ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘሎ ዝተራቐቐ ኣጽዋር ኣመሪካ

ወተሃደራዊ ኣጽዋር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝረኸቦ ፍርቂ ሚልዮን ኣጽዋር ከም ዝጠፍአ፡ ተሸይጡ ወይ ናብ ካልኦት ጕጅለታት ከም ዝተሰጋገረ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ጣሊባን ኣብ 2021 ንኣፍጋኒስታን ዳግማይ ኣብ ዝተቘጻጸረሉ እዋን፡ ንመብዛሕትኡ ብኣመሪካ ዝውነን ዝነበረ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ናውትን ከም ዝሓዘ፡ ሓደ ስሙ ዘይግለጽ ዘይመረጸ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ብዓል ስልጣን ኣፍጋኒስታን ነበር ገሊጹ።

እቲ መኽዘን፡ ከም ኤም4ን ኤም16ን ዝኣመሰሉ ስርሓት ኣመሪካ ዝዀኑ ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን፡ ካልኦት ኣብ ኢድ ኣፍጋኒስታን ዝነበሩ ንልዕሊ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ዝተረፉ ኣረጊት ኣጽዋር ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።

መብዛሕትኡ እቲ ኣጽዋር፡ ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ተዋሂቡ ዝነበረ እዩ።

ጣሊባን ኣብ 2021ናብ ማእከል ይግስግሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብዙሓት ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ኣጽዋሮምን መካይኖምን ገዲፎም ኢዶም ሂቦም ወይ ሃዲሞም።

ገለ ካብ'ቶም መሳርሒታት ሓይልታት ኣመሪካ ዝገደፉዎም እዮም።

ብውሕዱ ፍርቂ ናይዚ መሳርሒ ከም ዝጠፍአ፡ ጣሊባን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዶሓ ንዝርከብ ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጠ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ኣባላት ኮሚቴ፡ ፍርቂ ሚልዮን ኣቑሑት ናብ ዝኣተዉዎ ከም ዘይፍለጥ ምስ ካልኦት ምንጭታት ኰይኖም ከም ዘረጋገጹ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ተህሪክ-ኢ-ጣሊባን ፓኪስታን፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኡዝቤኪስታን፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ ምብራቕ ቱርኪስታንን ምንቅስቓስ ኣንሳሩላህ የመንን ዝርከቡዎም ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም፡ ብጣሊባን ዝተማረኸ ኣጽዋር ይረኽቡ ወይ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ይገዝኡ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ምክትል ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ጣሊባን ሓምዱላ ፊትራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኵሎም ቀለልትን ከበድትን ኣጽዋር ብውሑስ መንገዲ ተኸዚኖም ይርከቡ፡ ብኮንትሮባንድ ተሰጋጊሮም ዝብል ወይ ድማ ጠፊኦም ዝብል ክሲ ብትሪ ንነጽጎ፡" ኢሉ።

ኣብ 2023 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ገለ ኣዘዝቲ 20% ካብቲ ዝተታሕዘ ኣጽዋር ኣመሪካ ክዕቅቡ ከም ዝፈቐደን ብሰንኪ እዚ ድማ ጸሊም ዕዳጋ ይስስን ከም ዘሎን ይሕብር።

እዞም ኣዘዝቲ ምስ ጣሊባን ምትእስሳር ዘለዎም ኰይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ዞባታቶም ብመጠኑ ርእሰ-ምሕደራ ኣለዎም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ህያብ ኣጽዋር ኣብ መንጎ ኣዘዝትን ተዋጋእትን ውሽጢ ዓዲ ስልጣን ንምድልዳል ብሰፊሑ ይውዕል። ጸሊም ዕዳጋ ንጣሊባን ሃብታም ምንጪ ኣጽዋር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡" ክብል ኣመልኪቱ።

ኣብ ካንዳሃር ዝነበረ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጣሊባን ድሕሪ ምምሕዳሩ ንሓደ ዓመት ኣብኡ ዕዳጋ ክፉት ኣጽዋር ከም ዝነበረን ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝኣተወን ገሊጹ።

ሃብታማት ውልቀሰባትን ከባብያዊ ኣዘዝትን ሓደስትን ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉን ኣጽዋርን መሳርሕታትን ኣመሪካ ከም ዝነግዱን መብዛሕትኡ ድማ ብኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት ዝገደፍዎ ኣጽዋር ምዃኑን እዩ ዝፍለጥ።

ወተሃደራዊ ኣጽዋር
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብፍሉይ ተቘጻጻሪ ዳግመ ህንጸት ኣፍጋኒስታን ኣመሪካ (ሲጋር) ዝተመዝገበ ብዝሒ ኣጽዋር ካብቲ ምንጭታትና ዝጠቐሱዎ ዝወሓደ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግን ቅኑዕ ሓበሬታ ክረክብ ከም ዘይከኣለ ኣሚኑ።

እቶም መሳርሒታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ክፍልታትን ትካላትን ኣመሪካ ዝቐረቡ እዮም።

ሲጋር ወሲኹ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት፡ "ኣብ ኣፍጋኒስታን ምክትታል ንመሳርሒታት ዝምልከት መስርሕ ምኒስተር ምክልኻል፡ ሕጽረታትን ጉዳያትን" ከም ዝነበረ ገሊጹ።

ሲጋር ንምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ'ውን ነቒፉ፡ "ብዛዕባ እቲ ዝተገድፈ መሳርሒታትን ገንዘብን፡ ውሱን፡ ዘይቅኑዕን ዘይእዋናውን ሓበሬታ ሂቡና፡" ኢሉ።

እቲ ምኒስትሪ ነቲ ክሲ ነጺጉ።

እዚ ኣዝዩ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኰይኑ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣጽዋር ክመልስ እየ ክብል ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

85 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምዕቡል ኣጽዋር ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝተረፈ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ናይቲ ሓድሽ ምምሕዳር፡ "ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ሸየጥቲ ወተሃደራዊ መሳርሒታት እያ። ንምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ትፈልጡዶ? ነቲ ዝገደፍናዮ መሳርሒታት ይሸጡዎ ኣለዉ፡" ኢሉ።

"እዚ ክምርምሮ እደሊ። ክንከፍሎም እንተዄንና ጽቡቕ'ዩ፡ እንተዀነ፡ ወተሃደራዊ ናውትና ክምለሱ ንደሊ፡" ኢሉ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽአ ገንዘብ ንስልጠናን ደሞዝን ዝተሰልዐ ስለ ዝነበረ፡ ኣሃዝ ትራምፕ ኣካታዒ ኰይኑ'ሎ።

እንተዀነ፡ ኣፍጋኒስታን ኣብ 'ዓለማዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም' ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብተን 25 ዝዓበያ ሰደድቲ ዓበይቲ ኣጽዋር ኣይተኻተተትን።

ንርእይቶ ትራምፕ መልሲ ዝሃበ ዋና ወሃቢ-ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ንመንግስታዊ ተለቪዥ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዞም ኣጽዋር ካብቲ ዝሓለፈ ምምሕዳር መንዚዕናዮም ኢና፣ ነታ ሃገር ንምክልኻልን ንዝዀነ ስግኣት ንምምካትን ክንጥቀመሉ ኢና፡" ኢሉ።

ጣሊባን ኣብቲ ከም ቀንዲ መደበር ኣመሪካን ኔቶን ኰይኑ ዘገልገለ መዓርፎ ነፈርቲ ባግራም፡ ንኣጽዋር ኣመሪካ ብቐጻሊ ዘርእዩ ኰይኖም፡ ከም ምልክት ዓወት ይቘጽሩዎ።

ፔንታጎን ኣብ 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምዝላቑ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተረፉ ኣጽዋር ኣመሪካ ክመኽኑ ከም ዝተገብሩ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ጣሊባን ኣጽዋር ኣመሪካ ተጠቒሙ ብቑዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሃኒጹ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ገለ ተነሓናሕቲ ጕጅለታት ከኣ ልዕልና ክረክብ ክኢሉ።

መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ነበር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣማኢት" ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ ሃምቪ፡ ካብ ነተጕቲ ዝካለኸላ ሓጺን ለበስ መካይን (MRAPs)፡ ከምኡ'ውን ብላክ ሆክ ሄሊኮፕተራት ኣብ መኽዘናት ካንዳሃር ይርከባ።

ጣሊባን፡ ከም ሄሊኮፕተራት ብላክ-ሆክ ዝኣመሰሉ ምዕቡላት ማሽነሪታት ናይ ምጥቃም ዓቕሞምን ቴክኒካዊ ክእለቶምን ድሩት እዩ።

መብዛሕትኡ እዚ ዝተራቐቐ መሳርሒ ገና ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ጣሊባን ከም ሃምቪን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ክጥቀሙ ክኢሎም እዮም።