ናብ ዝፈትሕኦም ሰብኡተን ክምለሳ ዝግደዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኣፍጋኒስታን ስልጣን ዝሓዘ ጣሊባን፡ ኣብ ስርዓተ ሕጊ ዝገብሮ ምምሕያሻት ስዒቡ፡ ህይወት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እናተጸለወ ይርከብ።
ጣሊባን፡ ዳያኑ ህሉው ሕግታት ከኽብሩ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ሕሉፍ ውሳነታት ንምእራም ተወሳኺ ሰዓት ክሰርሑ ይገብር ኣሎ ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ከም ሓደ ዓቢ ተበግሶ ህዝቢ 'ነጻ ይግባይ' ዝሓቱሉ ኣገባብ ተዋሂቡ’ዩ።
ብሰንኪ’ዚ እዚ ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጉዳያት ቤት ፍርዲ ብመሰረት ሸሪዓ ጣሊባን (ሕጊ እስልምና) ዳግማይ መስርሕ ፍርዲ ክሓልፉ ይግበሩ ኣለዉ።
ጽልዋ እዚ መስርሕ ድማ ዝያዳ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝረኣይ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዝጸንሐ ስርዓት ዝተዋህቡ ገለ ፍትሕ ሓዳራት ከም ፍሩስ ይእወጁ ኣለዉ።
እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዘይደለይኦ ሓዳር ክምለሳ ዘገድድ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ እውን ካብቲ ስርዓት ሕጊ ይግለላ ኣለዋ።
"ደቂ ኣንስትዮ ንምሕንቃቕ ዘኽእለን ዓቕሚ ወይ ብልሒ የብለንን። ምኽንያቱ ብመሰረት መትከላት ሸሪዓና ስራሕ ቤት ፍርዲ ልዑል ብልሒ ዘለዎም ሰባት ዝጠልብ’ዩ" ይብል ጣሊባን።
ጻውዒት ቤት ፍርዲ
ጣሊባን ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ጓል 20 ዓመት ቢቢ ናስታና ንኣዲኣ ኣብ ክሽነ እናሓገዘት እንከላ፡ ኣቡኣ ሃንደበት ናብ ገዝኡ ተመሊሱ።
ናስታና ኣቦኣ ምስ ዓቢ ሓዋ ክዘራረብ ሰሚዓ ናብኦም ትቐርብ።
"ስመይ ክለዓል ምስ ሰማዕኩ ልበይ ክትሃርም ጀሚራ፡ ንብዓት ካብ ኣዒንተይ ክውሕዝ ጀሚሩ" ትብል ናስታና።
ኣብታ ትነብረላ ግዝኣት ኡሩዝጋን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ጣሊባን ጉዳይ ፍትሓ ዳግማይ ኣልዒልዎ ነይሩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክትቐርብ ጻውዒት ቀሪቡላ።
ናስታና ምስ ዘይትፈትዎ ሰብኣይ እያ ተመርዕያ። ኣቡኣ ምስ ሓደ ሰብኣይ ክትምርዓው ክሰማማዕ እንከሎ፡ ንሳ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። ከምዚ ዝበለ ልምዲ ኣብ መንጎ ስድራቤታት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እዩ ዝፍጸም። ብኸምዚ ዝበለ ሓዳር ድማ እቲ 'ጸላኢ' ዝነበረ ሰብ ፈታዊ እታ ስድራቤት ይኸውን።
ናስታና ጓል 15 ዓመት ምስ ኰነት፡ እቲ ሄክማቱላህ ዝተበሃለ ሰብኣይ 'ሰበይቱ' ክወስድ መጺኡ። ናስታና ግን ብኡ ንብኡ ንኽትፋታሕ ጥርዓን ኣቕሪባ።
ነቲ ሰብኣይ "ክምርዖ ድሌት ከምዘይብለይ ደጋጊመ ንቤት ፍርዲ ገሊጻ" ትብል። ኣብ መወዳእታ ድማ ናጽነተ መሊሳ ክትረክብ ክኢላ።
"ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ዓመት ቃልሲ ኣብ መወዳእታ ተዓዊተ። ቤት ፍርዲ 'ሕጂ ተፋቲሕኺ እኺ፡ ምስ ዝደልኽዮ ሰብ ክትምርዓዊ ትኽእሊ ኢኺ' ኢሉኒ።"
ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ቁሸታ ውራይ ተዳልዩ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ድማ ንፈተውትን ጎረባብትን መግቢ ቀሪቡ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ጣሊባን ስልጣን ሒዙ። ጽኑዕ መልክዕ ሸሪዓ (እስላማዊ ሕጊ) ኣብ መላእ ሃገር ብቕልጡፍ ተኣታትዩ።
ሕጂ ኣባል ጣሊባን ዝዀነ በዓል ቤታ ነበር፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝተዋህበ ውሳነ ክስረዝ ንቤት ፍርዲ ሓቲቱ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ናስታና ብመሰረት ሸሪዓ ካብ መስርሕ እቲ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ክትከውን ተገይራ።
"ጣሊባን ኣንጻር ሸሪዓ ስለዝዀነ ናብ ቤት ፍርዲ ከይኣቱ ከልኪሉኒ። ኣብ ክንድኡ ሓወይ ከምዝውክለኒ ነጊሮምኒ" ትብል።

ሓው ናስታና ዝዀነ ወዲ 28 ዓመት ሻምስ፡ "እንተዘይተሰማሚዕና ንሓፍተይ ብሓይሊ (ንሄክማቱላህ) ከምዘረክብዋ ነጊሮሙና" ክብል እቲ ኵነታት ይዝክር።
ሻምስ እቲ ሓድሽ ውሳነ ንህይወት ሓፍቱ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘእቱ ንዳኛ እናለመነ ገሊጹ። ይኹን’ምበር እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተወሃበ ውሳነ ኣፍሪስዎ።
ናስታና ብቕልጡፍ ናብ በዓል ቤታ ነበር ሄክማቱላህ ክትምለስ ድማ ኣዚዙ።
ናስታና ካብታ ሃገር ክትሃድም ግዜ ንምርካብ ክትብል ይግባይ ኣቕሪባ። ብድሕሪኡ ምስ ሓዋ ቁሸታ ገዲፋ ናብ ጎረቤት ሃገር ሃዲማ።
ኣብ ኡሩስካን፡ እቲ ዳኛ ንማዕከናት ዜና ርእይቶ ክህብ ኣይፈቐደን። ይኹን እምበር፡ ቢቢሲ ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጣሊባን መልሲ ክረክብ ፈቲኑ።
"ደያኑና ነቲ ጉዳይ ብኹሉ ወገን መርሚሮም ንሄክማቱላህ ዝድግፍ ውሳነ ሂቦም" ይብል ሓላፊ ፕረስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓብዱልዋሂድ ሃቃኒ።
"ቅድሚ ሕጂ እቲ ብልሽውና ዝመልኦ ምምሕዳር ንመውስቦ ሄክማቱላን ናስታናን ክስርዝ ዝወሰዶ ውሳነ ኣንጻር ሕግን ሕጊ መርዓን እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ሄክማቱላህ ኣብ እዋን ጉዳይ ቤት ፍርዲ ስለዘይተረኽበ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ርእይቶ ሄክማቱላህ ክንረከብ ፈቲንና’ኳ እንተነበርና ክንረኽቦ ግን ኣይከኣልናን።
ጉዳይ ናስታና ሓደ ካብቶም መንግስቲ ጣሊባን ኣብ ነሓሰ 2021 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር መፍትሒ ተዋሂብዎም ዝብሎም ኣስታት 355 ሽሕ ጉዳያት እዮም።
እዞም ጉዳያት መብዛሕትኦም ገበናዊ ምዃኖም ጣሊባን ይገልጽ። ኣስታት 40 ሚእታዊት ካብቶም ጉዳያት ምስ መሬት ዝተኣሳሰሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ 30 ሚእታዊት ድማ ምስ ፍትሕ ሓዳር ዝርከብዎም ስድራቤታዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ይሕብር።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ፍርዲ
ጣሊባን ናብ ስልጣን ምስ ተመልሰ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ዝነበረ ብልሽውና ከብቅዕን ፍትሒ ክህብን ቃል ኣትዩ።
ንዅሎም ዳያኑ ብሜላ ኣልዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ክሳተፋ ብቑዓት ከምዘይኰና ኣዊጁ።
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጣሊባን ዳይረክተር ጉዳያት ወጻኢን ርክባትን ዓብደልራሂም ራሺድ፡ "ደቂ ኣንስትዮ ንምሕንቃቕ ዘኽእለን ዓቕሚ ወይ ብልሒ የብለንን። ምኽንያቱ ስራሕ እቲ ቤት ፍርዲ ብመሰረት መትከላት ሸሪዓና ልዑል ብልሒ ዘለዎም ሰባት ስለ ዝጠልብ እዩ" ኢሉ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣፍጋኒስታን ዝነበረት ፋውዝያ ኣሚኒ ሓንቲ ካብተን ብጉጅለ ጣሊባን ዝተኣልያ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ እያ። ከም በዓል ናስታና ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ ክረኽባ ኣለወን ትብል።
"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሰብኣያ እንተፈቲሓን ሰነዳት ቤት ፍርዲ እንተ ኣረጋጊጾምን፡ ናይ መወዳእታ ነገር'ዩ። ለውጢ መንግስቲ ንሕጋዊ ውሳነታት ኣይቅይርን'ዩ" ትብል።
ብተወሳኺ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ዝኣለየ ስጉምቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ሓድሽ ሕጋዊ ሓለዋ ከብቅዕ ከምዝገብር ኣስሚራ።
"ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዓቢ ተራ ተጻዊትና ኢና። ሓደ ካብ ዓወታትና ኣብ 2009 ዝተኣወጀ 'ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ዘወግድ ሕጊ' እዩ። ንመንበሪ ኣባይቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ሕጊ ሓለዋ ድኻታትን ሕጊ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝምልከት ቁጽጽር ክግበር’ውን ሰሪሕና ኢና" ክትብል ትውስኽ።ዳኛ ኣሚኒ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጥርዚ ሕጋዊ ስርዓት ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምግልጋላ፡ ካብታ ሃገር ክትስደድ ተገዲዳ’ያ።
ጣሊባን ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝቐጽዐቶም ሰባት ናይ ሞት ምፍርራሕ ከምዝበጽሓ ትዛረብ።
"ዕድመ ሲቪላዊ ሕግና ልዕሊ ፍርቂ ዘመን'ዩ። ቅድሚ ምምስራት ጣሊባን ጀሚሩ ዝጸንሐ'ዩ" ትብል ኣሚኒ። "ኵሎም ሲቪላውን ሕግታት መቕጻዕቲ፡ እንተላይ ሕግታት ፍትሕ ሓዳር፡ ኣብ ቁርኣን ዝተመርኰሱ እዮም።"
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጣሊባን፡ መራሕቲ ኣፍጋኒስታን ነበር ብቑዓት ኣስላም ከምዘይነበሩ’ዩ ዝወቅስ።

ሸሪዓ
ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጣሊባን፡ ኵምራ ሰነዳት ጉዳያት ቤት ፍርዲ ኣብ መደርደሪ ዝቕመጠላ ክፍሊ ከምእንርኢ ተገይሩ። ኵሎም ሰራሕተኛታት መንግስት ነበርን ሓደስቲ ተመልመልቲ ጣሊባንን ዝጥቀሙሉ ንእሽቶ ናይ ቤት ጽሕፈት ቦታ እዩ ነይሩ።
እቲ ሓዱሽ ክፍሊ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ምምሕዳር ዝተወሰኑ ብዙሓት ጉዳያት ዳግማይ ይፍትሽ ከምዘሎን ሓደሽቲ ጉዳያት ይግባይ’ውን ይቐርቡ ከምዘለዉ ተነጊሩና።
"ቅድሚ ሕጂ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ገበናውን ሲቪላውን ሕግታት ተመርኲሰን እየን ውሳነታት ዝህባ ነይረን። ሕጂ ግን ኵሉ ፍርዲ ኣብ ሸሪዓ [እስላማዊ ሕጊ] ዝተመርኮሰ'ዩ" ይብል ዓብዱልራሂም ራሺድ።
ጣሊባን ኣብ ሃይማኖታዊ ሕጊ ‘ሓናፊ ፊቕህ’ (ፊቕህ) ኣዝዩ ይምርኰስ። እዚ ኣብ 8ይ ክፍለ ዘመን ዝተጀመረ ሕጊ፡ ኣብ መላእ እስላማዊ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ግዝኣት ኦቶማን ኣብ ግብሪ ይውዕል ነይሩ። ክሳዕ ሎሚ እውን ኣብ ዝተፈላለያ እስላማውያን ሃገራት እናተተግበረ ይርከብ።
ናስታና ናብ ጎረቤት ሃገር ካብ እትስደድ ንደሓር፡ ብጽኑዕ ዝተዓጽፉ ሰነዳት ኣብ ኣፍልባ ሒዛ ላዕልን ታሕትን እናበለት ትርከብ። መንነታ ከም ካብ ሓዳር ናጻ ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ዝገልጻ እንኮ ምንጪ መንነታ እዩ።
"ሓገዝ ክሓትት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ብዙሓት ማዕጾታት ኳሕኲሐ። ግን ዝሰምዓኒ ኣይረኸብኩን። ሓገዝ ኣበይ ኣሎ? ከም ጓል ኣንስተይቲ ናጻ ክኸውን መሰል የብለይን ድዩ?" ትብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







