ቡዳፔስት፡ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም 2023 እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ንትሸዓተ መዓልታት ዝተኻየደ ኣትሌቲክስ ቻምፒዮንሺፕ ዓለም፡ ትማሊ ሰንበት ተዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ብ19 ነሓሰ 2023 ኣብ ስታዲየም ናሽናል ኣትሌቲክስ ክካየድ ዝቐነየ ቻምፒዮና ዝተፈላለዩ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብርቱዕ ንሕንሕ ክገብሩ ተራእዮም።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ውድድር ኰኸባት ስፖርት ብዘርኣዩዎ ጸብለልታ ኣብ ልዕሊ ሕሉፍ ውርሻኦም ተወሳኺ ዓወታት ከጽሕፉ እንከለው፡ ሓደሽቲ ኰኸባት’ውን ሻምፒዮናት ዓለም ኰይኖም ኣለዉ።

ካብ 195 ሃገራት ዝመጽኡ 2100 ኣትሌታትታ’ዮም ተሳቲፎም። እዚኦም ጉጅለ ኣትሌት ስደተኛታት’ውን ይርከቡዎም።

ካብ 120 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ 400 ሽሕ ኣጋይሽ ድማ ነዊ ውድድር ተዓዚቦምዎ።

ኣብዚ ውድድር፡ ሓደ ክብረ ወሰን ዓለም፣ ሓደ ክብረወሰን ትሕቲ 20፣ ሸውዓተ ክብረወሰናት ቻምፒዮንሺፕ ከምኡ’ውን 73 ሃገራዊ ክብረወሰናት ተመዝጊቦም።

ኣመሪካውያን ተወዳደርቲ ሓጺር ርሕቀት ኖህ ሊይልስን ሻካሪ ሪቻርደስን፣ ኬንያዊት ተወዳዳሪት ማእከላይ ርሕቐት ፌዝ ኪፕዮገን፣ ኔዘርላንዳዊት ተወዳዳሪት መሰናኽል ፌምኬ ቦልን ስፔናውያን ኣልቫሮ ማርቲንን ማሪያ ፔሬዝን ተዓወትቲ ዝተፈላለዩ ብሉጻት ዓወታት ኰይኖም’ዮም።

ኬንያዊት ኣትሌት ኪፕዮገን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ 1500 ሜትሮ ከምኡ’ውን 1500 ሜትሮ ውድድራት ክብረወሰን ዓለም ድሕሪ ምስባር፡ ኣብ ቻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ክልቲኡ ርሕቐት ዝተዓወተት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰይና።

ካብቶም ኣብ ቡዳፔስት ዝተወዳደሩ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት፡ ከምታ ብብዙሓት ኣብ ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ጐየይቲ 1500 ሜትሮ ዝዓበየት ተባሂላ እትቑጸር ኬንያዊት ኰኸብ ከዋኽብቲ ፌይዝ ኪፒየጎን፡ ኣብ ቡዳፔስት ክልተ ወርቂ ሜዳልያ እያ ተዓዊታ።

ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ውድድራት ሻምፕዮን ዓለም ወይ ኦሎምፒክ ካብ 2016 ጀሚሩ፡ እታ ጓል 29 ዓመት ሓንሳብ ጥራይ እያ ሜዳልያ ወርቂ ዘይተዓወተት።

እዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ 2019 ኣብ ዶሃ ዝተኻየደ ውድድር ክኸውን እንከሎ፡ ኣትሌት ኪፒየጎን ቈልዓ ምስ ወለደት ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ውድድር ምንባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም እዚ ዓመት፡ ካብ ዓለም 6ይ ካብ ኣፍሪቃ ድማ ካልኣይ ኰይና ውድድራ ክትዛዝም እንከላ፡ ብድምር ትሸዓተ ሜዳልያታት ክትእክብ ክኢላ እያ።

ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን።

ኣብዚ ውድድር፡ ኣትሌት ጉዳፍ ጻጋይ ወርቂ መዳልያ ክትዓትር ከላ፡ ለተሰንበት ግደይ ድማ ብውልቃዊ ዝበለጸ ግዜ ናይዚ ዓመት ብምምዝጋብ ካልአይቲ፡ እጅጋየሁ ታየ ድማ ሳልሰይቲ ኰይና ነሓስ መዳልያ ረኺባ።

ኣብዚ ኢትዮጵያውን ዝደመቓሉ ውድድር፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውድድር ዝመርሓ ዝነበራ ኣትሌታት ዝዀነት ኣትሌት ሲፈን ኣብ ኣጋ ፍጻመ እቲ ውድድር ምውዳቓ ኣዘራራቢ ኰይኑ ቀንዩ ነይሩ።

ኣብ ውድድራት 5000 ሜትሮ (ብደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን) ከምኡ’ውን ማራቶን (ደቂ ተባዕትዮ) ልዑል ትጽቢት ዝተገብረሎም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣይቀንዖምን።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ዝተኻየደ መበል 18 ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ዓለም 10 ሜዳልያታት ብምእካብ ንኣሜሪካ ስዒባ ካብ ዓለም ካልአይቲ ኰይና ዝዛዘመቶ ውድድር ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ዓመት፡ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ትሸዓተ ወርቂ ዘምጽኣ ኰይነን፡ ኬንያ ሰለስተ ሜዳልያ ወርቂ፡ ሰለስተ ብሩርን ኣርባዕተ ነሓስን ሓዊሱ ብጠቕላላ 10 ሜዳልያ ሒዛ ኣብ ሓምሻይ ተሰሪዓ ትርከብ።

ዩጋንዳ፣ ሞሮኮን ቡርኪናፋሶን ድማ እተን ካልኦት ንኣፍሪቃ ሜዳልያታት ዘምጽኣ እየን።

ኣሜሪካ፡ 12 ሜዳልያታት ወርቂ ሓዊሱ ብጠቕላላ 29 ሜዳልያ ብምምጻእ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ካናዳን ስፔንን ብሽዱሽተን ሓሙሽተን ሜዳልያታት ይስዕብኣ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ቻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም፡

  • 23 ሃገራት ሜዳልያ ወርቂ
  • 26 ሃገራት ሜዳልያ ብሩር
  • 24 ሃገራት ነሓስ
  • 46 ሃገራት ሜዳልያታት ክዕወታ እንከለዋ
  • 71 ሃገራት ድማ ብሉጻት ሸሞንተ ኰይነን።

ምንጪ፡ ድረ ገጽ ኣትሌቲክስ ዓለም