እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያ ብውሕዱ 17 ተመሃሮ ብሓደጋ ባርዕ ሞይቶም
ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 17 ተመሃሮ ከም ዝሞቱ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ሓቢሩ። ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
እቶም ግዳያት ኣብ ማእከላይ ዞባ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ'ዮም።
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ መደቀሲኦም እንተከለዉ'ዩ እቲ ባርዕ ተወሊዑ።
እቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 12 ዘለዉ ቆልዑ ዘአንግድ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ባርዕ ኣብ ዝተወለዓሉ ልዕሊ 150 ተመሃሮ ኣብቲ ቦታ ምንባሮም ጸብጻባት ሓቢሮም።
ጠንቂ ናይቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
"ዘስካሕክሕ" ባርዕ ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ መርመራ ክግበር ኣዚዙ'ሎ።
"እቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ወገናት ክሕተቱ'ዮም" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
መርመርቲ ነቲ ኩነታት ንምጽራይ ናብቲ ቦታ ከይዶም ከምዘለዉ ፖሊስ ሓቢሩ።
ዝበዝሐ ክፋል እቲ ህንጻ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ብምባሩ እቲ ሓዊ ቀልጢፉ ክላባዕ ከም ዝኸኣለ ድማ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።
እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት "ክልለ ክሳብ ዘይክእል" ከምዝተቓጸለ ኣፈኛ ፖሊስ ረዚላ ኦንያንጎ ንኤ-ኤፍ-ፒ ተዛሪባ።
"እቲ ኩነታት ምስ ሃድአ ተወሳኺ ሬሳታት ክርከብ ተኽእሎ ኣሎ" ከም ዘሎ'ውን ኣመልኪታ።