ኢትዮጵያ፡ ንጠንቂ ምንቍልቋል ውጽኢት ፈተና 12 ክፍሊ መን ይሕተት? መፍትሒኡ ኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ደራ፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ዝወድአ ተመሃራይ ሄኖክ (ሽሙ ዝተቐየረ) ናብ ዩኒቨርሲቲ ደብረታቦር ብምኻድ እዩ ሓፈሻዊ ፈተና ወሲዱ።
ተመሃሮ ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽኡ ዘኽእል ምድላው ኣይገበሩን ኢሉ ዝኣምን ሄኖክ፡ ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዘጋጠመ ኵነታት፡ ተመሃሮ ተረጋጊኦም ከይፍተኑ ምኽንያት ኰይኑ እዩ ይብል።
"ጽቡቕ ምድላው ኣይነበረናን። ተፈተንቲ ቀዳማይ ዙር ዝሓለፉዎ ኵነታት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክንፍተን ንፈለማ እዋን ምዃኑ. . . ቅሩብ ጸቕጢ ነይርዎ።"
ኣብ 2014 [ግእዝ] ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ፡ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ተመሃሮ ትሑት ነጥቢ ምምዝጋቦም ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ "ዘሰንብድ" ዝተባህለ ውጽኢት ከምዘርእዮ፡ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ልዕሊ 980 ሽሕ ተመሃሮ ኣስታት 30 ሽሕ ዝዀኑ ጥራይ እዮም ልዕሊ 50 ሚእታዊት ክረኽቡ ክኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈተና ዝወሰደ ሄኖክ፡ ዋላ’ኳ ዘሕልፍ ውጽኢት እንተዘይረኸበ፡ እቲ ፈተና ይዅን ዝተወሃበሉ መገዲ ጸገም ነይርዎ ኢሉ ኣይኣምንን።
እንተዀነ ጽሬት ትምህርቲ ከም ዝተዳኸመ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዘጋጠመ ቅላውላው ውጽኢት ፈተና ግደ ከምዘለዎ ይሕብር።
"መስርሕ ኣወሃህባ ትምህርቲ ዝሞተ እዩ፣ ብተግባር ዝተደገፈ ኣይኰነን፣ ክልሰ ሓሳብ ጥራይ ኢና እንመሃር፤ ነቲ ክልሰ ሓሳብ ዝተረድአ ውጽኢት የምጽእ። ከምዚ ዝበለ ፖሊሲ ትምህርቲ ግቡእ እዩ ኢለ ኣይሓስብን።"
ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ እቶም ካብ 50 ሚእታዊት ንታሕቲ ዘምጽኡ ተመሃሮ ናብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከም ዘይኣትዉ እኳ እንተገለጸ፡ ዓቕሚ ምቕባል እተን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውጽኢት መሰረት ብምግባር ተወሰኽቲ ተመሃሮ ክሓልፉ ከም ዝግበር ኣፍሊጡ ኣሎ።
መን እዩ ተሓታቲ?
ባንኪ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ካብ ዝርከቡ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ፡ እቶም 70 ሚእታዊት ቅልል ዝበለ ጽሑፍ ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ድኹም ምዃኑ የመልክት።
እቲ ብምትሕብባር ባንኪ ዓለምን ካልኦት ትካላትን ዝተዳለወ መጽናዕቲ፡ እዚ ኣሃዝ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19፡ 57 ሚእታዊት ምንባሩ የመልክት።
ዘኢኮኖሚስት ዝተባህለ መጽሔት ንባንክ ዓለም ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ዓመት ካብ ዝርከቡ ህጻናት ተመሃሮ እቶም 85 ሚእታዊት ቅልል ዝበለ ጽሑፍ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ድኹም እዩ።
ማእከል መጽናዕትን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ መጽናዕቲ እውን፡ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።
ዳይረክተር እቲ ትካል በላይ ሓጐስ (ዶ/ር) ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ኣብ 2021 ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ 68 ሚእታዊት ተመሃሮ ካልኣይ ክፍሊ 'ዜሮ ሪደርስ' ዝበሃሉ እዮም።
እዚ ማለት፡ እቶም ህጻናት ዝቐረበሎም ቀሊል ጽሑፍ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ዓቕሞም ኣይዓበየን ወይ ምንባብ ኣይክእሉን።
51 ሚእታዊት ተመሃሮ ሳልሳይ ክፍሊ እውን ኣንቢቦም ክርድኡ ኣይክእሉን።
"ውጽኢት ፈተና ሎምዘበን እምበኣር ዘይጽቡይ ኣይነበረን" ዝብል እቲ ዳይረክተር፡ ምኽንያቱ፡ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካየዶም መጽናዕቲታት እዚ ከምዝመጽእ ዝእምቱ ምንባሮም የረድእ።
ተመሃሮ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዝሰጋገሩ ብቕዓቶም ተፈቲሹ እዩ ኢሉ ንምእማን ከምዝጽገም እዩ እቲ ምሁር ዝገልጽ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምሁራት፡ ነቲ ሎምዘበን ዝተራእየ ድኹም ውጽኢት ፈተና 12 ክፍሊ፡ ንስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ተሓታቲ ይገብሩ።
ሓላፊ እቲ ትካል መጽናዕትን ምርምርን እውን በዚ እዩ ዝኣምን።
እዚ ውጽኢት "እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ዝወለዶ እዩ" ይብል።
"እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ቈልዑ ብቕዓት ከምዘይብሎም እናተፈለጠ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ክሓልፉ ዝፈቅድ እዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመሃሮ እንተይበቕዑ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ዝሓልፉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ካብ 4ይ ክፍሊ ንደሓር፡ ቍጽሪ ዝደግሙ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ከም ዝዀነ እቲ ምሁር ይዛረብ።
ባንክ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ትሕተ ሳህራን፡ ቀዳማይ ደረጃ ክውድኡ ዝቐረቡ ተመሃሮ፡ ምንባብ ከምዘይክእሉ ይገልጽ።
ተመሃሮ ከይበቕዑ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ምሕላፎም፡ "ቅኑዕ ዘይምዃኑ ደጋጊምና ብዝሰራሕናዮም መጽናዕቲታት ክነርኢ ፈቲንና ኢና" ዝብል እቲ ዳይረክተር፡ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንብቕዓት፡ "ቦታ የብሉን" ዝብል እምነት ኣለዎ።
ከም ኣብነት ዝጠቕሶ ድማ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ፡ ካብ ተመሃሮ 8ይን 12ን ክፍሊ ወጻኢ ኵሎም ተመሃሮ ክሓልፉ ምኽኣሎም እዩ።
"ተመሃራይ ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ዝሓለፍ ብቝዕ ምስዝኸውን ጥራይ እዩ፤ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣጸጽዩ ብብቕዓት ዝኸይድ ዘይኰነስ፡ ብብዝሒ ቍጽሪ እናጸብጸበ ዝጓዓዝ እዩ።"
ትምህርቲ፡ ዋላ’ኳ ብብዝሒ ክወሃብ ምኽኣሉ እቲ ምሁር ዝድግፎ እንተዀነ፡ "ብቕዓት ዘይብልካ ንቕድሚት ምጕዓዝ ግን ፈጺመ ኣይድግፎን" ይብል።
እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ተመሃሮ ብቝዓት ክዀኑ እናደለየ፡ ብኻልእ ገጽ ተመሃሮ ከይበቕዑ፡ ክሓልፉ ምፍቃዱ፡ ዘይምቅዳው ናይቲ ስርዓት ዘርኢ እዩ ይብል።
"እቲ ስርዓተ ትምህርቲ እንተ ዘይተመሓይሹ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን፤ መምህራን ኣይኰኑን ክሕተቱ ዘለዎም፤ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ እዩ ነቶም መምህራን ናብዚ ዘእተዎም።"
ብኻልእ ገጽ ሓሳቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘካፈሉ ምሁራት፡ ንምንቍልቋል ውጽኢት፡ ንሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ተሓታቲ ይገብሩ።
ኣብ ኖርወይ ዝነብርን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ዝምህር ደርቤ ደመቅሳ፡ እቲ ሚኒስተር፡ "ውድቀት ስርዓተ ትምህርቲ ንፖለቲካ ፓርቲኡ" ተጠቒሙሉ ክብል ይወቅስ።
ካልእ ኣብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጉዳያት ኢትዮጵያ ሓሳብ ዝህብ ምሁር ኣየለ ገላን ብወገኑ፡ "ሚኒስትሪ ትምህርቲ በቲ ስርዓተ ትምህርቲ ሕጕስ ስለዘይኰነ እዩ" ብምባል በቲ ዝተራእየ ምንቍልቋል ውጽኢት ነቲ ሚኒስትሪ ተሓታቲ ይገብር።
መንቅሒ ደወል
ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ዝወሰዱ ተመሃሮ፡ እቶም 96 ሚእታዊት ውጽኢት ኣይቀነዖምን።
እዚ ኣሻቒሉኒ’ሎ ዝበለ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውጽኢት ዘየምጽኡ ተመሃሮ፡ ትሑት ውጽኢት ኣብ ዝምጽኡሎም ዓይነታት ትምህርቲ ንሓደ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ክመሃሩ ፈቒዱ ኣሎ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝወሃቦም ፈተና እንተሓሊፎም ድማ ናይ ቀዳማይ ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ክጅምሩ ምዃኖም ሚኒስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ምንቍልቋል ውጽኢት፡ "መግለጺ ናይቲ ንዓመታት ዝተኣከበ ዝተደራረበ ጸገማትን እቲ ንዓመታት ተሸፋፊኑ ዝጸንሐ ደረጃ ስርዓተ ትምህርቲ ዘመላኸተን እዩ" ኢሉ።
ምስ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ትካላት ብምትሕብባር ኣብ ኵነታት ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት መጽናዕቲታት ዘካየደ በላይ ሓጐስ (ዶ/ር)፡ እቲ ውጽኢት " ከም መንቅሒ ደወል" ኢና እንርእዮ ይብል።
እቶም ውጽኢት ዘየመዝገቡ ተመሃሮሮ ተስፋ ከይቈርጹ ብምምካር፡ እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ግን ትዅረት ክህቦም ከም ዝግባእ ይኣምን።
" እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ዝዕረየሉ ንብዙሓት ጸገማት ፍታሕ ሒዙ እዩ ዝመጽእ፤ ተልእኾኡ ዜጋታት ብብቕዓት ምህናጽ እዩ። እንተዀነ እዚ ድዩ ክስራሕ ጸኒሑ? ዝብል ግን ደው ኢልካ ምርኣይ ዘድልዮ እዩ።"
እቲ ምሁር መፍትሒ ኢሉ ካብ ዝጠቕሶም ነገራት፡ ኣብ መምህርነት ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎም ተወዳደርቲ ናብቲ ስርዓተ ትምህርቲ ክሕወሱ ኣለዎም ዝብል እዩ።
"ሓደ ውልቀ ሰብ 'ውጽኢቱ ትሒቱ' ክበሃል እንከሎ፡ ' ናብ ምምህርና ኣመልክት' ኣብ ዝበሃለሉ ዘበን ኢና ዘለና" ክብል ዝወቅስ በላይ፡ ምምህርና ክብሪ ክወሃቦ ከምዝግባእ ይገልጽ።
ጉዳይ መምህራን ክለዓል ንከሎ፡ መተባብዒን ተመጣጣኒ ክፍሊትን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝመክር እቲ ተመራማሪ፡ ንመምህራን ዝወሃብ ትሑት ክፍሊት ንውድቀት ብቕዓት ትምህርቲ ጠንቂ እዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትካል መጽናዕትን ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መርሓ-ጐደና ትምህርቲ ኣብ ዘጽንዓሉ ካብ ዘልዓሎም እማመ ሓሳባት ሓደ፡ ግብሪ ትምህርቲ [Education Tax] ከምዝዀነ እቲ ምሁር ይገልጽ።
ንሱ፡ ኣብ ዝዀነ ሸቐጥ ግብሪ ትምህርቲ ክህሉ ይግባእ ይብል፤ እዚ ኣታዊ ተዋህሊሉ ብውሑዱ ክፍሊት መምህራን ክሽፍን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
"ኣብቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ተግባራዊ እንተዀይኑ "እቲ ህዝቢ ኣየማርርንዶ?" ዝብል ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ። እቲ ዝተረኽበ መልሲ ግን ቤተሰብ ብኻልኦት ዓይነታት ግብሪ እምበር ብግብሪ ትምህርቲ ኣይኰነን ዘማርር ዝብል እዩ።"
እቲ ትካል ነዚ መጽናዕቲ ንምክያድ ካብ ኮርያ ልምዲ ከምዝወሰደ ዝጠቅስ እዚ ተመራማሪ፡ እዚ ግብሪ ተግባራዊ እንተተገይሩ፡ ዕዉት ከምዝኸውን እምነት ኣለዎ።
'ኢጁኬሽን ታክስ ኣክት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግብሪ ትምህርቲ ደቡብ ኮርያ፡ ካብ 1990ታት [ኣ.ኣ] ጀሚሩ ክትግበር ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ጽሬት ትምህርቲ ንምዕባይ ዘድሊ ወጻኢ መሸፈኒ ክኸውን ዝተኣወጀ እዩ።
ብሓፈሻ ንትምህርቲ ዝግበር ወጻኢ፡ ብቕዓት ዘለዎ በዓል ሞያ ክፈሪ ዝገብር ስለ ዝዀነ ኵሉ ሰብ ክረባረብ ይግባእ ይብል እቲ ምሁር።
"ናይቲ ጸገም ይዅን ናይቲ መፍትሒ ወሳኒ ኣካል መንግስቲ እዩ፤ መንግስቲ ካብ ላዕሊ ነቲ ምንቅስቓስ እንተጀሚርዎ ክሳብ ቤተሰብ ዘሎ ብብደረጃኡ ዝስዕብ እዩ። ኵሉ ክሳተፈሉ ይግባእ። እንተዘይኰይኑ ግን ዘረባ ሓደ ሰሙን ጥራይ ኰይኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣሎኒ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







