ብኣጋጣሚ ምልክት ፋሽን ዝኾነትን ዝና ዝረኸበትን እኖሓጎ ካብ ገጠራት ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
ኣብ ገጠራት ዛምብያ እትነብር እኖሓጎ ብኣጋጣሚ፡ ምልክት ፋሽንን ኣጀንዳ ኢንተርነትን ኮይና ኣላ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ፋሽን ካብ እትነጥፍ ጓልወዳ ንዝቐረበላ ሕቶ ተቐቢላ ክዳውንቲ እናቐያየረት ክትረአ ድሕሪ ምስምማዓ’ዩ።
ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ማግሬት ቾላ፡ ምስ ዓለም "ለጀንዳሪ ግላማ" ብዝብል’ያ ተላልያ። ልዕሊ 225 ሽሕ ተኸታተልቲ ኢንስታግራማ ድማ ብዘደንቕን ጸወታ ዝመልኦን ምርኢት ፋሽን ዘርእዩ ስእልታታ ይፈትውዋ።
ሚስ ቾላ "ነዞም ክዳውንት ክኽደን ከለኹ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተሰምዓኒ መንገዲ ፍልይ ዝበለ ስምዒት ይስምዓኒ። ሓድሽን ህያውነትን ይስምዓኒ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓደ ግዜ ዝቐርብ ምርኢት፡ ጓልወዳ ብዝዀነት ዲያና ካውምባ ዝተብሃለት ኣብ ኒውዮርክ እትነብር በዓልቲ ሞያ ፋሽን’ዩ ኣብ 2023 ተጀሚሩ።
እዚ ሓሳብ ዝመጽኣላ ድማ ኣብ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ሞት ኣቦኣ ክትርከብ ናብ ዛምብያ ክትበጽሕ ከላ ነይሩ። ኣቡኣ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ኣከዳድና ይኽደንት ስለዝነበረ ንፋሽን ዘለዋ ፍቕሪ ከምዘነቓቕሖ ትዛረብ።
ሽዑ ንዝኽሪ ሞት ኣቡኣ ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን ንዓባያ ካብ መንጎ’ቶም ብጥንቃቐ ዝተሰርሑ ኣልባሳታ ተኸዲና ክትፍትን ድልየት እንተሃልይዋ ሓተተታ።
መልሲ እኖሓጓኣ [‘ምቡያ’ ብቋንቋ ቤምባ] “ከምኡ ክገብር እንተደሊኽኒ ጸገም የለን'" ዝብል ነበረ።
ኣስዒባ "ምስ ሞትኩ ክትናፍቕኒ ኢኺ፤ ስለዚ እንተወሓደ በዚ መንገዲ ክትዝክረኒ ኢኺ" በለታ ንጓልጓላ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
ሽዑ ንገለ ካብቶም ውሕልናን ዘመናውነትን ብዝተመልኦ መገዲ ዝተሰርሑ ኣልበሳት ክትኸድና ጀመረት።
"ምቡያ ዝለዓለ ፋሽን ክትለብስ ጽቡቕ'ዩ ኢለ ሓሲበ። ካብኡ ኣብቲ እትነብረሉ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ስእልታት ክስእላ መሪጸ” ክትብል ካውምባ ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
እቲ ተፈጥሮ ዝዓጀቦ መንበሪ ዓባያ ካብ ርእሰ ከተማ ዛምብያ ሉሳካ ናብ ኣንፈት ሰሜን 10 ማይልስ ርሕቐት ዝርከብ ከባቢ’ዩ። መሬት ሕርሻ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
መብዛሕትኡ ኣሳእል ድማ ኣብቲ ገጠር ምስ ዘለዉ ነገራት ተሰንያ ተሳኢላቶ። ነቶም ብዘመናዊ ቅዲ ዝተሰርሑ ክዳውንቲ ተኸዲና ስእሊ እትሰኣለሎም ተወሰኽቲ ነገራት ንመነባብሮኣን ዛንትኣን ዝገልጹ እዮም።
"ነታ ቀዳመይቲ ስእሊ ክለጥፋ ከለኹ ኣዝየ ተሰናቢደ ነይረ። ን10 ደቓይቕ ስልከይ ገዲፈያ ጸኒሐ። ኣብተን 10 ደቓይቕ ድማ 1000 ላይክ ነይሩ" ትብል ካውምባ።
ኣስዒባ "ኣእምሮይ ተወጢሩ። ርእይቶታት ብብዝሒ ይመጽእ ነይሩ። ሰባት ተወሳኺ ስእልታት ይሓቱ ነይሮም" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
እቲ ብተኸታታሊ ዝፈነወቶ ኣሳእል እኖሓጎኣ ኣብ ሚያዝያ 2024 ብዝለዓለ መጠን ተዘርጊሑን ዝና ረኺቡን።
"ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ከም ዝፈትዉኒ ምስማዕ ኣግሪሙለይ ኣሎ" ትብል እታ ምስክር ወረቐት ልደት ስለዘይብላን ብልክዕ ዕድሚኣ ዘይትፈልጥን ቾላ።
ምሉእ ብምሉእ ዕድሚኣ ርግጸኛ ዘይኮነት ማግሬት ቾላ፡ ፋንኪ ቅዲታት ክትፍትን ሕጉስቲ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
"ኣብ’ዚ ዕድመይ’ዚ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን’የ ነይረ" ትብል።
ዘይትኽደኖ ዓይነት ክዳን፤ ዘይትገብሮ ገይጽታት የለን።
"ቅድሚ ሕጂ ጂንስ ወይ ዊግ ወድየ ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ ሕጉስቲ እየ" ትብል።
ካብ 2012 ጀሚራ ኣብ ሞያ ቅዲ ዝተዋፈረት ጓልጓላ ካውምባ፡ ዓባያ "ትብዓት፣ ጸጋ ከምዘለዋን ነፍሲ ወከፍ ትርኢት ድማ ከምዝተዋጽአቶን” ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
ካውምባ፡ ተኸታታሊት ስእልታት ዓባያ፡ ኣረጋውያን ገና ብዙሕ ነገራት ክሰርሑ ዓቕሚ ከምዘለዎም ዘጉልሕ መልእኽቲ ከሕልፍ ተስፋ ኣለዋ።
ብሓባር ዝኽሪ ምፍጣር ድማ "ንቐጻሊ ወለዶ ኣሰር ንምግዳፍ" ኣገዳሲ መገዲ ምዃኑ ትዛረብ።
በዓልቲ ሞያ ቅድን ፋሽንን ካውምባ ነቲ ምስ እኖሓጐኣ ዝዘርግሐቶ ኣሳእል ስዒቡ ንናይ ካልኦት እኖሓጎታት ክተመላኽዕ ዕድል ስራሕ ረኺባ’ላ።
በዓልቲ ጸጋ ዕድመ ቾላ፡ እቲ ብተኸታታሊት ዝቐርብ ዘሎ ምርኢት ፎቶታት፡ ሰባት "ህይወቶም ክነብሩን ብዛዕባ ካብ ሰባት ዝበጽሖም ሓሜታታት ከይጭነቑን" ከነቓቕሕ ተስፋ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
እቲ ስእላዊ ምርኢት ኣብዚ ሕጂ ነታ እኖሓጎን ንጓል ወዳን ብጥቡቕ ኣቀራሪቡ ኣሎ። እዚ ምትእስሳረን ድማ ካውምባ ብዛዕባ’ቲ መብዛሕትኡ ግዜ በዳሂ ዝነበረ ህይወት ምቡያኣ (እኖሓጎኣ)ብዝበለጸ ክትፈልጥን ክትግንዘብን ክኢላ።
እታ ኣብ መፋርቕ 80ታት ዕድመ ትርከብ ቾላ ምስ እኖሓጎን ኣቦሓጎን እያ ዓብያ። ክሳብ ጓል 13 ዓመት ዕድሚኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Luxury Media Zambia
ድሕሪኡ ግን ብሰንኪ ቁጠባዊ ምኽንያት ኣብ 30ታት ዕድመ ምስ ዝርከብ ሰብኣይ ክትምርዖ ተገዲዳ።
ሰለስተ ቆልዑ ወሊዳ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ ሓዳር ሃዲማ።
እቲ ናይ ሽዑ ስንባደ ክሳብ ሕጂ ምስኣ ኣሎ። ግን ከኣ በቲ ዘይተጸበየቶ ዓለማዊ ዝና ሓድሽ ዕድል ክትረክብ በቒዓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







