ካብ ጸጕሪ ዝተሰርሐ ሳሙና-ስኒ፡ ሮጾ ኣስናን ንምጽጋን ዘለዎ ፍሉይ ረብሓ

ምንጪ ስእሊ, King’s College London
ስነፍልጠተኛታት ኪንግስ ኮለጅ ለንደን ካብ ጸጕሪ ገዛእ-ርእስኻ ዝተሰርሐ ሳሙና-ስኒ ንኣስናን ከም ዝጽግንን ካብ ምብልሻው ከም ዝከላኸልን ገሊጾም።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ጸጕሪ፡ ቈርበትን ጸምርን ዝረኸቡዎ 'ኬራቲን' ንሮጾ ስኒ (ኢናመል) ክጽግንን ካብ ቀዳማይ ደረጃ ምብልሻው ክከላኸልን ከም ዝኽእል ኣረጋጊጾም።
ኬራቲን ብዋህዮታት ኣካላትና ዝስራሕ ተፈጥሮኣዊ ፕሮቲን እዩ።
እዚ ብዋህዮታት ኣካላትና ዝስራሕ ተፈጥሮኣዊ ፕሮቲን ዝዀነ ኬራቲን ኣብ ምራቕ ምስ ዝርከቡ ማዕድናት ምስ ዝራኸብ፡ ንኣቃውማን ስራሕን ተፈጥሮኣዊ ሮጾ ዝመስል መከላኸሊ ሽፋን ከም ዘፍሪ መጽናዕቶም ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኪንግስ ኮለጅ ለንደን ተመራማሪት ፒኤችዲን ቀዳመይቲ ኣመንጫዊት ሓሳብ ናይዚ መጽናዕትን ሳራ ጋሜያ፡ "ዛጊት ካብ ዝካየዱ ዘለዉ ሕክምናታት-ስኒ ለውጢ ዘምጽእ ኣማራጺ፡" ምዃኑ ገሊጻ።
ወሲኻ ድማ፡ "እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ መንጎ ስነህይወት (ባዮሎጂ)ን ሕክምና ስኒን ዘሎ ጋግ ዘራኽብ ኰይኑ፡ ንተፈጥሮኣዊ መስርሕ ዘንጸባርቕን ንዕቃበ-ኣከባቢ ዝምችእን ህይወታዊ ነገር (ባዮማተርያል) ይህብ፡" ኢላ።
"ካብ ከም ጸጕርን ቈርበትን ዝኣመሰሉ ስነህይወታውያን ብውሑስ መንገዲ ዝርከቡ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣብ ሕክምና ስኒ ዝዝውተሩ ዘለዉ ፕላስቲክ መምልኢ ኣስናን'ውን ክውገዱ ይገብር። እዞም መምልኢ ኣስናን፡ መርዛማትን ነዊሕ ዘይጸንሑን እዮም።"
ኬራቲን ኣብ ልዕሊ ስኒ ምስ ተለኽየ ምስቲ ብተፈጥሮ ኣብ ምራቕ ዝርከብ ማዕድናት ተራኺቡ፡ ንኣቃውማን ኣገልግሎትን ተፈጥሮኣዊ ኢናመል ዝመስል ኣዝዩ ዝተወደበን ክሪስታል መሰልን ቀጸላ ከም ዝፈጥር ኣብ ምርምሮም ረኺቦም።
እዚ ቀጸላ ምስ ግዜ፡ ካልሲየምን ፎስፌትን ኣዮናት ብምስሓብ ይቕጽል። እዚ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ስኒ መከላኸሊ ኢናመል መሰል ሽፋን ክዓቢ ከም ዝገብር ይሕብሩ።
ኣሲድ ዘለዎም መግብታትን መስተታትን ንጽሬት ኣፍ፡ እርጋንን ምብልሻውን ስኒ ኣበርክቶ ይገብሩ። እዚ ድማ እዩ ኣብ መወዳእታ ቃንዛ ስኒ ከምኡ'ውን ምስዳድ ዘስዕብ።
ዶክተር ሸሪፍ ኤልሻርካዊ፡ "ኢናመል ዘይከም ኣዕጽምትን ጸጕርን ኣይሕደስን፣ ሓንሳብ ምስ ተባሕጐገ ንዘልኣለም ይጠፍእ፡" ይብል።
"ባዮቴክኖሎጂ ካብ ምፍዋስ ምልክታት ሓሊፉ፡ ኣብ ኣካላትና ንዘሎ ነገራት ተጠቂሙ ተፈጥራዊ ኣገልግሎት ኣካላትና ክመልስ ዘኽእለና መሳጢ ዘመን ኢና ንኣቱ ዘለና።"

ምንጪ ስእሊ, King’s College London




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







