ምስጢር ደበናን ዝናብን ንምፍላጥ ዝተራቐቐት ሳተላይት ናብ ህዋ ተወንጪፋ

ኣብዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ዞባና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠዕም ዘሎ ወቕቱ ዘይሓለወ ከቢድ ዝናብ፡ ሞትን ምፍንቓልን ሓዊስካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወታት የስዕብ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዝፍጠር ውሑጅን ዕልቕልቕን፡ ብፍላይ ኣብ ከም ታንዛንያን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ሰፊሕ ሞትን መጉዳኣትን ዘውረደ ኰይኑ፡ ኣብ ኣዲስ አበባ ሓዊሱ፡ ኣብ ገለ ከበቢታት ኢትዮጵያ ድማ መጠናዊ መጕዳእቲ ኣውሪዱ'ሎ።

ሕጂ ድማ፡ ኣብቲ ብፍላይ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ቀንዲ ወቕቲ ክራማት ዝዀነ ዝመጽእ ዘሎ ወቕቲ፡ ከቢድ መጠን ዝናብ ከምዝህሉ ይግመት ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ሰፊሑ ዝርዝራት ጠንቁ ገዲፍና፡ ብሓፈሻ ለውጢ ኵነታት ኣየር ‘ክሊማ’ ዘስዓቦ ምዃኑ ሰብ ሞያ የረድኡ።

ኣብ ልዕሊ ደበናታት፡ ብፍላይ ናብ መሬት ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝርከብ ህዋን ለውጥታት ጋዝን ዝምለከቱ ኣገደስቲ መጽናዕታት ክካየዱ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ እታ ሕጂ ድሕሪ 20 ዓመታት ውረድ ደይብ ናብ ህዋ እትለኣኽ ዘላ ሳተላይት ገለ ረብሓ ዘለዎ ሓበሬታን ርኽበታትን ሒዛ ክትመጽእ ትጽቢት ይግበረላ።

ንምዃኑ እዛ ሳተላይት እንታይ እያ፣ ብኸመይ ከ ትሰርሕ?

እቲ ንፈለማ እዋን ናብ ህዋ [ጠፈር] ትውንጨፍ ዘላ ሳተላይት፡ ዝተራቐቐት ኰይና፡ ብሓባራዊ ፕሮጀክት ኣውሮጳውን ጃፓንን እያ ተበጊሳ።

ብኣውራኡ ድማ ደበናታት ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ንምዕቃንን ጠባይ ኵነታት ኣየር ንመሬት ብኸመይ ይጸሉ ከምዘሎ ንምፍላጥን ሓድሽ ሓበሬታ ሒዛ ክትምለስ እያ ትስደድ ዘላ።

ትሕት ኢሎም ዝርከቡ ደበናታት ንፕላነት መሬት ከዝሕሉ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ልዑል ብራኸ ኰይኖም ካብ ሓደገኛታት ጋዛት ከም መከላኸሊ ዘገልግሉ [ሽፋናት] ከምዝዀኑ እዩ ዝግመት።

ተልእኾ እዛ ‘ኤርትኬር’ ብዝብል እትፍለጥ ሳተላይት፡ ሌዘርን ራዳርን ተጠቒማ፡ እቲ ሚዛን ኣበይ ከምዘሎ ብልክዕ ንምፍላጥ፡ ነቲ ህዋ ክትምርምሮ እዩ።

ካብ ማእከል ትንበያ ኣየር ኣውሮጳ ዶክተር ሮቢን ሆጋን፡ "ብዙሓት ግምታትና፡ ሽፋን ደበና ኣብ መጻኢ ክጐድል ምዃኑ ይሕብሩ፡ እዚ ማለት ድማ ደበናታት ውሑድ ጸሓይ ብርሃን ጥራይ ናብ ህዋ ክምለስ ዝገብሩ ዀይኖም፡ ዝያዳ ኣብኡ ክውሓጡ እዮም። እዚ ድማ እቲ ኣብኡ ዝተርፍ ዝነበረ መጠን ጋዝ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብምድፋእ ንክሊማ ዝያዳ ክንቃላዕ ዝገብር ኵነታት እዩ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።

እታ 2.3 ቶን እትምዘን ሳተላይት ካብ ካሊፎርንያ ብስፔስኤክስ ሮኬት እያ ተወንጪፋ ዘላ።

እቲ ፕሮጀክት ብኣውሮጳዊ ትካል ህዋ (ኤሳ) ዝምራሕ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ትካል ዝገበሮ ዝተሓላለኸ ተፈጥሮ መሬትን ከባቢ ኣየርን ንምግንዛብ ዘኽእል ጕዕዞ ምዃኑ ተገሊጹ።

ብርግጽ እቶም ኣቑሑ ከምቲ ዝተሓሰበ ንኽሰርሑ ዘጋጠመ ተክኒካዊ ብድሆ ኣዝዩ ዓቢ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።

ካብ ምጽዳቕ እቲ ተልእኾ ክሳብ ምውንጫፍ 20 ዓመት ምሉእ ዝወሰደ ውጥን እዩ።

እንታይ መሳርሒታት ኣለዋ?

እታ ሳተላይት፡ ኣብ ኣስታት 400 ኪ.ሜ (250 ማይልስ) ብራኸ ዀይና ንመሬት ክትከባ እያ።

ብድምር ኣርባዕተ ቀንዲ መሳርሒታት ተገጢሞሙላ ኣለዉ።

እዚኦም ድማ ነቲ ሳይንቲስት ክሊማ ዝደልይዎ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ብሓባርን ብውህደትን ዝሰርሑ እዮም።

እቲ ናይ መጀመርታ፡ እቲ ዝቐለለን - ነቶም ሰለስተ መሳርሒታት ምስሊ ዝህብን ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ህዋ ዘሎ ኵነታት እንታይ ከምዝመስል መልክዕን መስፈርትን ዝህብ ካሜራ እዩ።

ካልእ ኣውሮጳዊ ኣልትራቫዮለት ሌዘር፡ እቶም ረቀቕትን ኣብ በሪኽ ጠፈር ዝርከቡ ከደንቲ ደበናታት ንቝልቁል ክወርዱ ከለዉ ዘርኢ እዩ።

እዚ መሳርሒ፡ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝርከቡ ንኣሽቱ ንጥረ ነገራትን ነጠብጣባትን (ኤሮሶል) ኣብ ምፍጣርን ባህሪን ደበናታት ኣብ ምውሳንን ዘለዎም ጽልዋ ዝምርምር እዩ።

ካልእ ‘ራዳር ጃፓን’ ዝበሃል ኰይኑ፡ ናብቶም ደበናታት ትኽ ኢሉ ዝጥምት ተገይሩ ዝትከል መሳርሒ እዩ።

እዚ መሳርሒ ብወገኑ፡ እቶም ደበናታት እንታይ ዝኣክል ጠሊ ተሸኪሞም ከምዘለዉን ብኸመይ ናብ ማይ ተቐዪሩ፡ ዝናብን በረድን ኰይኑ ከምዝወርድ ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።

ከምኡ’ውን እቲ ራብዓይ መሳርሒ፡ ‘ሬድዮሜተር’ ዝበሃል ኰይኑ፡ ካብ ጸሓይ ናብ መሬት ዝውርድ ሓይሊ ጸሓይ ብርሃንን፡ ክንደይ ዝኣክል ተንጸባሪቑ መሊሱ ናብ ህዋ ይምለስ ከምዘሎ ንምፍላጥ ዝሕግዝ እዩ።

"ኣብ መንጐ እዚ መሊሱ ዝንጸባረቕ መጠን ጠቕላላ ጨረርን፡ ብድምር ካብ ጸሓይ ዝወጽእ መጠንን ብርሃንን ዘሎ ሚዛን፡ ብመሰረቱ ንክሊማና ዝድርኽ'ዩ" ትብል ዶክተር ሄለን ብሪንድሊ ካብ ሃገራዊ ማእከል ትዕዝብቲ መሬት ዓባይ ብሪጣንያ።

"ነቲ ሚዛን እንተቐይርናዮ፡ ንኣብነት መጠን ዝውህለል ግሪንጋዝ ብምውሳኽ፡ ምስቲ ካብ ጸሓይ ዝመጽእ ዘሎ ክነጻጸር እንከሎ፡ መጠን እቲ ንመሬት ዝውዕያ ዘሎ ጋዝ ይጐድል ማለት እዩ።”

ከምኡ’ውን ናይ ነዊሕ ግዜ ኣረኣእያ ክሊማ ከምዘሎ ዀይኑ፡ ካብታ ‘ኤርትኬር’ ሳተለይት ዝርከብ መረዳእታ፡ ኣብዚ ሕጂን ንትንበያታት ኵነታት ኣየር ንምምሕያሽ ክውዕል እዩ።

ንኣብነት፡ ሓደ ህቦብላ ብኸመይ ከም ዝምዕብልን በቲ ባህርን ኵነታትን ደበናን ብኸመይ ከምዝጽሎ ክፍትሽ እዩ።

ብኸመይ እያ ማዕቢላ?

ንሳተላይት ኣርዝኬር ምፍጣር ፡ መበቆላዊ ሳይንስ ኣምር ብፕሮፌሰር ኣንቶኒ ኢሊንግዎርዝ፡ ካብ ሪዲን ዩኒቨርሲቲን መሳርሕቱን ኣብ 1993 እዩ ዝብገስ።

ንሱ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሳተላይት ክትውንጨፍ ምርኣዩ፡ ሕልሚ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ምርኣይ ምዃኑ ብምግላፅ፡ “ዘደንቕ ጕጅለ፡ ነዊሕን በዳህን ጕዕዞ'ዩ ሓሊፉ። ብሓባር፡ ናይ ብሓቂ ዘደንቕ ነገር ፈጢርና ኣለና። ንፕላኔትና እንርድኣሉ ኣገባብ ክቕይር ዝኽእል ተልእኾ እዩ" ኢሉ።

እቲ በዳሂ መስርሕ፡ ምድንጓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መወዳእታ ወጻኢታት ናይቲ ተልእኾ ኣዝዩ ክውስኽ ዝገበረ ከምዝዀነን ዝግለፅ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ኣስታት €850m (£725m) ወፃኢ ከምዝሓተተ ይግመት።