ኢትዮጵያ፡ 'ሓራስ ሰበይተይ ሽሮ'የ ኣብሊዐያ' - ናብ ተቓውሞ ዘምርሕ ዘሎ ፈታኒ ናብራ ሓካይም

ሰብ-ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ብደመወዞም ክነብሩ ብዘይምኽኣሎም፡ ጠለቦም መንግስቲ ክምልስን ፀቕጢ ክፈጥሩ ይፍትን ኣለዉ።

ከምኡ እንተዘይኰይኑ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝገብሩ ኣጠንቂቘም፣ ነዚ ምንቅስቓስ ድጋፍ ገይሮም ዝተብሃለ ገለ ሓለፍቲ ማሕበራት ድማ ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ።

ገሊኦም ድሕሪ ሒደት መዓልታት ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ።

ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣቶ ዮናታን ዳኘውን ሰለስተ ሓካይም ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣርባ ምንጭን ካብቶም ዛጊድ ተኣሲሮም ዘለዉ እዮም።

ብሓፈሻ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልላት ኣምሓራን ደቡብ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ ሓሙሽተ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ገሊኦም፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ማእሰርቲ ተፈቲሖም።

ምኽንያት መእሰሪ እዞም ደኳትርን ሓለፍቲ ማሕበርን፡ ምስቲ ሎምቅነ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ዝተሓሐዝ ከምዝዀነ እዩ ዝንገር።

ምክትል ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ-ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መለሰ ባታ፡ ማእሰርቲ ኣቶ ዮናታን ብቐጥታ ምስቲ ዝቐነየ ተቓውሞ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነን፡ መንግስቲ ነቶም ጠለባት ምላሽ ክህብ ኣለዎ ዝብል ደብዳበ ምጽሓፉን ድጋፍ ድሕሪ ምስምዑን ዝሰዓበ ከምዝዀነ እዩ ዝዛረብ።

ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ ንዓመታት ከልዕልዎ ዝጸንሑ ወሰኽ ደሞዝን ካልእ ጥቕማጥቕምን እንተዘይተማሊኡሎም፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም ከጠንቅቝ ቀንዮም እዮም።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ዋጋ መነባብሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ወርሓዊ ደሞዞም ክነብሩሉ ዘይክእሉ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ክንደይ ይኽፈሉ? ስድራኦም ንምምጋብ ክሳብ ክንደይ ይቃለሱ ንምንጽጻር ኣብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ወርሓዊ ደሞዝ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ንርአ።

ኣብ ኬንያ ጀማሪ ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ ወርሒ ልዕሊ 1500 ዶላር (ልዕሊ 190 ሽሕ ብር) ይኽፈል።

ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ናብራኦም ኣጸጋሚ ከምዝገበሮም ይዛረቡ ኣለዉ።

ዘሕዝን ድምጺ ናይዞም ሰብ ሞያ ሕክምና

ኣብዚ ቀረባ እዋን ክኢላታት ጥዕና፡ "ሕቶ ባኒ" ኢሎም ኣብ ዘልዓልዎ ሕቶ፡ ኣብ ጽንኩር ኵነታት ኰይኖም ኣዝዩ ወሳኒ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ከምዘለዉ ክስምዑ ፈቲኖም ኣለዉ።

እንተወሓደ ካብ ጥሜት ክድሕኑ ይሓቱ ኣለዉ። ካልኦት ብዙሓት ሃገር ለቒቘም ንስደት ተቓሊዖም እዮም።

ሰብሞያ ሕክምና ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ፡ ናብራኦም ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ኣብ ዝተረኽበ ኣጋጣሚታት ይዛረቡ ኣለዉ።

ገለ ካብቶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ሕክምና ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘገልግሉ ዘለዉ ሓካይም ብዛዕባ እቲ ብድሆታት ብኸምዚ ዝስዕብ ንቢቢሲ ኣዋጊዖም ኣለዉ፤

'ቁርሲ በሊዐ ኣይፈልጥን'

ኣነ ስፔሻሊስት ዶክተር እየ። 26 ዓመት ኣብ ትምህርቲ ኣሕሊፈ ኣለኹ። ካብ ደሞዘይ 35 ሚእታዊት ግብሪ ስለዝኽፈል፡ ኣስታት 8 ሽሕ ብር ይተርፈኒ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ምንባረይ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ኣሎ።

በዓል ሓዳር እየ ሓደ ውላድ ድማ ኣለኒ። 16 ሽሕ ብር ክራይ ገዛ እኸፍል፤ ዕጽፊ ናይ ደሞዘይ ማለት እዩ።

ዳርጋ ብዘይ ክፍሊት ይሰርሕ ኣለኹ ምባል ይሓይሽ።

በዓልቲ ቤተይ ጽቡቕ ስራሕ ስለዘለዋ ጥራይ ጠቒሙኒ፣ ናይ ሓባር ባንክ ሕሳብ ኣለና።

ደሞዘይ ንሓደ መሰረታዊ ወጻኢታት ጥራይ እዩ ዝኸፍል።

በዓልቲ ቤተይ ንመብዛሕትኡ ወጻኢታትና ትሽፍን፣ መሰረታዊ ወጻኢታት ከም ክንክን ህጻናት፡ ኣልባሳት ወዘተ . . ሰበይተይ እያ ትሽፍኖ።

ሓቂ ንምዝራብ ቍርሲ ክዘልል ካብ ዝጅምር ዓመት ኰይኑኒ ኣሎ። ንነብሰይ ከእምና መንፈሳዊ እየ እብል።

ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራይ እየ ዝበልዕ። ብዙሕ ምትዕርራይ ክገብር ኣለኒ።

ዶክተር ክኸውን ዝወሰንኩላ መዓልቲ እኳ እንተዘይረገምኩ፡ ምምሃረይ ግን የጣዕሰኒ። እዚ ዅሉ ግዜን ጉልበትን ዘሕለፍኩሉ ናተይ ጌጋ እዩ፣ ለባም ውሳነ ኣይመስለንን።

ናብ ካልእ ሃገራት ከይዶም ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ኣዕሩኽ ኣለዉኒ።

ኣብዚ ንምብጻሕ ወፍሪ ገይረ ኣለኹ፤ 'መምህራነይ ደኺሞም ኣምሂሮምኒ' እናበልኩ ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ ኣይደለኹን።

ሕጂ ግን 100 ሚእታዊት ጌጋ ምንባሩ ተረዲኡኒ። እዚ ኣተሓሳስባይ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ተቐይሩ ኣሎ።

80፡ ከም ሓፈሻዊ ሓካይም ተመሪቕና። ሕጂ ልዕሊ 40 ካብኣቶም ካብ ሃገር ወጺኦም ኣለዉ። ካብቶም ዝተረፉ ስፔሻሊስትን ንኡሳን ስፔሻሊስትን ሓካይምና ልዕሊ 15 ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ተቘጺሮም ይርከቡ።

ሓሳባተይ ተገልቢጡ እዩ። ሕጂ ግን እቲ ሓቂ ይርደአኒ ኣሎ። ግን ደንጉየ ዘለኹ ኰይኑ ይስምዓኒ።

'ጫማይ እኳ ክቕይር ኣይከኣልኩን'

ኣነ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ፋርማሲስት እየ። ደሞዘይ ተቘራሪጹ ኣብ ወርሒ 7 ሽሕ ብር ይረክብ።

እዚ ደሞዝ እንተሃለወኒ እውን ክምርዖስ ይትረፍ፡ ጫማይ ክቕይር እውን ኣይክእልን እየ።

ካብ ደሞዘይ 70 ሚእታዊት ኣብ ክራይ ገዛ እየ ዘውዕሎ።

5000 ብር ክራይ ከፊለ 2000 ብር ጥራሕ ይተርፈኒ። ዘይቲ ምስ ገዛእኩ ንሽኮር ጥራይ እዩ ዝተርፈኒ። ደሞዘይ ዳርጋ ተወዲኡ ማለት እዩ።

ትራንስፖርት ኣሎ፣ መግቢ ኣሎ። ምቕያር ክዳን ከድሊ ይኽእል እዩ፤ ማሕበራዊ ህይወት ክህሉ ይኽእል እዩ። ነዞም ወጻኢታት ብናይ ተወሳኺ ሰዓት ክፍሊት (DUT) ክሽፍኖም ይፍትን ኣለኹ።

ኣነን ሕጽይተይን ንመርዓ ዕለት ኣቐሚጥና ኔርና፣ ብሰንኪ ገንዘብ ግን ተፈላሊና።

ስራሕ ምስ ረኸብኩ ንስድራይ ደዊለሎም ኣይፈልጥን፤ ዝረሳዕኩዎም እዩ ዝመስሎም።

ስድራይ ኣይርእን እየ፣ ካብ ዝዀነ ማሕበራዊ ህይወት እውን ተገዲብና ኣለና።

ተነጺለ ንበይነይ እየ ዝነብር ዘለኹ። ዋላ ከምኡ ይኹን ምስ ጥሜት ንቃለስ ኣለና።

ብሓጺሩ ውጥረት ኣብ ዝመልኦ ኵነታት እየ ዝነብር ዘለኹ።

ሓደ መዓልቲ ከም ገለ ኢለ ካብ መደብ ወጻኢ ዝተወሰነ ገንዘብ እንተኣውጺኣ፡ ወርሒ ምሉእ ህይወተይ ቅልቅላው እዩ ዝኣትዋ።

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መዓልቲ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ እየ ዝበልዕ፤ ብሽኮቲ በሊዐ ክውዕል እኽእል እየ።

መዓልታዊ ውዕሎይ፡ ብኣካልን ብኣእምሮን ድኻም ከይስምዓኒ ንግሆ ቡን እሰቲ፤ ሸውሃተይ እውን ተዓጽዩ እውዕል፣ ጨጓራይ ከይሓምም ምእንቲ ማይ እውን እሰቲ እየ።

ከባቢ ሰዓት 2፡00 ወይ ድማ ድፍእ ኣቢለ ሰዓት 3፡00 ኣቢለ እየ ዝበልዕ።

እዚ ድማ ናብ ድራር የብጽሓኒ።

ካብ ገዛ መግቢ ሒዘ እንተኸይደ፡ ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ክጸንሕ ስለ ዝኽእል ኣይኣኽለንን፣ ይበላሾ እዩ። እዚኣ እያ ህይወተይ።

'ወደይ ብሰንኪ መግቢ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ሓሚሙ'

ኣነ ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና መሕረሲት እየ። ሕጂ እውን እንተዀነ [ከባቢ ሰዓት 03:00 ንግሆ] ድሮ ሰለስተ ኣደታት ኣሕሪሰ ኣለኹ።

ግብሪ ምስ ከፈልኩ፡ ኣስታት 7,300 ብር ናብ ኢደይ ይኣቱ።

ካብ ደሞዘይ 35 ሚእታዊት ይቝረጽ።

ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ደሞዝ ብማእከላይ ገምጋም 6 ሽሕ ብር እረክብ።

በዓል ሓዳር እየ፣ ክልተ ቈልዑ ድማ ኣለውኒ። ንክራይ 9500 እየ ዝኸፍል። 4 ሽሕ ብር ተሪፉኒ ኣሎ። 2 ሽሕ ብር ንመጓዓዝያ የውፅእ። ዝተረፈ ድማ ኣነ እየ ነታ ስድራቤት ዝመርሓ።

ዝሓለፈ ፋሲካ፡ ጎረቤት ሓሪዱ እንክበልዕ ንሕና ግን ተደፊንና ኣሕሊፍናዮ።

ሓራስ ሰበይተይ ዝተመጣጠነ ኣመጋግባ ክትምገብ ነይሩዋ፤ እዚ እየ ከም በዓል ሞያ ዝምዕዶ።

እዚ ግን ንሰበይተይ ክገብሮ ኣይከኣልኩን፣ ክሓርደላ ኣይከኣልኩን፤ ብሽሮ እያ ሓሪሳ።

በዓልቲ ቤተይ ስራሕ ምስ ጀመረት ንጓለይ ጸባ ክገዝእ ግድን ነይሩ፣ ግን ኣይከኣልኩን።