'ሰዓት መዓልቲ ምጾታት' ዓለም ናብ ፍርቂ ለይቲ ትቃረብ

ትእምርቲ ሓደጋ ዕንወት ሰብኣውነት ዓለም ዝዀነት 'ሰዓት ምጾታት' ሓደ ካልኢት (ሰከንድ) ንቕድሚት ተደፊኣ፡ ናብ ፍርቂ-ለይቲ ተቓሪባ ይብሃል ኣሎ።

እንታይ ዓይነት ዜና'ዩ? ትብሉ ከምእትህልዉ ዘይተርፍ'ዩ፤፡ ሓቅኹም ኢኹም. . .ዝቕጽል ትሕዝቶ ግን እኹል መብርሂ ክዀነኩም ተስፋ ንገብር- ንቐጽል፤

እዛ ሰዓት ካብ ካልእ ሰዓታት ዝፈልያ፡ ኦቶማቲክ ዘይኮነትን ኣብ ኢድ ሰብ ዘይተኣስረትን፡ ኣብ መንደቕ ገዛ ዘይተሰቕለትን ሓንቲ ካልኢት ክትንቀሳቐስ ዓመታት ዝወስደላን ምዃና'ዩ።

'ሰዓት መዓልቲ ምጾታት' (ዱምሰደይ ክሎክ) ዓለም ተባሂላ ትፍለጥ ሰዓት ግን፡ ንዋዛን ምዝንጋዕን ዝተሰርሐት ወይ ዝዝረበላ ኣይኮነትን።

ብቐንዱ ምስ ኣቶሚያዊ (ኑክለሳዊ) ስግኣት ትተሓሓዝ'ያ። ኣብ ርእሲኡ'ውን፡ ንእከይ መዓላ ከገልግል ዝኽእል ምዕባለታት ምርምር ስነህይወት (ባዮሎጂ)፡ ኪነታዊ ብልሒ (AI)ን ክሊማዊ ለውጢ ዝበሉ ዘይተኣደኑ ብድሆታት ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወት'ያ።

ኲናት ዩክረይንን ግጭት ማእከላይ ምብራቕን (ብፍላይ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዘሎ ምትፍናን) ሓደጋ ምጥቃም ኑክሌራዊ ኣጽዋር ብሰክፍ መንገዲ ዘቃልሑ ምዕባለታት ዓለም'ዮም።

ስነህይወታዊ (ባዮሎጂያዊ) ይዅን ስነቀመማዊ (ከሚካላዊ) ኣጽዋራት እንተወሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዩክረይንን ሶርያን ተቐልቂሎም ነይሮም ዝብሉ ጸብጻባት'ውን ነቲ ሻቕሎት ዘዕበዩ ተኽእሎታት'ዩ።

ንገጽ ምድሪ ብዘየዳግም ከይድምስስን፡ ጸበባ ደቂሰባት ናብ ዝኸፍአ መልክዑ ከየዕርግን ዝስጋእ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ'ውን ድሮ ንዓለም ዘንቀጥቀጠ ቅልውላው ኰይኑ ይርከብ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ይዅን ካልኦት ቀዘፍቲ ሕማማት'ውን ኣብ ምንቅስቓስ ናይዛ ተፍርሕ ሰዓት ግደ ኣለዎም።

ስለዚ ድማ'ዩ በዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዓበይቲ ሓይልታትን ትድረኽ ሰዓት ብምዃና ኣቓልቦ ዓለም ስሒባ ዘላ።

ነዛ ትእምርታዊት 'ሰዓት መዓልቲ ምጾታት' ዝቈጻጸር 'ቡለቲን ኦፍ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ' (BAS) ዝተባህለ ትካል'ዩ።

ኣቦመንበር ቦርድ ሳይንስን ጸጥታን ናይቲ ቡለቲን ዳኒኤል ሆልዝ፡ እታ ሰዓት ብሓንቲ ካልኢት (ሰንከንድ) ምድፍኣ "ንመራሕቲ ዓለም ዝተዋህበ መጠንቀቕታ'ዩ" ይብል።

እቲ ቡለቲን፡ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ወግእ ዓለም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን (ሄሮሺማን ናጋሳኪን) ኣቶማዊ ቦምባታት ድሕሪ ምውዳቓ'ዩ ተመስሪቱ።

ንዕንወት ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝተዓዘቡ ሊቃውንቲ ፊዚክስን ካልኦት ተመራመርትን ንህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ሳዕቤናት ስነፍልጠት (ሳይንስን) ቴክኖሎጂን ንምርዳእ ዝወሰድዎ ተበግሶ ምንባሩ'ውን ይንገር። ሰዓት ምጾታት ድማ ኣካል ናይዚ ተበግሶ'ያ።

ኣብ 1947 ንፈለማ እዋን እታ ሰዓት ንፍርቂ-ለይቲ 7 ደቒቕ ጐደል'ያ ኰይና ተዳልያ። ፍርቂ-ለይቲ እንተበጺሓ እቲ ዝፍራሕ ምጾታት ዓለም በጺሑ ኣሎ ማለት'ዩ።

በብእዋኑ ድማ ከከምኵነታቱ ክትቅየር ጸኒሓ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብታ ዝነበረታ 90 ካልኢት (ሰከንድ) ኣይተቐየረትን።

እቲ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ናይታ ቡለቲን ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነታ ሰዓት ብሓደ ደቒቕ ናብ ፍርቂ-ለይቲ ክትጽጋዕ ምውሳንና ንጹር ምልክት ክንሰድድ ስለዝደለና'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

"ምኽንያቱ ዓለም ብዘፍርሕ ኵነታት ድሮ ናብ ሃው ዝበለ ጸድፊ ቀሪባ'ላ፤ ስለዚ ናይ ሓደ ካልኢት ምንቅስቓስ'ውን ከም መርኣያ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋን ዘየደናግር መጠንቀቕታን ክውሰድ ኣለዎ። ኣንፈት ንምቕያር ናይ ሓደ ካልኢት'ውን ዝግበር ምድንጓይ ንተኽእሎ መዓት ዓለም ዘበርኽ'ዩ"።

እቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ዩክረይን "ብሰንኪ ህዉኽ ውሳነ ወይ ዘይተሓስበ ሓደጋ ወይ ግጉይ-ቅመራ [ሚስካልኩሌሽን] ኣብ ዝዀነ ህሞት ኑክሌራዊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ዕቱብ መጠንቀቕታ ሂቡ።

"ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ግጭት ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ኰይኑ ብዘይ ዝዀነ መጠንቀቕታ ናብ ሰፊሕ ኲናት ከይሰግር የስግእ'ዩ።"

እቲ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ብዘይካ'ዚ "ዓለም ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ እተካይዶ ፈተነታት ኣብ ነዊሕ እዋን ምስተገምገመ ድኹም ምዃኑ'ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ። ምኽንያቱ፡ ንክሊማዊ ዋዒ ንምግታእ ብመንግስታት ክግበር ዝነበሮ ምወላ ገንዘብን ናይ ፖሊሲ ተበግሶታትን ስለዝፈሸለ" ክብል ነቒፉ።

ንስነህይወት ብዝምልከት ድማ ንፈለማ እዋን "ዝቕልቀል ዘሎን ዳግማይ ዝቕልቀልን ሕማማት ኣብ ልዕሊ ቍጠባ፡ ሕብረተሰብን ጸጥታን ዓለም ስግኣት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ" ኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝማዕበሉ ማእለያ ዘይብሎም ዘረግቲ ቴክኖሎጂታት ንዓለም ሓደገኛ ክትከውን ዝገብሩ'ዮም" ይብል።

"ኪነታዊ ብልሒ (ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝጥቀሙ ወተሃደራዊ ስርዓተ-ኣጽዋር ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም'ዮም፡ ሓያለ ሃገራት'ውን ኪነታዊ ብልሒ ኣካል ሰራዊተን ንምግባር ይንቀሳቐሳ ኣለዋ" ይብሉ እቶም ሊቃውንቲ።

እዞም ሓደጋታት እዚኦም "ነቲ ስግኣታት የራብሑ ምህላዎም'ዩ፥ ምዝርጋሕ ስኑዕ ሓበሬታ፡ መደናገሪ ሓበሬታን ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን (ኮንስፒራሲ ቲዮሪስ) ንስርዓተ-መራኸቢታት ዘራኸሱን ኣብ ሞንጎ ሓቅን ሓሶትን ንዘሎ መስመር ዘደብዘዙን" ምዃኖም'ውን እቲ ትካል ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን "ንዓለም ከዕንዋ እኩብ ዓቕሚ ኣለወን" ዝበለ እቲ ጕጅለ፡ ሰለስቲአን ሃገራት "ንዓለም ካብ ገምገም ጥፍኣት ከድሕናኣ መሪሕ ሓላፍነት ኣለወን" ክብል ገሊጹ'ሎ።