'ኣብ ትሕቲ ድልድል ካብ ዝድቅስ 30 ዓመት ገይረ'

ዳርጋ ንፍርቂ ዕድሚኡ፡ ኣብ ትሕቲ ድልድል ዝነብር ዘለ ሊያው ሳዓዱ፡ ንነብሱ ከም "ዋርድያ" ናይቶም ኣብኡ ዝተጸንበሩዎ ካልኦት ብዙሓት ገዛ ዘይብሎም ሰባት ገይረ ይርእያ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 60 ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝተኣሳሰረ ‘ግዳም-ሓደር’ ይነብሩ - ኣብ ትሕቲ ጽዑቕን ጫውጫው ዝበዝሖን ድልድል ኦባለንደ። ዋላ ዳስ ምክራይ ንዓኣቶም ዝኸብድ እዩ።
ሳዓዱ ነቶም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ርሑቕ ከተማታትን ዓድታትን ዝመጹ ሓደሽቲ መናእሰይ- ኣብታ ኣብ ገበንን ሓሽሽን ክትወድቕ ቀሊል ዝኾነላ ከባቢ ሌጎስ፡ ከመይ ጌርካ ኣብ ጎደናታት ክትነብር ከም እትኽእል ይምዕድ።
“ኣነ ወዲ 60 ዓመት እየ፡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ወይ ቅድሚ ገለ ዓመታት ናብዚ ዝመጹ መንእሰያት ኣለዉ። ምምራሕ ከም ሓላፍነተይ እየ ዝሪኦ” ክብል ንቢቢሲ ይዛረብ።
“ኣብዚ ኣብ ሌጎስ ህይወትካ ናብ ዘይተደለየ መገዲ ክትመርሓ ኣዝዩ ቀሊል እዩ፡ ብፍላይ መንእሰያት ዝከታተሎም ስድራቤት ስለዘየለ።”
ንዕኡ ሓዊሱ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ እቲ ድልድል ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ብብዝሒ ዝዝረብ ቋንቋ ሃውሳ ይዛረቡ።
ንሱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ግዝኣት ዛምፋራ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዙርሚ ኣብ 1994 እዩ መጺኡ።
ኩሎም እቶም ሽዑ ዝፈልጦም ኣዕርኽቱ ግን ሕዚ የለውን፡ ሞይቶም ወይ ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሶም እዮም።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ድልድል ምንባር ዝጀመረ ቱኩር ጋርባ፡ ምኽሪ ሳዓዱ ብዋጋ ዘይትመን ምዃኑን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ድማ ዓቢ ኣኽብሮት ከም ዝወሃቦ ይዛረብ።
እዚ ወዲ 31 ዓመት መንእሰይ፡ ካብታ ኣስታት 1000 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ርሑቕ ሰሜናዊት ግዝኣት ካትሲና እዩ ወሪዱ።
“ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጸንሐ ከም ዓቢ ሓውና ኢና ንርእዮ። ኣብ ሌጎስ ኣብ ገለ ሕማቕ ነገር ክትኣቱ ቀሊል ስለ ዝኾነ ካብኡ ናይ ጥበብ ቃላት ክንሰምዕ ንህንጦ” ይብል።
እቲ ከባቢ ሕጂ "ካርካሺን ጋዳ" ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ፡ ብቋንቋ ሃውሳ "ኣብ ትሕቲ ድልድል" ማለት እዩ።
"እቶም ናብዚ ዝመጹ ሰባት ኣብዚ ዝጸንሕ ሰብ ይፈልጡ ወይ ድማ ብዛዕባ ካርካሺን ጋዳ ዝነገሮም ሰብ ኣሎ" ይብል ሳዓዱ።
"ናብዚ ክመጽእ ከለኹ፡ ትሕቲ 10 ሰባት ነይሮም።"
ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ጥቓ ካርካሺን ጋዳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ኣፓርታማ ዝነብር ኣዳሙ ሳሃራ፡ ኣብ ሌጎስ ግዳም-ሓደርነት ይውስኽ ከምዘሎ ይዛረብ።
"ብጉጅለታት ጅሃዳውያን ዝፍፀም ዓመፅን ዝፈሸለ ቁጠባን ብዙሓት ሰባት ካብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ክሃድሙ ገይርዎም'ዩ" ይብል ሳሃራ።
“መራሕቲ ናይጀርያ ነቲ ጸገም ክእርምዎ ምእንቲ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ክፈልጡ ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ዝዀነ ፍጡር-ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ድልድል ክድቅስ ኣይግባእን”።

እቲ ኣብ ካርካሺን ጋዳ ንነዊሕ ግዜ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ’ቲ መቦቆሉ ዓዲ፡ ዝኰነ ቁጠባዊ ዕድላት ስለዘየሎን፣ ጭውያታትን ሽፍትነትን እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ናብ ዛምፋራ ናይ ምምላስ መደብ የብሉን።
እዚ ድማ ብዙሓት ጕጅለታት፡ ጅሆ ሒዞም ኣብ ሓደጋ ስለዘእትዉዎም፡ ንግዳዊ ንጥፈታቶምን ሕርሻታቶምን ክገድፉ ኣገዲዱ ኣሎ።
ሳዓዱ ብዝተኻእለ መጠን ህይወቱ ምቹእ ንምግባር፣ ፍራሽ፣ ገለ ዓራት፣ ዕንጨይቲ ካቢነን መከላኸሊ ጣንጡን ኣጥርዩ’ሎ።
ነቲ ፍራሽ ኣብ ልዕሊ እቲ ካቢነ ኣንፁፉዎ ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊኢ እዩ ዝድቅስ።
እግዚኣብሄር ይመስግን፡ ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ስርቂ ውሑድ እዩ።
ኩሎም ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ህዝባዊ መሕጸቢ ኣካላትን ሽቓቕን ይጥቀሙ፡ ንሓደ ግዜ 100 ናይራ (0.06 ዶላር) ይኸፍሉ።
ምብሳል ምግቢ ዀነ ባርዕ፡ ኣብ ካርካሺን ጋዳ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ነበርታ ካብቶም እናዞሩ ዝሸጡ እዮም ዝዕድጉ።
ሚስተር ሳ’ኣዱ ኣብ ሌጎስ ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ካብ ጫማ ምውልዋል፡ ናብ ሸያጢ ስክራፕ-ሜታል ምዃን ክብ ኢሉ ኣሎ።
ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 5000 ናይራ (3 ዶላር) ዝረክብ ኮይኑ፡ ብህይወት ንኽነብር ግን እኹል ኣይኮነን።
"ኣብ ሰሙን ናብ ዛምፋራ ተመሊሰ ናብ ስድራይ ገንዘብ ክሰድድ ኣለኒ፡ ስለዚ ፅንኩር ቃልሲ'ዩ" ይብል ሚስተር ሳ’ዱ።
ኣብ ጎደናታት ሌጎስ ክንደይ ሰባት ግዳም ሓደር ከምዝዀኑ ንጹር መረዳእታ'ኳ እንተዘየለ፡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ግን ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ከምዝበጽሕ ይግምቱ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ማሕበረሰብ ካርካሺን ጋዳ ካብ ሓይሊ ዕማም ከባቢ ክልል ሌጎስ ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶ ኣሎ።
ሓለፍቲ እቲ ከባቢ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብኡ ይነብሩ ኣለዉ ስለዝበሉ ሓሓሊፎም የገፍዕዎም እዮም።
መንግስቲ ርህራሄ ከርኢ፡ ከምኡ'ውን "ከማና ዝኣመሰሉ ድኻታት ጽቡቕ መነባብሮ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ክሓስበሉ" ይላቦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







