዝቕጽል ተዅሲ ደው ምባል ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ወሲኹ፡ ካብ ኢራን 10 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ከም ዝበጽሖን፣ "ከስርሕ ዝኽእል" ምዃኑን ገሊጹ። ነቲ ስምምዕ ንምውዳእ ድማ ናይ ክልተ ሰሙን ግዜ ክህሉ ምዃኑን ኣፍሊጡ።

    23፡11 GMT፡ ቴህራን ንክልተ ሰሙን ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባልን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሕላፍ ውሑስ ምዃኑን ኣረጋጊጻ።

    23፡50 GMT፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ገደb ትራምፕ ቅድሚ ምእካሉ ሒደት ደቓይቕ፡ ፓኪስታን - ኣመሪካን ኢራንን "ብቕጽበት ውጽኢታዊ ክኸውን" ተዅሲ ደው ንምባል ከምዝተሰማምዓ ኣረጋጊጻ። ቀዳማይ ምኒስተር ሻህባዝ ሸሪፍ፡እቲ ስምምዕ "ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብ ኵሉ ቦታታት" ዝምልከት'ዩ ኢሉ።

    01፡45 GM፡ እስራኤል ነቲ ተኹሲ ደው ምባል ከም እትድግፎ እኳ እንተገለጸት፡ "ንሊባኖስ ግን ኣየጠቓልልን" ክትብል ወሲኻ።

    04፡01 GMT፡ ትራምፕ "ዓባይ መዓልቲ ንሰላም ዓለም" ብምንኣድ፡ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ጕዕዞ ንምሕጋዝ ኣብዚ ከከም ክትዛውን እያ ኢሉ።

    06:05 GMT: እስራኤል ኣብ ደቡባዊት ሊባኖስ ከተማ ጢሮስ ንዝርከቡ ሰባት ንድሕነቶም "ብቕልጡፍ" ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣጠንቂቓ - ድሒሩ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ድማ ተገሊጹ።

  13. ኢራናውያን ኣብ ጐደናታት ቴህራን ውሒዞም ነቲ ስምምዕ ይጽንብሉ

    ድሕሪ እወጃ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኢራናውያን ባንዴራታትን ስእሊ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ሞጅታባ ኻመነይን ሒዞም ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን ወፂኦም።

    ኣብ ኢራን ነቲ ስምምዕ ሰላም ዝተውሃበ ምላሽ ዝተሓዋወሰ ከም ዝዀነ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፋርስ- ዋሽንግተን ካሻያር ጆነይዲ ገሊጹ።

    ሕጂ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መጥቃዕቲ ስለዘይበጽሖም ናይ እፎይታ ስምዒት ኣሎ።

  14. ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ምስ ተሰማመዐት፡ ዋጋ ነዳዲ ወሪዱ

    ኣመሪካን ኢራንን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ዘኽእል ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሕን፡ ተዅሲ ደው ምባል ምስ ተስማምዓ፡ ዓለማዊ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ወሪዱ።

    ዓለማዊ መዐቀኒ ዋጋ ነዳዲ ዝኾነ ብሬንት፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ኣስታት 13 ሚእታዊት ብምጕዳል፡ ንሓደ በርሚል ናብ 94.80 ዶላር በጺሑ።

    ደረቕ ነዳዲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ብ15 ሚእታዊት ብምንካይ፡ ናብ 96.75 ዶላር ወሪዱ።

    ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ዋጋ ነዳዲ ካብቲ ቅድሚ ኲናት ኢራን ዝነበሮ - ማለት ኣስታት 70 ዶላር ንሓደ በርሚል - ዝለዓለ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

    ምውላዕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ስዒቡ፡ ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንዝሓልፋ መራኽብ ከተጥቅዕ ብምጅማራ፡ ዋጋ ነዳዲ ሓፍ ከም ዝበለን፡ ሕፅረት ቀረብ ነዳድን ጋዝን ከም ዘጋጠመን ይዝከር።

    እቲ ሕጂ ዝተበፅሐ ክልተኣዊ ስምምዕ ስዒቡ፡ ብዙሓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ባሕሪ ዝጸንሓ መራኽብ ነዳዲ ብሰላም ክሓልፋ ከም ዝኽእላ ይግመት።

    እዚ ድማ፡ ንዓለማዊ ዕዳጋ ነዳዲ ዓቢ ተስፋ ከም ዝኸውን ክኢላታት ይገልጹ ኣለዉ።

  15. "ተዅሲ ደው ምባል ሽዑ ንሽዑ ግብራዊ ክኸውን እዩ"- ፓኪስታን

    ንልዝብ ኣመሪካን ኢራንን ክሽምግል ዝጸንሐ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ብቕጽበት ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

    "እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ምስ መሻርኽተን ኰይነን፡ ኣብ ሊባኖስ ሓዊሱ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣብ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ከብል ከም ዝተሰማምዓ ክገልፅ እፈቱ።"

    እቲ ቀዳማይ ምኒሰተር ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ድማ ተዛሪቡ።

    ነቶም ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት፡ ዓርቢ 10 ሚያዝያ ናብ ኢስላምባድ [ርእሰ-ከተማ ፓኪስታን] "ዝዀነ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕን ውዱእ ስምምዕ ንምግባርን ክዛተዩ" ዓዲሙ።

  16. መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ሩስያን ቻይናን ደው ዘበልኦ እማመ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

    ንመጻብቦ ሆርሙዝ ውሕስነት ንምሃብ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንድምጺ ዝቐረበ እማመ ሩስያን ቻይናን ብዘለወን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ደው ኣቢለንኦ።

    እቲ ደገፍ ናይ ኣመሪካ ዘላተን 10 ሃገራት ዝረኸበ እማመ፡ "ሃገራት ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ብምውሳድ እቲ ማሕንቖ ቀረብ ነዳዲ ዝኾነ መጻብቦ ከምዝኽፈት ክገብራ ዘፍቅድ'ዩ።

    ኣብ ፈለማ ዝቐረበ ሰነድ ንዓንቀጽ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምምርኳስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝብል ትሕዝቶ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ልዝብ ከምዝቕየር'ኳ እንተ ተገብረ፡ "ናይ ምክልኻል ስጉምቲ" ምፍቃድ ንሞስኮን በይዢንግን መለሳ ዘይብሉ'ዩ ኮይንወን።

    ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ፓኪስታንን ኮሎምቢያን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ኣለዋ።

    ነቲ ሎሚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ መጋባእያ እቲ ባይቶ ዝመርሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬን ዓብዱላጢፍ ቢን ራሺድ ኣል ዛያኒ፡ ሃገራት ንኣገዳሲ መጻብቦታትን መትረባትን ከም መሳርሒ ኲናት ክጥቀማሉ እንተ ተፈቒዱለን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

    ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሩስያን ቻይናን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ስለዘለወን፡ ሓንቲአን ዝተቓወመቶ እማመ ክሓልፍ ኣይክእልን እዩ።

    እተን ዝተረፋ ዝርከብአን 10 ኣባላት በብእዋኑ ተመሪጸን ናብቲ ባይቶ ዝኣትዋ ኮይነን ንክልተ ዓመታት የገልግላ። ሶማልያን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ንኣፍሪቃ ወኪለን ኣብቲ ባይቶ ዘለዋ እየን።

  17. ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ስዑዲ ኣጥቂዓ

    ሰራዊት ኢራን ንትካል ፐትሮከሚካል ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ከምዘጥቅዐ ኣፍሊጡ።

    ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ናብቲ ኣብ ጁበይል ዝተባህለ ከባቢ ስዑዲ ዝርከብ ትካል ዘነጻጸረ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ንትካላት ፐትሮከሚካል ኢራን ዒላማ ዝገበረ ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምዃኑ'ውን እቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኢራን (ኢርና) ዝወጸ መግለጺ የነጽር። ኤ-ኤፍ-ፒ እውን ኣብቲ ትካል መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ጸብጺቡ ነይሩ'ዩ።

    ጁበይል ኣብ ስግር ኢራን ዘሎ ምብራቓዊ ገማግም ስዑዲ ዝርከብ እዩ።

    ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ከምዝተወለዐን፡ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐን ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ግን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ቪድዮታትን ስእልታትን ክዝርግሑ ውዒሎም ነይሮም።

  18. 'መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ፈጺሙ ከምዘይምለስ ክመውት እዩ'- ትራምፕ

    ኢራን ናብ ስምምዕ ክትመጽእ እንተዘይክኢላ ክትጠፍእ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።

    "መላእ ስልጣነ ሎም-ምሸት ክመውት እዩ፡ ፈጺሙ ከምዘይምለስ" ክብል'ዩ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ማሕበራዊ መራኸቢታት 'ትሩዝ ሶሻል' ጽሒፉ።

    "ከምኡ ክኸውን ኣይደልን እየ፡ ግና ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ። እንተኾነ፡ ሕጂ ፍጹምን ምሉእን ናይ ስርዓት ለውጢ ስለዝተፈጸመ፣ ፍሉያት፡ በላሕቲን፡ ከምኡ'ውን ኣመና ሕሉፋት ዘይኮነ ኣእምሮ ዝነግሰሉ፡ ምናልባት'ውን፡ ሰውራዊ ዝኾነ ሰናይ ነገር ከጋጥም ይኽእል'ዩ፡ መን ይፈልጥ"።

    "ሎም-ምሸት ክንርእዮ ኢና፡ ሓደ ካብ ወሰንቲ ህሞታት ኣብቲ ነዊሕን ዝተሓላለኽን ታሪኽ ዓለም። 47 ዓመታት ምጥፍፋእ፡ ብልሽውናን ሞትን፡ ኣብ መወዳእታ ከብቅዕ'ዩ። ፈጣሪ ነቲ ዓቢይ ህዝቢ ኢራን ይባርኽ" ክብል'ዩ ትራምፕ ኣፍሊጡ ዘሎ።

  19. ኣመሪካ ኣብ ደሴት ካርግ ዳግማይ መጥቃዕቲ ፈጺማ

    እታ መትኒ ነዳዲ ኢራን ዝኾነት ደሴት ካርግ ዒላማ ዳግማይ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ከምዝኾነት ጸብጻባት ሓቢሮም።

    መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ኣመሪካዊ ማዕከን ዜና ሲ-ቢ-ኤስ፡ ንሓደ ብዓልስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ከምዝበሎ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብታ ደሴት ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሃሪሞም ኣለዉ።

    እቲ መጥቃዕቲ ንትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ እታ ደሴት ዝተንከፈ ከምዘይነበረ'ዩ እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ብዓልመዚ ሓቢሩ ዘሎ።

  20. ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኢራናውያን ብባቡር ከይጓዓዙ ኣጠንቂቑ

    ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF)፡ ኢራናውያን ሎም መዓልቲ ብባቡር ከይጓዓዙ የጠንቅቕ ኣሎ።

    እቲ ሰራዊት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ- ፋርሲ ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ኢራናውያን "ንድሕነትኩም ክትብሉ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር፡ ክሳብ ሰዓት 21፡00 ብኣቈጻጽራ ኢራን፡ ባቡር ካብ ምጥቃምን ምጕዓዝን ተቘጠቡ" ክብል ኣጠንቂቝ።

    ወሲኹ፡ "ኣብ ባቡራትን ኣብ ጥቓ መስመራት ባቡርን ምጽናሕ ንህይወትካ ኣብ ሓደጋ የውድቕ" ይብል።

    እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ሰሉስ ኣጋ ምሸት፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍት እንተዘይፈቒዱ፡ ኣብ መላእ ኢራን ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ክገብር ምዃኑ ኣብ ዘፈራርሓሉ ዘሎ እዋን እዩ።

    ሰራዊት እስራኤል፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ምስቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር "መሰረተ ልምዓት ቴህራን" ዒላማ ዝገበረ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝዛዘመን፡ ኣባላት ሕዝቦላህ እዮም ዝበሎም ሰባት ከም ዝቐተለን'ውን ገሊጹ።

    ብኻልእ ወገን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ኢራን ናብ እስራኤል ገጹ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ከም ዝዓገተ'ውን ገሊጹ።