ቢንያም ግርማይ ምስ ሓደ ካብ ዋናታት ሓዳስ ጋንታኡ ዝዀነ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ኣንድረየስ ኢንየስታን ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ክለብ ባርሴሎናን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ዕዉት ናይ ጸወታ ግዜኡ ምስ ዘሕለፈ ኣንድረስ ኢንየስታ ሓድሽ ምዕራፍ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤንኤስኤን ንምብሳር ኣብ ዝተገብረ ኣጋጣሚ ተራኺቡ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ባርሴሎና ዝተኻየደ ጽንብል ኣካየድቲ ጋንታን ተቐዳደምትን ተረኺቦም ነይሮም።
ካብ ክለብ ኣስቤኮ - ሓንቲ ካብ ዝዓበያ ጋንታታት ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ - ነቒሉ ኣብ ውድድራት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዓቕሙ ዘርአየ ቢንያም፡ ኣብ ነሓሰ 2021 ናብ በልጁማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ካብ ዝጽንበር ኣትሒዙ ኣብ ዓበይቲ መደረኻት ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ክደምቕ ተራእዩ።
ምስዛ በልጁም ዝመደበራ ጋንታ ብምዃን ከኣ ሰልስተ መድረኻትን ቀጠልያ ማልያን ዙር ፈረንሳ፡ ሓደ መድረኽ ዙር ኢጣልያ፣ ከምኡ'ውን ናይ ክላሲክን ክልኦትን ዓወታት ድሕሪ ምጕንጻፉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት ካብኣ ተፋንዩ ናብ ኤንኤስኤን ከም ዝተጸንበረ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ጸወታታት ኵዕሶ እግሪ ጫማኡ ዝሰቐለ ተዓዋቲ ዋንጫታት ዓለምን ኤውሮጳን፡ ላ ሊጋ ስጳኛን ቻምፕዮንስ ሊግን ዝዀነ ኣንድረስ ኢንየስታ ሓደ ካብ ዋናታት ናይዛ ሓዳስ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤንኤስኤን እዩ።
ኢንየስታ፡ ኣብቲ ዕዉት ቀጠልያ ማልያን ሰለስተ መድረኻትን ዙር ፈረንሳ- ቢንያም ግርማይ፡ ዝተረኸበሉ ድግስ፡ ሓዳስ ክለቡ ኣብ ብዙሕ መዳያት "ትርጕም ዘለዋ፡" ምዃና ገሊጹ።
"እዚ ሓድሽ ስጕምቲ ብብዙሕ ደረጃታት ትርጕም ዘለዎ'ዩ። ብዛዕባ ስፖርት ጥራሕ ኣይኰነን - ብዛዕባ ኵሉ ኣብ ዙርያ ስፖርት ዘሎ'ዩ - ክብርታት፡ ፍናን፡ ማሕበረሰብ [ስፖርት]፡" ኢሉ።
"ኣዝየ ተነቓቒሐን ተመሲጠን ኣለኹ። ኣካል ናይዚ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸውን ድማ ሃንቀውታ ኣሎኒ።"
ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 መዐወቲት ሸቶ ዘመዝገበን ክልተ ሳዕ ሻምፕዮና ኤውሮጳ ዝዓተረን ኢንየስታ፡ ኣብ 2018 ምስ ነጋዳይ ጆኤል ቦራስ ብምዃን Never Say Never (NSN ) ዝተሰምየ ኣብ ስፖርትን ምዝንጋዕን ዝነጥፍ ትካል መስሪቱ።
ኣቐድም ኣቢላ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ብዝብል ስም ክትቀዳደም ዝጸንሐት ጋንታ፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ ተደጋጋሚ ተቓውሞታት፡ ስማ፡ ምሕደርኣን ምወልኣን ቀዪራ እያ ኤንኤስኤን ብዝተሰምየት ጋንታ ተቐልቂላ ዘላ።
ነቲ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ዓወታት ክጓናጸፍ ዝጸንሐ ናይ ሽኳ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ጸንቢራ ድማ ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ዝበለቶ ንምብሳር ኣብ ባርሴሎና ንዅሎም ኣባላታ ጠርፊፋ መደብ ሰሪዓ።
እዛ ኣብ ስዊዘርላንድ ፍቓድ ኣውጺኣ ኣብ ስጳኛ ልምምዳት እትገብር ኤንኤንኤስ፡ ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ርዋንዳ መሰልጠኒ ማእከል ከፊታ ነይራ'ያ።
ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ዝርከብ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሕቝፋ ምእታዋ ከኣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 2023 ኣትሒዛ ዝጀመረቶ ፕሮጀክት ዝያድ ድምቀት ዝህ እዩ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ጋንታ ኤንኤስኤን ክጀል ካርልስትሮም ንምምጻእ ቢንያም ናብ ጋንታኦም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንቢንያም ናብ ጋንታና ንምቕባል ኣዚና ተሃንጢና ኣለና። ዓመተ 2026 ንጋንታናን ንብንያም ግርማይን ሓድሽ ምዕራፍ ክትከውን እያ፡" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ወዲ 25 ኦሎምፒያዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ብምህላወይ ናብ ብሓቂ ሕጉስ እየ፣ ብፍላይ ንዓይን ነዛ ጋንታን ናብ ሓድሽ ሃዋሁን ሓድሽ ምጅማርን ንኣቱ ስለ ዘለና። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጋንታ ጽቡቕ መንፈስ ክህልወኒ ደስ እብለኒ። ድሮ ካብ ሓደስቲ ደቂ ጋንታይ ብዙሕ እወታዊ ነገራት ሰሚዐ ኣለኹ። ክልተ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስብ እንከለኹ፡ እዛ ጋንታ እምብዛ ተመሓይሻ እያ። ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ናይ ጋንታ መንፈስ ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣንድረ ኢንየስታ ኣብቲ ናይ ምብሳር ሓድሽ ምዕራፍ ጋንታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ናብ ቅድድም ብሽክለታ ብዕምቈት ጥሒለ፡ ዝያዳ ክመሃርን ነፍስወከፍ ተቐዳዳማይ ንዘካይዶ ዓቢይ ስራሕ ከድንቕን ተሃንጥየ ኣለኹ፡" ኢሉ።
"ዕላማ እታ ጋንታ ንጹር እዩ፤ ኣብ ቀጻሊ ዕብየት ምህላው፡ ነቲ ጕዕዞ ምስትምቓር፡ ከምኡ'ውን ውህድቲ ጋንታ እትጓናጸፎ ዓወታት ምርኣይ። ምኽንያቱ፡ ኣብ መወዳእታ ሓደ ተቐዳዳማይ ዝዕወት እኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝገልጸና ግን እቲ እነካይዶ ሓባራዊ ጻዕሪ እዩ።"
ኤንኤስኤን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ከም ዙር ፈረንሳ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ክትወዳደር ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







