ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝፈጸሙዎ ዘስካሕክሕ ገበናት እንክቃላዕ

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ነበር፡ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን [ብብጾቶም] ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝበሃሉ ገበናት ኲናት ንቢቢሲ ፓኖራማ ምስክርነት ብምሃብ፡ ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ስቕታ ሰይሮምዎ ኣለዉ።
እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ነበር ንመጀመርታ ግዜ ብግልጺ ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ፡ ምንም ዕጥቂ ዘይነብሮም ሰባት ኣብ ድቃሶም እንከለዉ ክቐትሉ፣ ህጻናት ሓዊሱ ብመቑሕ ዝተኣስሩ ተራ ሰባት ክቐትሉን ከምዝረኣዩ መስኪሮም።
ሓደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወፊሩ ዝነበረ ኣባል ሰራዊት ብሪጣንያ፡ "ንሓደ ንእሽቶ መንእሰይ ብመቑሕ ኣሲሮም ብጥይት ቀቲሎምዎ" ክብል ዝረኣዮ መስኪሩ።
"ንሱ ብርኡይ ቈልዓ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ዝዓጥቀሉ ዕድመ'ውን ኣይነበረን።"
ምቕታል እሱራት "ልሙድ እዩ ነይሩ" ዝብል እቲ ወተሃደር ነበር፡ "ንሓደ ሰብ ይፍትሽዎ፣ ብመቑሕ ይኣስርዎ፡ ድሕሪኡ ይትኵሱሉ" ብምባል ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ብተመልከተልይ ዝተግብረ ቅትለታት ዘኪሩ።
እቲ ሓድሽ ቃለ-ምስክርነት፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ገበናት ኲናት ዝምልከት ክስታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ሰለስተ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዳኛ ዝምራሕ ህዝባዊ መርመራ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ዝወሰደ እዩ።
ፍሉይ ሓይሊ ባሕሪን ኣሃዱታት ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያን ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ዝኸበደ ክስታት - ቅትለት ዘይዕጡቓትን ውጉኣትን ሰባት - ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ።
ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ባሕሪ ነበር፡ ገለ ወተሃደራት "ኣተሓሳስባ ዕስለ" ከምዝነበሮም ብምግላጽ፡ ኣብ ገለ ስርሒታት ዘርእይዎ ዝነበሩ ባህርያት "ባርባራዊ" ክብል ገሊጽዎ።
"እቶም ስቕተኛታት ዝነበሩ ወተሃደራት ከይተረፈ ክቕየሩ፣ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕብደት ከንጸባርቝ ርእየ" ብምባል፡ "ሕጊ ኣልቦ እዮም ነይሮም፤ ፍጹም ዝትንክፎም ዘየለ ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ፡" ኢሉ።
ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ፡ ንወተሃደራት እንግሊዝ ካብ ተዋጋእቲ ሓይልታት ጣሊባንን ንምክልኻል እዩ ናብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ። እቲ ኲናት ንኣባላት ሓይልታት ብሪጣንያ ቀታሊ እዩ ነይሩ፤ 457 ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣሽሓት ድማ ተወጊኦም እዮም።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ምስክርነት ንሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ኣብ ዝሓተተሉ፡ እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ኣብ ኲናት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መርመራ ንምድጋፍ፡ "ምሉእ ተወፋይነት" ከምዘለዎ ብምግላጽ፣ ኵሎም ኣገዳሲ ሓበሬታ ዘለዎም ገዳይም ወተሃደራት ክቐርቡ ከምዘተባብዕ ገሊጹ። ኣብ ስፍሓት እቲ መርመራ ክኸውን ዝኽእል "ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ክስታት ርእይቶ ክህብ ግቡእ ከምዘይኮነ" ገሊጹ።
'ሳይኮቲክ ቀተልቲ' ኣሃዱታት
እቲ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፡ ካብቲ ኣሃዱታት ሓይሊ ኣየር፡ ባሕሪን ምድሪን ካልኦት ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን ዘጠቓለለ ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ዝርዝር ገበናት ዘቕረበ ህዝባዊ ጸብጻብ እዩ።
እዚ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ዓባይ ብሪጣንያ ወይ ኣብ ጐድኑ ኰይኖም ዘገልገሉን ልዕሊ 30 ሰባት ዝተዋህበ ምስክርነት፡ ነቲ ቢቢሲ ፓኖራማ ንዓመታት ከቕርቦ ዝጸንሐ፡ በተን ኣሃዱታት ዝተፈጸመ ኢደወነናዊ ቅትለት ዝምልከት ክስታት ዘራጕድ እዩ።
ብተወሳኺ ፓኖራማ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ደቪድ ካሜሮን ብዛዕባ'ቲ ብፍሉይ ሓይሊ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝፍጸም ዝነበረ ቅትለት ሲቪላት ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦ እውን ንመጀመርታ ግዜ ተቓሊዑ።
ብሰንኪ'ቲ ኣብ ጉዳይ ስርሒታት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝጸንሐ መምርሒታት ስቕታ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ኣባላት ነበር ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ክልቲኡ - ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን - በቶም ኣዝዮም ምሩጻት ፍሉያት ሓይልታት ብሪጣንያ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒታት ብስሩዕን ኮነ ኢልካን ሕጊታት ኲናት ይጥሓሱ ከምዝነበሩ ኣቃሊዖም።
እቶም ሕጊታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርሒታት ዝዀነ ሰብ ንህይወት ወተሃደራት እንግሊዝ ወይ ካልኦት ቀጥታዊ ሓደጋ ምስ ዘስዕብ ጥራይ እዩ ኮነ ኢልካ ክቕተል ከም ዝኽእል ዝገልጹ። እዚ ኰይኑ ግን እቶም ፍሉያት ሓይሊታት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕጊታት ይገብሩ ከምዝነበሩ እቶም መሰኻኽር ገሊጾም።
"ኣቐዲሙ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ኣብቲ ዝርዝር ሓደገኛ ሰብ እንተነይሩ፣ ምናልባት ክትቀትሎ ከም ዕላማ ክውሰድ ይከኣል እዩ፤ ንምሓዞም ዝግበር ፈተነ ግን ኣይነበረን" ይብል ሓደ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣየር ዘገልገለ ገዲም ኣባል።
"ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዒላማ ኣለሊናዮ ከም ዘለና ንምርግጋጽ፡ ወረቐት መንነቶም ነረጋግጽ፣ ድሕሪኡ ንቐትሎም ነይርና" ይብል። "መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ኣሃዱ ንዅሎም ኣብቲ ዝወፈረቶ ዝረኸበቶም ሰባት ብኣልማማ ትቐትሎም ነይራ።"
ካልእ ምስክር ዝሃበ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ድማ፡ ቅትለት "ወልፊ ዝፈጥር ነገር" ክኸውን ከም ዝኸኣለ ብምግላጽ፡ ገለ ኣባላት ናይቲ ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ኣፍጋኒስታን "በቲ ስምዒት ከምሰኸሩ" ገሊጹ። "ብዙሓት ሳይኮቲክ ቀተልቲ" እዮም ነይሮም፡ ኢሉ።

"ኣብ ገለ ስርሒታት፡ ሰራዊት ብሪጣንያ ናብ ከም መዕረፊ ኣጋይሽ ዝኣመሰሉ ህንጻታት ብምእታው፡ ኣብኡ ንዝነበሩ ሰባት ብምሉኦም ይቐትሉ ነይሮም" ይብል። "ኣትዮም ንዅሉ ኣብኡ ደቂሱ ዝነበረ ሰብ ተኲስካ ምቕታል ፍጹም ምኽኑይ ኣይኰነን።"
ሓደ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ዘገልገለ ገዲም ወተሃደር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ድሕሪ ምእታው፡ እቶም ወተሃደራት ንዅሉ ኣብኡ ዝጸንሖም ሰብ ጸሪጐም ይቐትልዎ። ዝተረፈ ከይህሉ'ውን ሬሳታት ይምርምሩን ብህይወት ዝተረፈ ሰብ የዳግምዎን ነይሮም ክብልሓቢሩ።
ስግኣት ዘይፈጥሩ ዝቘሰሉ ወይ ዝተወግኡ ሰባት ኮነ ኢልካ ምቕታል ብንጹር ንኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ። እቲ ገዲም ኣባል ሃይሊ ባሕሪ ንፓኖራማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ውጉኣት ሰባት ምቕታል ዳርጋ መዓልታዊ ልሙድ ተግባር እዩ ነይሩ ኢሉ። ሓደ እዋን፡ ሓኪም መጥባሕቲ ንሓደ ዝተወግአ ግን ከኣ ገና ዘስተንፍስ ዝነበረ ሰብ ይሕክም ከም ዝነበረ ብምዝካር፡ "ድሕሪኡ ሓደ ካብ ኣሃዱና ናብኡ ከይዱ፣ ተዅሲ ተሰሚዑ። ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣብ ርእሱ ተተኲሱ እዩ ቀቲልዎ፡" ኢሉ።
እቲ ቅትለት "ፍጹም ዘየድሊ እዩ ነይሩ" ብምባል፡ "እዚ ምሕረት ዘይነበሮ ህልቂት እዩ ነይሩ፡" ክብል ይገልጾ።
ብመሰረት እቲ ምስክርነት፡ ላዕለዎት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ነቶም ታሕትዎት ኣሃዱ መጥቃዕቲ፡ "እዚ እሱር፡ ምሳና ናብ መዓስከር ኣይምለስን እዩ፡" ወይ "... ካብ ዒላማ ከምዘይወጽእ ኣረጋግጽ" ዝኣመሰሉ ኮድ ተጠቒሞም፡ ንደቂ ተባዕትዮ እሱራት ክቐትሉ መምርሒ ሂቦም እዮም።
እዞም እሱራት ዝበሃሉ ዘለዉ ድማ ኢዶም ዝሃቡ፡ ብፍሉይ ሓይሊ ብተፍትሽ ዝተታሕዙ፡ መቑሕ ዝተኣስሩን ሰባት እዮም። ሕጊ ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ ሕጊን ወተሃደራት ወይ ዕጥቂ ዘይብሎም ሲቪላት ወይ ምሩኻት ኲናት ኮነ ኢልካ ከይቅተሉ ይኽልክል።
ሓደ ናይ ኦፕሬተር ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ነበር እውን ኣብ ዒራቕ ሓደ ሰብ ዝቐተሉሉ ፍጻመ ይዝክር።
"ካብቲ ክርድኦ ዝኸኣልኩ፡ ስግኣት ዘይፈጥር ዝዀነ ዕጥቂ ዘይነበሮ ሰብ ምንባሩ ኣዝዩ ንጹር'ዩ ነይሩ። ዘሕፍር'ዩ። ፍጹም ሞያዊ ሓላፍነት ዝጐድሉ ዝራሕ ኢና ሰሪሕና፡" ይብል እቲ ኦፕሬተር ነበር። እቲ ቅትለት ግን ብግቡእ ተጻሪዩ ኣይፈልጥን ክብል ድማ ወሲኹ ይዛረብ።
እዚ ምስክርነት፡ ከምኡ'ውን ቢቢሲ ኣብ 2006 ካብ ስርሒታት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ኣብ ዒራቕ ዝረኸቦ ሓድሽ መርትዖታት ቪድዮ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብፓኖራማ ዝቐረበ፡ ስኩድሮናት እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ነንሕድሕደን ንዝፈጸምኦ ቅትለታተን እናቘጸራ ክወዳደራ እንከለዋ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ዝድግፍ'ዩ።
ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ገለ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ውድድራት ምቝጻር ከምዝነበሮም፤ ሓደ ኦፕሬተር ኣብ ሓደ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስርሒት ኣብ ኣፍጋኒስታን ብውልቁ ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቐተለን ሓቢሮም።
"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስርሒት ቅትለት ክምዝግብ ዝፍትን ዝነበረ ይመስል ነይሩ፤ ምሸት ምሸት ሓደ ሰብ ይቕተል ነይሩ፡" ይብል ሓደ መሳርሕቱ ነበር። እቲ ኦፕሬተር "ኣብታ ስኳድሮን ዕሉል እዩ ነይሩ፡ ብሓቂ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም - ሳይኮፓት - እዩ ነይሩ" ክብል እቲ መሳርሕቱ ነበር ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብ ሓደ ኣብ ውሽጢ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ግኑን ምንባሩ ዝንገረሉ ፍጻመ፡ እቲ ኦፕሬተር ንሓደ ወተሃደር፡ ነቲ ዝተወግአ ኣፍጋናዊ ሰብኣይ ዳግማይ ጥይት ከይትትኩሶ ተማሕጺኑ፡ ጐረሮኡ ብኻራኡ በቲኹ ቀቲልዎ። "ነቲ ውጉእ ከይዱ ብኻራኡ ከቃብጾ ምሒር ደልዩ ነይሩ፤ ትፈልጥ ዲኻ፡ በቃ ካራኡ ብደም ከጠልቂ፡" ክብል እቲ መሳርሕቱ ይምስክር።
ኣፍልጦ ናይቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ዝምልከት ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ጋንታታት ወይ ዝተወሰና ስኳድሮናት ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይነበረ እቲ ምስክርነት ይሕብር። ኣብ ውሽጢ መሓውራት እዚ ፍሉይ ሓይሊ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ "ነፍስወከፍ ሰብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ" ይብል ሓደ ገዲም ኣባል።
"ካብ ውልቃዊ ሓላፍነት ዝሃድም የለን፤ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ ነይሩ፡" ብምባል፡ "ነቲ ዝኸውን ዝነበረ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ስቕ ምባል ድማ ነይሩ እዩ፡" ይብል።
ካብ ተሓታትነት ንምህዳም፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ነቶም ዝቐትልዎም ዝነበሩ ዕጡቓት ምንባሮም ንምርኣይ፡ ኣብ ሬሳታቶ ምዉታት፡ "ኣጽዋር ብምጽጋዕ" ይስእልዎም ከምዝነበሩ መስኪሮም።
እቶም ጸብጻባት 'ልቢ ወለድ' እዮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድሕሪኡ እቶም መኮንናት ነቲ ኣሃዱታት ኣብ ባይታ ዝፍጸምኦ ዝነበራ ተግባራት ንምኽዋል ድሕሪ ስርሒት ኣብ ዝቐርብ ጸብጻባት ድራማታት ክፈጥሩ ከምዝጀመሩ እቲ ምስክርነት የቃልዕ።
ሓደ ካብቶም ገዳይም ወተሃደራት፡ "ደሓር፡ ንሓደ ከቢድ ፍጻመ ዝምልከት ገምጋም ከመይ ጌርካ ከም እትጽሕፎ ተረዲኡና'ዩ" ይብል።
"ምትኳስ፡ ሕጊ ምጥሓስ ዝኸውን እንተመሲሉ፡ ናብ ኣማኻሪ ሕጊ ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ንዝነበሩ ሓለፍቲ ቴለፎን ትድውል። ኣብኡ ተቐቢሎም ክትጥቀመሉ ዘለካ ቋንቋ ብኸመይ ከም እተነጽር ወይ እንታይ ከም እትብል ይሕግዙኻ።
እቶም ጸብጻባት "ልበ ወለድ" ከምዝነበሩ ካልእ ገዲም ወተሃደር ብሪጣንያ እውን ይምስክር።
ምስ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓላፊ ስለያ፡ ኣብ ውግእ ብዛዕባ ዝተቐትሉ ኣብ ዘቕረበ ሓደ [ናይ ሓሶት] ጸብጻብ፡ እቶም ኣሳእል ግን "ብንጹር ኣብ ርእሲ ዝተደጋገመ ህራም ዘለዎም" ሬሳታት ከምዝነበሩ ይጠቅስ።
እቶም ናይ ሓሶት ወረቓቕቲ ብንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ ንዝካየድ መርመራ ንምትላል ክሕግዙ ተባሂሎም ዝተዳለዉ'ኳ እንተዀነኡ፡ ስርሒታት ፍሉይ ሓይሊ እንግሊዝ ግን ካብ ኣዘዝቲን ሰበስልጣንን መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ዓሚቕ ስክፍታ ፈጢሮም እዮም።
ዴቪድ ካሜሮን - ኣብ ዘመነ ስልጣኑ፡ ኣብ መንጐ ሰነ 2010ን ሕዳር 2013ን ኣብ ዝነበረ ዓመታት ሸውዓተ ግዜ ናብ ኣፍጋኒስታን ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ እዩ። እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መርመራታት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒታት ዝምልከት ስክፍታታት ብተደጋጋሚ ካብ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ሓሚድ ኻርዛይ ይንገሮ ከምዝነበረ ኣብቲ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ብዙሓት ሰባት ክጠቕስዎ ይስማዕ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኻርዛይ፡ "ብተደጋጋሚ ነዚ ጉዳይ ይጠቅስ ነይሩ" ክብል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣፍጋኒስታን ነበር ዶክተር ራንጊን ዳድፋር ንፓኖራማ ገሊጹ። ንሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ካሜሮን፡ ብፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ኣብ ዝተኻየዱ ስርሒታት፡ ህጻናት ዝርከብዎም ሲቪላት ከም ዝተቐትሉ ዝገልጽ ክስታት ከም ዝቐረበሉ ዘጠራጥር ከምዘይኰነ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን "ብዛዕባ'ቲ ብ ለይቲ ዝካየድ ዝነበረ ወፍሪ፡ ሲቪላዊ ጉድኣትን ማእሰርትን ዘቕረቦ ጥርዓናት ኣዝዩ ጽኑዕ ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ'ዚ ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩሉ ዝነበረ ፍጻመታት ዝዀነ ላዕለዋይ ምዕራባዊ ዲፕሎማት ወይ ወተሃደራዊ መራሒ ክስሕቶ ዝኽእል ኣይነበረን" ይብል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኔቶ ነበር ጀነራል ዳግላስ ሉተ።
ጀነራል ሉተ፡ "ብዛዕባ'ዚ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት እንግሊዝ ዝቐርብ ዘሎ ክሲታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊት ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም እንተዝበሃል ጥራይ እዩ ዘገርም ዝኸውን፡" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ካሜሮን ንፓኖራማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሎርድ ካሜሮን ክሳብ ዝዝክሮ፡ እቶም ፕረዚደንት ኻርዛይ ዘልዓሎም ሕቶታት ብሓፈሻ ብዛዕባ ሓይልታት ኔቶ ምዃኖም እምበር፣ ንፍሉይ ሓይልታትብሪጣንያ ዝምልከቱ ፍሉያት ፍጻመታት ከምዘይተላዕሉን" ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ "ወግዓዊ ውጽኢት መርመራ ምጽባይ ቅኑዕ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ሎርድ ካሜሮን ንክሲ ከቢድ ገበናዊ በደል ንምኽዋል ተሓባቢሩ ዝብል ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ግን ፍጹም የዋህ እዩ" ኢሉ።
ብሪጣንያ ዘይከም ኣመሪካን ፈረንሳን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኣሃዱታት ምሩጽ ፍሉይ ሓይሊ ዝግበር ባይቶኣዊ ክትትል የብላን። ስትራተጂያዊ ሓላፍነት ስርሒታቶም ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ጸሓፊ ምክልኻልን ሓላፊ ፍሉይ ሓይልታትን እዩ።
ብሩስ ሃውልደር ኬሲ - ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ዕጡቓት ሓይልታት ናይ ምኽሳስን ሓላፍነት ዘለዎ ኣገልግሎት ዓቃቢ ሕጊ ነበር - ንፓኖራማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ህዝባዊ መርመራ፡ ሎርድ ካሜሮን ብዛዕባ ኣብ ስርሒታት ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ ብዘጋጠመ ክሳራታት ሲቪላዊ ሰባት ክሳብ ክንደይ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ክምርምር ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
"እቲ ምብስባስ ክሳብ ክንደይ ንላዕሊ ከምዝደየበ ክቃላዕ ኣለዎ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







