ትካላት ብምፍጣርን ብምሻጥን እትፍለጥ ኢትዮጵያዊት

ኬኔሳ ምስ ጋንታ 'ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ' ኣብ ሆላንድ

ምንጪ ስእሊ, BBC/KENESA

ኬነሳ ሙሉነህ ትበሃል፤ ተውልደ-ኢትዮጵያዊት እያ።

ገና ኣብ መጀመርታ ዕስራታት ዕድሚኣ እናሃለወት ሕልሚ ስድራኣ ጋህዲ ንምግባር ብሕክምና ዶክተር ክትኸውን በቒዓ።

ንጥፍቲ ተሳታፊትን ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን እያ።

ሰለስተ ኣርባዕተ ትካላት ንግዲ መስሪታ’ውን ዕዉታት ክትገብረን ኪኢላ።

ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ውጽኢታውነታ ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ እትዛረብ ኬነሳ፡ ዝበዝሕ ስርሓ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣቢላ ከምእተካይዶ ትዛረብ።

"ሙሉ" ዝበሃል ምልክት ፋሽን ኣለዋ።

ንናይ ፋሽን ስራሕታ ዝኸውን ክዳውንቲ እተፍርየሉ ናይ ገዛእ ርእሳ ፋብሪካ ኣብ ፓኪስታን ከምዝሃነጸት ትዛረብ።

ናብርኣ ኣብ ዱባይ ብምግባር ናይ ፋሽን መፍለዪኣ ዝዓረፎም ክዳውንቲ ኣብ ዕዳጋታት ኤስያ፣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ተቐርብ።

ኣብ ድሬዳዋ ዝተወልደት ኬነሳ ጓል ሰለስተ ዓመት ከላ እያ ምስ ወለዳ ናብ ሆላንድ ዝኸደት።

ምስ ወለዳ ምኻዳ ከኣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ሓዊሱ ባህልን ልምድን ኢትዮጵያ ካብኦም ክትመሃር ሓጊዝዋ።

ባህሊ እታ ዝዓበየትላ ሆላንድ'ውን "ኣካል መንነተይ'ዩ" ትብል።

ኢትዮጵያውያን ወለዳ ጓሎም ሓኪም ክትከውን ሕልሚ ስለዝነበሮም 'ዶክተር' ተመሪቓ እምበር ከም ሓኪም ግን ሰሪሓ ኣይትፈልጥን።

“ባህጊ ወለደይ ኣማሊአ እየ፤ ሕጂ ድማ ድሌታተይ ንምምላእ ናይ ገዛእ ርእሰይ ንግዲ ጀሚረ ኣለኹ" ትብል ካብ ሕክምናዊ ስራሕ ፍጹም ዝተፈልየ ሞያ ከም ዝጀመረት ንምግላጽ።

በቲ ዝተመረቐትሉ ሞያ ሕክምና እኳ እንተዘይሰረሐት ነቲ ሞያ ክትመሃር ምኽኣላ ግን ንመጻኢ ህይወታ ዝቐየረ ዕድል ከምዝፈጠረላ ትዛረብ።

እቲ ጉዳይ ከምዝስዕብ እዩ።

ኣብ ናይ ሕክምና ትምህርታ መዛዘሚ ዓመት ብኣማኻሪኣ መመረቒ ጽሑፍ ከተዳሉ ይንገራ።

ሽዑ ዘቕረበቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ 'ነርስታት ብሕማም ወይ ካልእ ምኽንያት ካብ ስራሕ ኣብ ዝተርፋሉ እዋን ካብ ዘለውኦ ቦታ ኰይነን ስርሐን ክሰርሓ ዘኽእላ ስርዓት ምዝርጋሕ’ ዝብል' እዩ ነይሩ።

እቲ ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ከኣ ካብ ኣማኻሪኣ ናእዳ ክትረክብ ኣብቂዕዋ።

ኬነሳ ሙሉነህ

ምንጪ ስእሊ, KENESA

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናብ ተግባር ክቕየር ከም ዝኽእል እውን ተሓበራ። ኬነሳ’ውን ነዚ ክትገበር ግዜ ኣይወሰደላን።

ብቕልጡፍ ንመጽናዕታ ናብ ተግባር ቀይራ ናይ መጀመርታ ትካላ መስሪታ።

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ድማ ሰሪሓትሉ።

ካብቲ ትካል ኣብ ወርሒ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ትረክብ ምንባራ ትዝክር።

ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሓደ ናይ መድሕን ኩባንያ ነቲ ትካል ክገዝኦ ድሌቱ ገለጸላ። ሸይጣትሉ ድማ።

ሽዑ ኬነሳ ንመጀመርታ ግዜ ልዕሊ ሚልዮን ዶላር ካብ መሸጣ እቲ ትካል ናብ ካዝናኣ ኣእትያ።

“እቲ ገንዘብ ዳግማይ እንተዘይተሰሪሑሉ ክውዳእ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኰይኑ ግን ኣብቲ ዕድመይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ምርካብ ንዓይ ዓቢ ነገር'ዩ ነይሩ" ክትብል ትዝክር።

ነቲ ትካል ምምስራትን ምሻጥን ንኬነሳ ክልተ ነገራት ‘ዩ ሒዙላ መጺኡ።

እቲ ሓደ ሃፍቲ ክተፍርይ ምኽኣላ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ "ሓደ ጸገም ብምጽናዕ መፍትሒ ክረክብ ከም ዘለኒ ተማሂረሉ" ትብል።

ካልእ ትካል ክትፈጥር ዘነቓቕሓ ድማ እቲ ትፈትዎ ስፖርት እዩ ነይሩ።

ምልዓል ክብደት ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ትፈትዎም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት እዩ።

ናይ መጀመርታ ትካላ ድሕሪ ምሻጣ ከኣ ኣቓልቦኣ ኣብ ኣመሪካ 'ፉት ቦል' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ምጽዋት ኮነ።

እዚ ዓይነት ስፖርት ግን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሆላንድ ልሙድ ኣይኮነን።

እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ዝሓተተቶም ኣሰልጠንቲ "ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ክትጻወቲ እንተደሊኺ ተመሳሳሊ ድልየት ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣኪብኪ ጋንታ ክትምስርቲ ኣለኪ" ክብሉ መዓድዋ።

ሽዑ ድማ ድልየት ዘለዋን ደቂ ኣንስትዮ ንምትእኽኻብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መወዓውዒ ዘርጊሓ።

ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓሰበቶ ንላዕሊ እዩ ነይሩ።

ብሓደ ግዜ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሆላንድ ልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ድልየተን ገሊጸላ። ግዜ ኣየጥፍአትን።

ተጻወትቲ ፉትቦል ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, KENESA

ቀልጢፋ ኣሰልጣኒ ቆጺራ ጋንታታት ብምውዳብን ዕጥቅታት ብምምላእን መጻወቲ ሜዳታት ኣዳልያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጸወታታት ከተካይድ ጀሚራ። እቲ ጸወታ ናብ ሊግ ክዓቢ ኣለዎ ኢላ ድማ ኣመነት።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ጋንታታት ብምቛምን ስሩዕ ጸወታታት ብምክያድን ከኣ ከም ሓደ ዓይነት መዘናግዒ ስፖርት ገይበረቶ።

እቲ ጸወታ ብደረጃ ሊግ ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ዋንነቱ ድማ ናታ ኮነ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ዘቖመቶ ትካል ፀዋታ ‘ፉትቦል ኣመሪካ’ ብዝለዓለ ዋጋ ክትሸጦ በቒዓ።

ኣብ ህይወታ ዝፍጠሩ ነገራት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምፍጣር ዕድላት እትጥቀመሉ ከኔሳ ብፍላይ ካልኣይ ውላዳ ምስ ወለደት ክብደታ ምውሳኹ ካልእ መበገሲ ስራሕ ከምዝኾና ትዛረብ።

ክብደታ ንምንካይ ስፖርት ትሰርሕ እኳ እንተነበረት፡ ክብደታ ኣብ ሓደ እዋን ክንክይ ስለዘይከኣለ ግን ስፍሕ ዝበሉ ክዳውንቲ ክትክደን ነይርዋ።

እንተኾነ ግን ናብ ዕዳጋ ከይዳ ምስ ድሌታ ዝሰማማዕ ሰፋሕቲ ክዳውንቲ [ፕላስ ሳይዝ] ክትረክብ ኣይከኣለትን።

እዚ ተመኩሮ እዩ እምበኣር ንኬነሳ ካልእ መበገሲ ዝዀና።

ነዚ ጸገም "መፍትሒ ንምርካብ" ዝብል እዩ እቲ ሎሚ እትውንኖ "ሙሉ ፋሽን” ብዝብል ምልክት ንግዲ ዝፍለጥ ካልእ ስራሕ ዝጀመረት።

“እቲ ነዓይ ዘጋጠመኒ ስእነት ዓበይቲ ክዳውንቲ ኣብ ካልኦት ሰባት እውን ከጋጥም እዩ” ኢላ ሓሰበት።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኬነሳ ኣብ ፓኪስታን ፋብሪካ ክዳውንቲ ኣለዋ።

ክዳውንቲ ሙሉ ዝተኸደና ሞዴላት

ምንጪ ስእሊ, KENESA

እቲ ፋብሪካ ብዘይካ እቲ ‘ሙሉ’ ዝብል ምልክት ንግዲ ዘለዎ ክዳውንቲ ንኻልኦት ኩባንያታት ክዳውንትን ፋሽንን ዝኸውን ኣልባሳት እውን የፍሪ።

ነዚ ስራሕ ክትብል ናብራኣ ካብ ሆላንድ ናብ ዱባይ ቀይራላ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጋናን ናይጀርያን ዝበዝሐ ናይ ፋሽን ክዳውንታ እትሸጠለን ሃገራት ከምዝኾነ እትዛረብ ኬነሳ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝጀመረት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ናብ ህንዲን ፓኪስታንን እውን ንምስፋሕ መደብ ኣለዋ። ኤውሮጳን ኣመሪካን ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ኣማራጺታት ዕዳጋኣ እየን ነይረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝሰርሑ ልዕሊ 50 ሰራሕተኛታት ኣለውዋ።

ካብ ንግዲ ብተወሳኺ መምህር ከምዝኾነት እውን ትዛረብ። ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዘይኮነስ ብኦንላይን ተምሃሮ መዝጊባ ብዛዕባ ጉዕዞ ህይወታን ፈጠራ ስራሕን ትምህር።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 'ዓድዋ' ዝብል ስያመ ዝሃበቶ ናይ ኢንተርነት ጸወታ [ኢንተርኔት ጌም] ወግዓዊ ገይራላ።

እዚ ፀወታ ታሪኻዊ ዓወት ዓድዋ ዝዝክር እዩ።