ኣብ መሬቱ ቤት ትምህርቲ ሰሪሑ ህጻናትን ዓበይቲን ምስ ትምህርቲ ዘራኸበ መምህር

ባሹ ምስ ተመሃሮኡ

ምንጪ ስእሊ, GENA WOREDA GOVERNMENT COMMUNICATION

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ዞን ዳውሮ፡ ቀበሌ ጉኖ ዝርከብ ሻምና ዝበሃል ከባቢ ምሉእ ዓመት ለምለም እዩ፤ መብዛሕትኦም ነበርቲ ድማ ሓረስቶት እዮም። ካብ ቀለብ ዝተረፈ ናብ ዕዳጋ የቕርቡ።

ንነበርቲ እዚ ከባቢ ቀንዲ ጸገሞም መንገዲ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ እዋን ዝናብ ኣጸጋሚ’ዩ።

ቅድሚ 7 ዓመት ኣብቲ ዞባ ዝተጀመረ ህንጸት፡ እንተላይ እቲ ወላይታ ምስ ዳውሮ ዘራኽብ መንገዲ ቅጥራን ሎሚ እውን እንተዀነ ኣይተዛዘመን።

ኣብ ሻማና ዘሎ ጸገም ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ የለን። ህጻናት ትምህርቲ ንኽመሃሩ ካብ ገዛኦም ርሒቘም ክጓዓዙ ይግደዱ።

ርሕቀት ጥራይ'ውን ኣይኰነን፤ እቶም ህጻናት በዳሂ መንገዲ ክጓዓዙ ግድን’ዩ። ሩባታት ይሰግሩ፣ ብዘይምቹእን ገደላገደልን ይጓዓዙ። እዚ ድማ ኣብ ስድራቤት ሻቕሎት ይፈጥር።

ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን፣ እንተወሓደ ክሳብ ብዝግባእ ዝዓብዩ፤ እንተዘይኰይኑ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዕድመኦም ምስ ትምህርቲ ኣይራኸቡን።

ወለዲ፡ ደቀይ እንተዝመሃሩለይ ካብ ምባል ሓሊፎም እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?

ባሹ በላይነህ ዝተበሃለ ነባሪ ግን ሓደ ነገር ክገብር ወሲኑ።

መምህርን ተመሃሮን

ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, GENA WOREDA GOVERNMENT COMMUNICATION

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ባሹ በላይነህ ቀንዲ መነባብሮኡ ሕርሻ እዩ።

ቅድሚ ዓመታት 10ይ ክፍሊ ዛዚሙ፤ ካብ ከተማ ሆሳህና ብ10+2 ተመሪቝ። በታ 'ወረቐት' ስራሕ ንምርካብ ብዙሕ ኮለል ኢሉ።

ክሳዕ ሽዑ ግን "ጽቡቕ ነገር ክገብር ሓሲበ" ዝብል ባሹ፡ ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ዘይምህላዉ ዝፈጠሮ ጸገም ብዝምልከት ሓደ ነገር ክገብር ወሲኑ።

እቲ ዘለዎ ፍልጠት ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካብ ትምህርቲ ዝረሓቝ ህጻናትን ዓበይትን እኹል ምዃኑ ይኣምን።

ቀጻሊ ነገር ናይ ቦታ ጉዳይ እዩ - 'ቤት ትምህርቲ'፡ ኣብቲ ካብ ስድራኡ ዝወረሶ መሬት ሓንቲ ክፍሊ ዳስ ሰሪሑ ኣዳልዩ።

እታ ክፍሊ ኣብ 500 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ብዕንጨይትን ሳዕርን ዝተሰርሐ ኣጉዶ እያ።

ተመሃሮ ኮፍ ዝብሉሉ መናብር’ውን ሰሪሑ። ኣብ ቀበሌ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ሰሌዳን ኩርሽን ከም ዝተወሃበ እውን ይገልጽ።

እቲ ዝቕጽል ዕማም ተመሃሮ ምርካብ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ባሹ፡ ኣብ ሻማና ብዝተኻእሎ መጠን ናብተን ገዛውቲ ብምኻድ ወለዲ ኣዘራሪቡ፤ ረብሓታት ትምህርቲ ገሊጹሎም። ንመብዛሕትኦም ድማ ከእምኖም ክኢሉ።

እዚ ጥራሕ ዘይኰነ እቲ በዓል ሓዳር ባሹ፡ ንደቁ’ውን ምስ ካልኦት 35 ተመሃሮ ክምህር ጀሚሩ።

"ብዙሓት ህጻናት [ትምህርቲ ዘይረኽቡ] ኣለዉ። ኣቦታትን ኣደታትን ክመሃሩ ኣለዎም ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ" ይብል ባሹ።

ባሹ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ኣርብዓ ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ ኣለውዎ። ካብዚኦም እተን ዓሰርተ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

እቲ መምህር ዝህቦም ኣስተምህሮ ኣብ ከባብያዊ ፍልጠት ዝተበገሰ እዩ።

ተመሃሮ፡ ስነጽሑፍን ቋንቋን ዳውሮ ከምኡ’ውን ኣብቲ ከባቢ ልሙድ ዝዀነ ቅርጻታትን እንግሊዝኛን ይመሃሩ።

እቶም ህጻናት ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ። ሰኑይን ረቡዕን ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ንግሆ ይምሃሩ እሞ፡ ብድሕሪኡ ዓበይቲ ሰባት ይቕጽሉ።

ባሹ ምምሃር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ተመሃሮ ለውጢ ይርኢ ከም ዘሎ ይጠቅስ።

"እቶም ህጻናት በብቕሩብ ፊደላት ይመሃሩ ኣለዉ" ዝብል ባሹ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ሓጐስ ከም ዝፈጠረሉ ይዛረብ።

እቲ 'ዝተመሓየሸ' መምሃሪ ክፍሊ

ዝተመሓየሸ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, GENA WOREDA GOVERNMENT COMMUNICATION

ባሹ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ላዕልን ታሕትን ዝበለሉ መምሃሪ ክፍሊ ሕጂ ሓሊፉሉ ኣሎ።

ብዛዕባ ባሹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ዝረኣየ ማሕበረሰብ ንግዲ ዘካይድ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ይልቃል፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ነቲ ባሹ ዘምህረሉ 'ቤት ትምህርቲ' ተመሓይሹ ክስራሕ ገይሩ።

ክልተ ክፍልታትን ሓንቲ ቤት ጽሕፈት ምስ ናውታን ሰሪሑ ኣረኪብዎ።

ንተመሃሮ ዝኸውን ናውቲ ትምህርቲ'ውን ኣበርኪቱ።

ብተወሳኺ፡ ባሹ ኣብቲ ዘመሓድሮ ትካል ክቝጸር ገይሩ’ዩ።

ኣቶ ወልደጊዮርጊስ፡ "[ባሹ] ካብቲ ኣብ ሕርሻን ህይወቱ ኣብ ምምራሕን ዘሕልፎ ግዜ ነክዩ እዩ ህጻናት ዘምህር ዘሎ። ብመንግስቲ ዝኸፍሎ መሳልል ደሞዝ መሰረት ብምግባር ኣብ ትካልና ቀዋሚ ሰራሕተኛታት ክኸውን ጌርና ኣለና” ኢሉ።

ባሹ ብወገኑ፡ “እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዳስ ናብ ዚንጐ ምስ ተቐየረ ዝተሰምዓኒ ሓጐስ መወዳድርቲ የብሉን። ተመሃሮ’ውን ቀጻልነት ዘለዎ ትምህርቲ ክረኽቡ’ዮም. . . ሕጕስ ድማ እየ" ኢሉ።

ኣቶ ወልደጊዮርጊስ እቲ ቤት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣስታት 162 ሽሕ ብር ወጻኢ ገይሩ’ዩ።

ኣብቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ክህሉ ተሃንጥዩ ዝነበረ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ’ውን ዝከኣሎ ብምሕጋዙ፡ እቲ ህንጸት ምምሕያሽ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት’ዩ ተዛዚሙ።

ባሹ’ውን እቲ ቤት ትምህርቲ ዳግማይ ክህነጽ ከሎ ካብቲ መበገሲ ቦታ ኣስታት 300 ትርብዒት ሜትሮ ዝያዳ መሬት ፈቒዱ’ዩ።

ንኣበርክቶ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ዘድነቐ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ እቲ ወረዳ፡ እቲ ዝተሓደሰ ቤት ትምህርቲ ረቛሒታት ቤት ትምህርቲ ከም ዘማልእ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መምሃሪ መጻሕፍቲ ክህብን ቁጽሪ ተመሃሮ ምስ ወሰኸ ተወሳኺ መምህራን ክቘጽርን ምዃኑ ሓቢሩ።

ባሹ’ውን “ቁጽሪ ተመሃሮይ ክውስኽ፡ ኣብ ጐድነይ ካልእ ተሓጋጋዚ ገይረ እሓስብ። ዝሓሸ መምህር ኰይነ፡ ምስክር ወረቐተይ ናብ ዲፕሎማን ዲግሪን ኣዕብየ ንህዝበይን ደቀይን ከገልግል እየ ዝደሊ" ኢሉ።