ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ኢራን ንዝሓለፉ 47
ዓመታት ስግኣት ኮይና ጸኒሓ'ኳ እንተነበረት፡ "ድሕሪ ሕጂ ግን ኣይክትከውንን እያ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን
ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ተኹሲ ደው ምባል ድሕሪ ምብጽሑ ኣብ ዝሃቦ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ።
ፒት ሄግሰት ምስ ኣቦ መንበር ወተሃደራውያን
ኣዘዝቲ ፔንታጎን- ጀነራል ዳን ኬን ሓቢሩ እዩ ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።
ሄግሰት "ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ህሞት ፈጢርዎ፤
ኢራን ተኹሲ ደው ክብል ለሚና እያ ፤ እዚ ኩላትና ንፈልጦ ኢና" ብምባል ፡ ስርሒት ቁጥዐ ( ኦፕረሽን ኤፒክ ፉሪ) "ታሪኻውን ንምእማኑ ዘጸግምን
ዝድነቕን" ምዃኑን፡ ሰራዊት ኣመሪካ "ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ከምዝደምሰሶ " ገሊጹ።
"ብደረጃ ዓለም ንሽበራ ዝድግፍ መንግስቲ ንህዝቡ ይኹን ንመሬቱ ክከላኸል
ፍጹም ዓቕሚ የብሉን" ብምባል ነቲ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል "ንሰላም ዓለም
ዓባይ መዓልቲ" ክብል ንኢድዎ። ።
ሄግሰት ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን
ንምጥፋእ ዝነበራ ወተሃደራዊ ዕላማ ከምዘሳኽዐት ብምግላጽ - ኣመሪካ "ሰማያቶም ተቆጻጺራቶ ኣላ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ ኢራን ነቲ ተኹሲ ደው ምባል "ብዓቢ
ጸቕጢ" ከምዝተቐበለቶ ብምምልካት ፡ ቴህራን ነቲ ዋሽንግተን ዘቕረበቶ ቅድመ ኩነት እንተዘይትቕበል ነይራ "ድልድላታ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ትሕተ ቅርጽታት ነዳድን
ጸዓትታታን ዒላማታት ምኾኑ ነይሮም " ክብል ናይቲ ፕረዚደንት ድርኺት ጠቒሱ።
ኢራን ዳግማይ ንምህናጽ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝወስድ ዝገለጸ’ቲ
ምኒስተር ምክልኻል፡ መራሕቲ እታ ሃገር ነዚ ተገንዚቦም ኣብ
ስምምዕ ክበጽሑ መሪጾም ብምባል "ፕረዚደንት ትራምፕ ንቁጠባ ኢራን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ናይ ምቡርቃቕ ዓቕሚ ነይርዎ፡ ግን ምሕረት ክገብር መሪጹ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል "ሓቀኛ ሰላምን
ሓቀኛ ስምምዕን" ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ቤት ጽሕፈቱ "ንሕጂ" እጃሙ ከምዝፈጸመ፡ እንተኾነ
ግን ኢራን ንነፍሲ ወከፍ ስምምዕ ከምእተኽብሮ ንምርግጋጽ
ድሉው ከምዝኸውን ገሊጹ።
ሄግሰት ንእስራኤል “ተባዕን ብቕዕቲን መሓዛ” ክብል መጉስዋ ። ካልኦት "መሓዙትን መሻርኽትን ኣመሪካ ዝበሃሉ" ገለ ትምህርቲ ክወስዱ ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ።
ኣቦ መንበር ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ፔንታጎን ጀነራል ዳን ኬን ብወገኑ ሰራዊት ኣመሪካ "መጥቃዕታዊ ስርሒታቱ ክቕጽል እንተተኣዚዙ ወይ እንተተጸዊዑ ድሉው እዩ" ኢሉ።
"ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ 38 መዓልታት ብዘርኣይዎ ቅልጣፈን ቆራጽነትን መጥቃዕቲ ክንቅጽሎ እንተተኣዚዝና ወይ እንተተጸዊዕና ቅሩባትን ድሉዋትን ኢና። ከምኡ ከይከውን ድማ ተስፋ ንገብር።"