ቀንዲ ጠንቂ ሞት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ’ዩ?

ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕማም ልቢ ኣብ መላእ ዓለም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ይዅን’ምበር ሕማም ልቢ ዝምልከት መርመራን ሕክምናን ግን ትሑት ከም ዝዀነ ይንገር።

ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ጋልወይ ኣማኻሪት ዶክተር ሱዛን ኮኖሊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሓደጋታት ሕማም ልቢ ክፈልጣ ወሳኒ ምዃኑ ትገልጽ።

ብዓቢኡ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝጸሉ ዝብል ኣረኣእያ ክጠፍእ ከም ዘለዎ ወሲኻ ትዛረብ።

ብሰንኪ ኣብ እዋን ብትከተ-ጽግያት ዝህሉ ለውጢ ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም ሓደጋ ክውስኽ ከም ዝጅምር’ያ ዶክተር ኮኖሊ ትሕበር።

"ቅድሚ ብትከተ-ጽግያት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሕማም ልቢ ክጥቃዓ ዘሎ ተኽእሎ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ዝተሓተ'ዩ፡ ድሕሪኡ ግን ብቕልጡፍ ይቀራረብ። ምኽንያቱ፡ ኢስትሮጅን ዝተበሃለ ብሓቂ ንልቢ ዝከላኸል ሆርሞን ስለዝንኪ ከም ዝዀነ ይግመት" ትብል።

ዶክተር ሳንድራ ማክኒል፡ ኣማኻሪት ሓኪም ማህጸን ኰይና ኣብ ሕማማት ልብን ስርዓተ ደምን እያ ተተኩር።

ንሳ ዝመርሓቶ ኣብ ለንደንደሪ ዝተኻየደ ኣኼባ ብትከተ-ጽግያት፡ ብዛዕባ ኢስትሮጅንን ሕማም ልቢ ደቂ ኣንስትዮን ብዝምልከት ዘትዩ ነይሩ።

ዶክተር ማክኒል፡ ሆርሞን ኦስትሮጅን ኣብ ምክልኻል ልቢ ዝጻወቶ ተራ ተብርህ።

ደቂ ኣንስትዮ ብትከተ-ጽግያት ክጅመረን ከሎ ዝበለጸ ኵነታት ጥዕና ክህልወን ከም እተተባብዕ’ያ ትዛረብ።

እዚ ድማ ሽጋራ ዘይምትካኽ፡ ክብደተን ምሕላው፡ ኣልኮላዊ መስተ ዘይምውሳድን ምንቅስቓስ ኣካላትን ምዝውታርን የጠቓልል።

"ብልምዲ ጸገም ልቢ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ከም ዘጋጥም ክንገር ጸኒሑ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ከምኡ ኣይኰነን።"

"ደቂ ኣንስትዮ ክሳዕ ብትከተ-ጽግያት ብውሱን መንገዲ ብኦስትሮጅን ይሕለዋ እየን" ትብል።

"ድሕሪ ብትከተ-ጽግያት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኦስትሮጅን ምስ ዝንኪ፡ ጥዕና ልብና ከም ደቂ ተባዕትዮ ንሓደጋ ክቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ፤ እቲ ሕማቕ ነገር ድማ ብጐዳኢ መንገዲ ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝዛይድ ይኽእል።"

ዶክተር ሳንድራ ማክኒል፡ ኢስትሮጅን ኣብ ጥዕና ልቢ ተራ ከም ዘለዎ ተስምር
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሳንድራ ማክኒል፡ ኢስትሮጅን ኣብ ጥዕና ልቢ ተራ ከም ዘለዎ ተስምር

"ከምቶም ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝረኣዩ ምልክታት ዘይክህልወና ይኽእል'ዩ" ብምባል ደቂ ኣንስትዮ ነቶም ልሙዳት ምልክታት ሕማም ልቢ ዘይምርኣየን ሓደጋ ኣይከጋጥመንን ማለት ከም ዘይኰነ ተረድእ።

"ኣብ ድሕሪ ብትከተ-ጽግያት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ከጋጥመን ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ከምዚአን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት'ዩ።"

ደቂ ኣንስትዮ ናብ እዋን ብትከተ-ጽግያት ክጽግዓ ከለዋ፡ መጠን ሆርሞን ኢስትሮጅን ክብ ለጠቕ ይብልን ከምኡ’ውን ይንኪን።

ፍወሳ ምትካእ ሆርሞን፡ ኣብ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ንዝህሉ መጠን ኢስትሮጅን ንምዕባይን ከም ረሃጽ ለይቲ፡ ጭንቀትን ቃንዛ መላግቦን ዝኣመሰሉ ምልክታት ብትከተ-ጽግያት ንምቅላልን ክሕግዝ ይኽእል።

ብተወሳኺ ፍወሳ ምትካእ ሆርሞን፡ መስበርቲ ዓጽሚ ኣብ ምክልኻል እውን ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ እውን ከም መከላኸሊ ሕማም ልቢ ይሕግዝ።

ሚስ ዳን፡ ካርዲዮማይዮፓቲ - ሕማም ጭዋዳ ልቢ - ኣለዋ፤ ንሳ፡ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጥዕና ልበን ንጡፋት ክዀና’ያ ተተባብዕ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ መርመራ ዓይኒ ወይ እዝኒ ከም ዝገብራ እትገልጽ ሚስ ዳን፡ ኣዒንቲን ኣእዛንን "ከክልተ ኣለና - ሓደ ልቢ ግን ሓንቲ እያ" ትብል።

ደቂ ኣንስትዮ ንነብሰን ቀዳምነት ክህባ ድማ ተተሓሳስብ።

"ገለ ዘሻቐለክን ነገር እንተሃልዩ፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ኣይትተዓቀባ።"

ዶክተር ሱዛን ኮኖሊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሓደጋ ሕማም ልቢ ክነቕሓ ከምዘለወን ትገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሱዛን ኮኖሊ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሓደጋ ሕማም ልቢ ክነቕሓ ከምዘለወን ትገልጽ

ቀንዲ ጠንቂ ሞት ደቂ ኣንስትዮ?

ዶክተር ሱዛን ኮኖሊ፡ ብፍላይ ከተጉልሖ እትደሊ ነገር ከም ዘሎ ትገልጽ።

"ደቂ ኣንስትዮ ድሒረን ናብ መረመራ ዝቐርባሉ ምኽንያት፡ ወቕዒ ልቢ ከምዘጋጠመን ስለዘይተረድኣ፡ ነብሰን ኣብ ሓደጋ ከም ዘላ ስለዘይተረድኣ እየን።”

"ኣብ ዓለም እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ደቂ ኣንስትዮ'ዩ" ብምባል ንሕማም ልቢ ትዅረት ክገብራሉ ትላቦ።

"ቍጽሪ ብሕማም ልቢ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብተን ብመንሽሮ ጡብ ዝሞታ ብዕጽፊ ይዛይድ፤ ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሓደጋ ሕማም ልቢ ክፈልጣ ወሳኒ'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ እዋን ብትከተ-ጽግያት ክውስኽ ይጅምር።"

ከምኡ’ውን ዝሓሸ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ከም ዘለወን ከረጋግጻን ልበን ክከናኸና ዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ፡ መጠን ኮለስትሮለን ክከታተላ ድማ ትምዕድ።