ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ኣብ ዝውሰዱ ስኑዓት መድሃኒታት መጠንቀቕታ ተዋሂቡ

ኦዘምፒክ ብቀንዱ ሕማም ሽኮር ዓይነት ክልተ ንዘለዎም ሰባት ይወሃብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሰባት ብብዝሒ ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ዝጥቀምሉ ዘለው ስኑዕ ‘ኦዘምፒክ’ ዝተባህለ መድሃኒት ዝምልከት ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቡ።

እዚ መድሃኒት፡ ቀንዲ ዕላምኡ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ምፍዋስ እኳ እንተዀነ፡ ሓሓሊፉ ግን “ስኪኒ ጃብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም ናይ ሓሶት መድሃኒታት ጥዕናዊ ሓደጋ ከስዕቡ ከም ዝኽእሉ'ዩ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ሰባት ነቲ መድሃኒት ብኢንተርነት ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ካብ ዝርከቡ ድሩት ሓበሬታታት ዘይኰነስ፡ ካብ ሰብ ሞያ ሕክምና ጥራይ ክረኽቡዎም መኺሩ።

ኣብ ኦዘምፒክ ዝርከብ ንጡፍ ንጥረ ነገር - 'ሴማግሉታይድ' - ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ኣብ ደሞም ዘሎ መጠን ሽኮር ንምቁጽጻር ይሕግዝ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ሰሙናዊ ብመርፍእ ዝወሃብ መድሃኒት መግቢ ከምዝጸገብና ናብ ሓንጎል መልእኽቲ ይሰድድ። ስለዚ እቲ መድሃኒት ሰባት መግቢ ናይ ምብላዕ ድሌቶም ብምንካይ ክብደቶም ክንኪ ይሕግዞም።

ሕማም ሽኮር ዘይብሎም ሰባት ከም መድሃኒት ክብደት ሰብነት ምጕዳል ክጥቀምሉ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ድማ፡ እቶም ሕማም ዓይነት 2 ሽኮር ዘለዎም ሰባት ሕጽረት ቀረባት ክገጥሞምን ንስኑዕ መድሃኒታት ዕዳጋ ክፍጠርን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ዝዓቢ ዘሎ ዝርግሐ ስኑዕ መድሃኒታት ኦዘምፒክ ክከታተል ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።

ሰብ መዚ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ብራዚልን እውን ገለ ካብዞም መድሃኒታት ኣብ ቁጽጽር ከውዕሉ ክኢሎም።

ንጥዕና ሓደጋ ዝዀነ ኦዘምፒክ

“ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና፡ ተቘጻጸርቲ ኣካላትን ህዝብን ብዛዕባ እዞም ስኑዓት መድሃኒታት ግንዛበ ክህልዎም ንምዕድ” ይብል ሓጋዚ ዳይሬክተር ኣገደስቲ መድሃኒታትን ፍርያት ጥዕናን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዀነ ዶክተር ዩኪኮ ናካታኒ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ገለ ስኑዓት መራፍእ ፈጺሞም ‘ሴማግሉታይድ’ ዘይክህልዎም ወይ ከም ኢንሱሊን ዝበሉ ካልኦት መድሃኒታት ዝሓዙ ክዀኑ ስለ ዝኽእሉን እዚ ድማ ክትግምቶ ዘይትኽእል ሳዕቤን ከም ዘምጽእን ኣጠንቂቑ።

“እዞም ናይ ሓሶት ቀረባት ኣብ ጥዕና ሰባት ጐዳኢ ሳዕቤን ክህልዎም ይኽእል’ዩ” ይብል እቲ ትካል።

ተቘጻጻሪ መድሃኒት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ (2023) ብርክት ዝበሉ ስኑዕ ኦዘምፒክ ከም ዝሓዘ ተገሊጹ።

እዚኦም፡ ኣብ ኦስትርያን ጀርመንን ካብ ዝርከቡ ሕጋውያን ኣቕረብቲ ዝመጽኡን ሓቀኛ መዐሸጊ እቲ መድሃኒት ዝነበሮምን’ዮም ተባሂሉ።

ዋና ሓላፊት ድሕነት ናይቲ ትካል ዶክተር ኣሊሰን ኬቭ፡ “ካብቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብኢንተርነት ዝነግዱ ኣቕረብቲ ሴማግሉታይድ ምግዛእ፣ ስኑዓት ወይ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንክውዕልሉ ፍቓድ ዘይብሎም ፍርያት ናይ ምርካብ ሓደጋ ብዓቢኡ ይውስኽ” ከም ዘሎ ሓቢራ።

ከምዚ ዓይነት ፍርያት ምጥቃም ድማ “ንጥዕናኻ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል'ዩ” ትብል።

ብፍሉይ ክብደት ሰብነት ንምጕዳል ዝተዳለወ ‘ዌጎቪ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ስሪት ኦዘምፒክ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤንኤችኤስ ብዘለው ሰብ ሞያ ጥራይ እዩ ዝወሃብ።