እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቢቢሲ ዘካይዶ ውድድር ሽልማት ጋዜጠኝነት ኣፍሪቃ 2023 ተጀሚሩ
እዚ ንመበል ሻምናይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ሽልማት ቢቢሲ ኒውስኮምላ ዱሞር፡ ኣብ ጋዜጠኝነት ኣፍሪቃ ዝዓቢ ዘሎ ኮኾብ ጋዜጠኛ ኣፍልጦ ዝረኽበሉ ስነስርዓት እዩ።
ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ኣብታ ኣህጉር ንዝርኣዩ ሓደስቲ ተውህቦታት ንምልላይን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ሽልማት ከመልክቱ ተዓዲሞም ኣለዉ።
እቲ ተዓዋቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኰይኑ ካብዚ ክእለትን ተመኵሮን ከም ዝረክብ ይእመን።
ተወዳደርቲ፡ ክሳዕ ዕለት 14 ለካቲት 2023 ሰዓት 23፡59 GMT ከመልክቱ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ’ሎ።
እዚ ሽልማት ነቲ ኣብ 2014 ኣብ መበል 41 ዓመት ዕድመኡ ሃንደበት ዝዓረፈ ፍሉይ ጋናዊ ጋዜጠኛ ፈነወ መደብ ቢቢሲ ዎርልድ ኒውስ ኮምላ ዱሞር ንምዝካር ዝተመስረተ እዩ።
ሰይቲ ዱሞር ዝዀነት ክዋንሰማ ዱሞር፡ በዓል ቤታ ኣብ ቢቢሲ ብዘሕደሮ ጽልዋ "ከም ትሕበን" ብምግላጽ፡ ስድራኣ ብመገዲ እቲ ሽልማት "ስለ ዝዝክሮ" ንቢቢሲ ከም ዘመስግን ሓቢራ።
ቢቢሲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩን ዝሰርሑን ጋዜጠኛታት ኣብቲ ብሉጻት ተውህቦ ጋዜጠኝነት ንምልላይን ንምጽንባልን ዝዓለመ ሽልማት ክሳተፉ የተባብዕ ኣሎ።
እቲ ዕዉት ሕጹይ ስልጠና ካብ ምቕባል ሓሊፉ፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ብምኻድ ዛንታ ጸብጻብ ናይ ምድላው ዕድል ክረክብ እዩ፤ እቲ ጸብጻብ’ውን ናብ ዓለማዊ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ክቐርብ እዩ።
እቲ ድልዱልን ዳይናሚክን ጋዜጠኝነት ብምድጋፍን ዛንታታት ኣፍሪቃ ብዅለመዳያውን ሓቀኛን መንገዲ ንምጽብጻብ ብዝገበሮ ተወፋይነት ዝፍለጥ ዱሞር፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካልእ ክፋል ዓለምን ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ።
ቢቢሲ፡ በቲ ሽልማት ኣቢሉ ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ንዓለምለኻዊ ተኸታተልቲ ተበጻሒ ብምግባር ሕድሩ ንምቕጻል ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ዛምብያዊ ኣቕራቢ ተሌቪዥንን ሪፖርተርን ዲንጊንዳባ ጆና ቡዮያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲ ነይሩ።
ቡዮያ፡ "ኮምላ ዱሞር ንዓይ መነቓቕሒ እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ነቲ ሽልማት ምዕታርን ኣብ ሕድሩ ምክፋልን ክብሪ'ዩ" ኢሉ።
"ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ኣብቲ ሽልማት ከመልክቱ እላቦ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዛንታታት ንምንጋር ዘድሊ ክእለት ዝያዳ ንምምዕባል ዓቢይ ዕድል'ዩ።"
ላዕለወይቲ ተቘጻጻሪት ቢቢሲ ኒውስ ኢንተርናሽናል ሰርቪስስ ሊልያን ላንዶር፡ "እቲ ሽልማትን ተዓወትቱን፡ ኮምላ ንዛንታታት ኣፍሪቃ ብዕምቈትን ብቕንዕናን ንምንጋር ዝነበሮ ተወፋይነት ዝምስክር'ዩ" ኢላ።
ዱሞር፡ ኣቕራቢ መደብ ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ዝነበረ ኰይኑ፡ እቲ መደብ ቢቢሲ ንፈለማ እዋን ንኣፍሪቃውያን ተኸታተልቲ ዝቐርብ መዓልታዊ መደብ ዜና ቲቪ እንግሊዝኛ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ምስ ቻነል ኒውስ ቢቢሲ ብምውህሃድ 24 ሰዓታት ዝሰርሕ ኣገልግሎት ዜና ክኸውን እዩ።
ኣብ ትውልዲ ዓዱ ጋና ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፈነወ ጋዜጠኝነት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2007 ናብ ቢቢሲ ተጸንቢሩ፣ ኣብ ቢቢሲ ድማ ብሉጽ ጋዜጠኛ ጋና ዝብል ሽልማት ተዓዊቱ’ዩ።
ዱሞር ኣብ 2013 ኣብ መጽሔት ኒው ኣፍሪቃ ካብ ዝተኻተቱ 100 ጽልዋ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ሓደ ከም ዝዀነ’ውን ይዝከር።