ቀይሕ ባሕሪ፡ ንምዕራባውያን በዳሂ ኰይኑ ዘሎ ተኣፋፊ ጸጥታዊ ኵነታት

ብሰሉስ 9 ጥሪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብየመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝተፈጸመ ሰፊሕ መጥቃዕቲ እቲ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ክልተ ነገራት ዝእምት'ዩ።

ቀዳማይ፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉን ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ዝቈጻጸሩን ሑቲ፡ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ዘሎ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ዝምብርከኹ ኣይኰኑን።

እቲ ካልኣይ ድማ፡ እቶም ርእሰከተማ ሰንዓ ዝማእከሎም ዕጡቓት ብርክት ዝበለ ሓያል ሚሳይላትን ሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ከምዘለዎም ኣነጺሩ'ሎ። ንመራኽብ ምዕራባውያን ሃገራት ዒላማ ካብ ምግባር ድሕር ከምዘይብሉ'ውን ኣርእዮም ኣለዉ።

ኵሎም እቶም ዝተተኮሱ 21 ሚሳይላት ሑቲ በተን ኤፍ-ኤ-18 ዝዓይነተን ነፈርቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካን፡ ካብ መራኽብ ኲናት ኣመሪካን ብሪጣንያን ብዝተተኮሰ ሚሳይላትን ተሃሪሞም በርዒኖም እዮም።

እንተዀነ፡ ነቲ ኵነታት ብኸምዚ ኣገባብ ንምቍጽጻሩ ክቡር፡ ኣዝዩ ክቡር'ዩ። ጕጅለ ሑቲ ድማ ነዚ ኣይሰሓትዎን።

እቲ ዝሓመቐ ተተኳሲ ድሮን ሑቲ፡ ብውሕዱ ልዕሊ $20,000 ይውድእ። ብኣንጻሩ ዋጋ ናይቲ ኤች-ኤም-ኤስ ዳያመንድ (HMS Diamond) ዝተባህለት መርከብ ኲናት ብሪጣንያ ዝዓጠቐቶ፡ 'ሲ ቫይፐር' (ገበል ባሕሪ) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሚሳይል ልዕሊ 127 ሚልዮን ዶላር ይበጽሕ።

ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ 'ስርሒት ውሕስነት ብልጽግና (Operation Prosperity Guardian) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልፍንቲ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ዝውዕል ናይ ነዳዲን ካልእን ወጻኢታት ኣሎ።

"ንዝተናውሐ እዋን ግብራዊ ኣይኰነን፡ ብሎጀስቲክስ ይዅን ቍጠባ" ይብል ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ነበር ሪር ኣድሚራል ጆን ጎወር። "ኣንጻር ትሑትን ማእከላይ ወጻኢ ዘድልዮ ሚሳይላት ብኣዝዩ ክቡርን ምዕቡልን ጠላፊ ሚሳይላት ምውጋእ" ዘዋጽእ ከምዘይኰነ'ዩ እቲ ወተሃደራዊ ክኢላ ዝዛረብ።

መጥቃዕቲ ዕስለ

ተኽእሎ ሓደጋታት መጥቃዕቲ'ውን እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ኣብ ዓመተ 2000፡ ኣልቓዒዳ ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ የመናዊት ወደብ ዓደን ተዓሺጋ ዝነበረት 'ዩ-ኤስ-ኤስ ኮል' ዝተባህለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ነባራት መኮንናት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዘይርስዕዎ'ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ኣልቓዒዳ ነተጒቲ ዝመልአት ጃልባ ሒዞም ምስታ ሓደ ቢልዮን ዶላር ትትመን መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ብምርጻም ዘካየድዎ'ዩ። ኣብቲ መጥቃዕቲ 17 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክሞቱ እንከለዉ፡ ነታ መርከብ'ውን ካብ ስራሕ ወጻኢ ገይሩዋ ዝነበረ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ንዝግበር ናይ ቀረባ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ዘድሊ ዓቕምታት ተመሓይሹ'ኳ እንተዀነ፡ ምዕራባውያን መራኽብ ኲናት ግን ድኹም ጎኒ ዘይብለን ኣይኰናን።

እታ ንጕጅለ ሑቲ ዕጥቂ ብምሃብን ብምስልጣንን እትሕግዝ ኢራን፡ ንወተሃደራዊ ሰረተ-እምነት "መጥቃዕቲ ዕስለ" ወርጺጻትሉ'ያ። እቲ ስልቲ ሓይልታት ኢራንን መሻርኽቶምን ንጸረ-ኣየር ጸላእቶም ብሰፊሕ ደብዳብ ድሮናትን ሚሳይላትን ብምዕብላል ዓወት ንምጕንጻፍ ዘኽእል'ዩ።

ሩስያውያን'ውን ካብ ኢራን ብዝተረኽባ ድሮናትን ምዕቡል ሚሳይላትን ብምጥቃም ነቲ ስልቲ ኣብ ዩክረይን ተጠቒሞምሉ እዮም፤ ዋላ'ኳ ዓቢ ውጽኢት ኣይርከብሉ'ምበር።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንንግዳዊ መራኽብ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር መኸተ ግን፡ ይብል ኣድሚራል ጐወር፡ "ቀረብ ሚሳይላት [ኣመሪካን ብሪጣንያን] ኣብ መራኽብ ኲናት ምስቲ ናይ ሑቲ ዝዳረግ ኣይኰነን። ሑቲ ዝኽተልዎ ኣገባብ መጠነ-ትሑትን ንዝተናወሐ እዋን ዝጸንሕን ምርብራብ ቀልጢፉ ጸገማት ሎጀስቲክስ ዘስዕብ'ዩ።"

ብረቡዕ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ 'ሩሲ' ዝተባህለ ጸጥታዊን ወተሃደራዊን ትካል መጽናዕቲ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ ኣብ ጕጅለ ሑቲ ዘሎ ዝማዕበለ ኣጽዋር ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሂቡ'ሎ።

ጸሓፍቲ ናይቲ ጸብጻብ ከምዝብልዎ፡ ገለ ካብኡ 400 ኪሜ ርሕቀት ዝሽፍን 'ኣሰፍ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸረ-መርከብ ባሊስቲክ ሚሳይል (ASBM) ኰይኑ፡ 500 ኪሎ ግራም ዓረር ክሽከም ዝኽእልን ተመራሒን እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ 'ኣል-መንደብ 2' ዝተባሀለ ጸረ-መራኽብ ክሩዝ ሚሳይል ኣለዎም። እቲ ተመራሒ ሚሳይል ሊባኖሳዊ እስላማዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ ኣብ 2006 ኣንጻር እስራኤል ተጠቒምሉ ዝነበሩ'ዩ።

እቲ መጽናዕታዊ ትካል ከምዝብሎ፡ ሑቲ ንምንቅስቓስ መራኽብ ዝምልከት ሓበሬታ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ማያት ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብ-ኤል-ማንደብን እትንቀሳቐስ 'ኤም-ቪ በህሻድ' ዝተባህለት መርከብ ስለያ ኢራን ይረክብ። እቲ መስመር ብውሕዱ 15 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም ዝሓልፈሉ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ስትራተጂያዊ ንግዳዊ መስመር ኣብ ሓደጋ ብምእታዉ፡ ሓያለ ትካላት መራኽብ ንግዲ መራኽበን ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ፡ ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ) ተጠውየን ክጕዓዛ ተገዲደን ኣለዋ። እዚ ድማ ተወሳኺ ነዳዲን ወጻኢታትን ብምስዓቡ፡ መጓዓዝያ ባሕሪ ክኸብር ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ድሮ፡ ኣንጻር ስግኣት ዝፈጥሩ ዒላማታት ሑቲ ውጥን መጥቃዕቲ ኣውጺኡ ድሮ'ውን መጥቃዕቲ ኣበጊሱ'ሎ።

ጸረ-መጥቃዕቲ ንምውሳድ ዘማትኡ ረቛሒታት እዞም ዝስዕቡ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ግን ግምታት ጸኒሑ እዩ።

ጉዳይ ወሽመጥ ቓዛ

እቲ ወግዓዊ ስሙ 'ኣንሳር ኣላህ' (ሻራ ኣምላኽ) ዝዀነ ጕጀለ ሑቲ፡ ኣብቲ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጐድኒ ፍልስጤማውያን ብምዃን ኣንጻር እስራኤል ከምዝተሰለፈ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ።

ስለዚ ድማ ነተን ናብ ወደባት እስራኤል ዘቕንዓ ምስ እስራኤላውያን ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ዒላማ ከምዝገብሩ ድማ'ዮም ዝገልጹ። እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መራኽብ'ውን መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ'ዩ ዝግለጽ።

እዚ ንትካላት መራኽብን ንግድን ዓለም ሓደጋ ዝዀነ መርገጺኦም ድማ ኣብ ዓይኒ ህዝቦምን ብሓፈሻ ማእከላይ ምብራቕን ዓቢ ደገፍ ክረኽቡ ኣኽኢልዎም ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሓፈሻዊ ዓረባዊ ርድኢት ኣመሪካ ንኲናት እስራኤል ዘይተኣደነ ደገፍ ብምሃባን ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከይግበር ብምዕንቃፋን ኣካል እቲ ጸገም ምዃና ዝኣምን'ዩ።

ህዝብታት ዓረብ፡ መንግስታት ሃገራቶም ነቲ ኣብ ቓዛ ዝቕጽል ዘሎ መቕዘፍቲ ኣሽሓት ደው ከብሉ ዘይምኽኣሎም'ውን ብዓይኒ ነቐፌታ ይርእይዎም እዮም።

ስለዚ ዋላ'ኳ መንግስታት ሃገራት ዓረብ (ብዘይካ ባሕሬን)፡ ንሑቲን ኢራናውያን ደገፍቶምን ዝጸልኡ እንተዀኑ፡ ህዝባዊ ተቓውሞታት ንኸይለዓዓል ኣንጻር ሑቲ ኣብ ዝግበር ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክሳተፉ ኣይደፍርሩን'ዮም።

ዝዀነ ንመደበራት ሚሳይል፡ መኽዘናት፡ መዐሸጊ ሓይሊ ባሕርን መአዘዚ ነቝጣታት ሑቲ ዒላማ ዝገበረ ብኣመሪካ ዝምራሕ መጥቃዕቲ፡ "ብሽርክነት ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ዓረብ ዝካየድ መጥቃዕቲ" ከምዝዀነ ክውሰድ ይኽእል'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ንኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዶባት ቓዛ ወጻኢ ከይሰፍሕ ዘሎ ሓደጋ ንምውጋድ ሰገጥ ምባል ኣገዳሲ ይኸውን።

ተነቃፊ መርገጺ ስዑዲ ዓረብ

ስዑዳውያን ብፍላይ ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት'ዮም ዝርከቡ።

ካብቲ ኣብ ኣብ 2015 ዝተጸንበርዎ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ የመን ንምግልጋል ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋን'ዩ። ኣብቲ ስዑዲ ትመርሖ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሰፊሕ ደብዳባት ብምክያድ ዝተጋደደ ኲናት የመን፡ ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ስዑዳውያንን መሻርኽቶም ኢማራት ዓረብን ነቲ ብዘይሕጋዊ ብሑቲ ዝተመንዝዐ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልስዎ ኣይከኣሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሑቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንመዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ከተማታትን ትካላት ፔትሮኬሚካልን ዒላማ ብምግባር፡ ግብረመልሲ ክህቡ ተራእዮም።

ብመሰረት ትካል ሩሲ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መጋቢት 2021 ጥራይ 340 ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ናብ ስዑዲ ዓረብ ወንጪፎም።

ሎሚ ኣብ ተነቃፊ ምቍራጽ ተዂሲ ተገይሩ ስለዘሎ ስዑዳውያን ነዚ ክዕንቅፉ ድሌት የብሎምን።

መርገጺ ሑቲ ኣብ ህዝቦም ሰፊሕ ደገፍ ከምዘለዎ'ውን መራሕቲ ስዑዲ ይርድኡ እዮም።

ጸብጻባት ተለቪዥን ንሞት፡ ስነስርዓት ቀብሪን ሓዘንን ስድራቤታት ቓዛ ብቐጻሊ ኣብ ዘቕርባሉ ዘለዋ እዋን፡ ጸረ-ምዕራባውያን፡ ጸረ-እስራኤል ናይ ዝዀኑ ምሊሻታት ተሪር መርገጺ ምውሳዶም ንስምዒት ብዙሓት ስዑዳውያን ካልኦት ዜጋታት ዓረብን ዘንጸባርቕ'ዩ።

ሑቲን ሕዝቦላህን ዝርከብዎም ጕጅለታት "ኪዳን ተቓውሞ" ('ኣክሲስ ኦፍ ረዚዝታንስ) ኢሎም ንርእሶም ዝጽውዑ እዮም።

ስለዚ፡ ሪያድ ኣብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተጀሚሩ ዘሎ ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ተበግሶ እንተ ተጸምቢራ፡ ምስ እስራኤል ከምዝወገነት ከምስላ ይኽእል'ዩ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ኣመሪካ እትርከበን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኵለን እተን ንንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ኣካል ናይቲ ስርሒት ዝዀና ሃገራት፡ ሓያል መጥቃዕቲ ከይወርዶም ብምስጋእ ካብ መጥቃዕቶም ክሕየቡ ዝምነያ እየን።

እንተዀነ፡ ነዚ ዝእንፍት ምልክት ዛጊት የለን። ስለዚ፡ ንቀንዲ ዒላማታት ሑቲ ንምዕናው ዝዓለመ ውሱን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከይቀጸለ ኣይተርፍን'ዩ።