'ንግስቲ ጽባቐ ዓለም ንምዃን እዩ ሕልመይ' - ኤርትራዊት ሞዴል ኣድያም

ኣድያም ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, A.A

ኣብ ዓውዲ ጽባቐ ይኹን ኣብ ውድድር ሞደሊን ክትሳተፍ ዝዀነ ይኹን ድሌትን ሓሳብን ኣይነበራን። ገና ካብ ቁልዕነታ ነቲ ለይለይ ቁመታን ስሩዕ ኣቃውማ ተኽለ ሰብነታን ዝረኣዩ ሰባት ግን ኣብ ውድድር ጽባቐ እንተትፍትኒ ኣብ ገለ ደረጃ ምበጻሕኪ. . .’ ንስኺ ምናልባት እንተተወዳዲርኪ ብርግጽ ክትዕወቲ ኢኺ’ ዝብሉ ዘረባታት ካብ መቕርባን ቤተሰባን ብተደጋጋሚ ትሰሞዖም ነይራ።

ሓደ እዋን ግን፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ፍሉጥ ዝዀነ ብ ‘ዓይኒ’ ዝፍለጥ ፋሽንዲዛይነር፡ ንስኺ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ከተድምዒ ትኽእሊ ኢኺ፣ ዘይትጅምሪ ኢሉ ምስ መዓዳ፡ እንተስ ርእይቶ ብዓል ሞያ ኰይኑዋ፡ እንተስ ፈጣሪ ናትኪ እዩ ኢልዋ፡ ከም ነቲ ዘረባ ዕሽሽ ኣይበለቶን፤ በዚ ድማ ናብ ዓውዲ ሞዴሊን ተጸንቢራ።

ኣድያም ኣብርሃም ኣብ ሪያድ፡ ስዑድ ዓረብ ተወሊዳ። ጓል ሰለስተ ዓመት ምስ ኮነት ናብ ኤርትራ ምስ ስድራቤታ ኣትያ። መባእታ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይተመናይ፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ፡ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ተማሂራ ኣብ መበል 25 ዙርያ ንሳዋ፡ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ወሪዳ። ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ናይ ዲግሪ ነጥቢ ኣምጺኣ ኣብ ኮለጅ ማይነፍሒ ብዓውዲ ፊዚክስ ተማሂራ ተመረቐት።

እዛ ክፉት ሸውሃት ትምህርቲ ዘለዋ መንእሰይ፡ ክዓቢ ፍልጠት ክድልብ ኣለኒ ብምባል ካብ ‘ስማፕ ኢንስቲትዩት እውን ብ ዓውዲ ምሕደራ ዲፕሎማ ረኺባ'ያ።

ኣብ ትምህርታ ጸቒጣ ክትሰርሕን ብእኡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክትበጽሕን እንተዘይኰይኑ ሞዴል ናይ ምዃን ራእን ሓሳብን ዘይነበራ ኣድያም፡ ቁመናኣን መልክዓን ዝተዓዘቡ፣ ገለድማ ነቲ ንሳ ዘየለለየቶ ዝንባለኣ ከተለሊ ኣንፈት ብምሃብ ፋሽን ሾው ክትጅምር ኣተባብዕዋ።

ዲዛይነር ዓይኒ፡ ፌቨን ክብሮምን ካልኦት ብዙሓት ኣዝማዳን ቀረብታን ዝሃብዋ ሓሳብን ርእይቶን ተደማሚሩ'ዩ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ክትበጽሕ ኣኽኢልዋ።

ተመሃሪት 10ይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ምርኢት መዕጸዊ ትምህርቲ ምስ ተሳተፈት 3ይቲ ወጺኣ። በዚ ዝፈለመቶ ውድድር ድማ ኣብ ሳዋ ንሓይላ ወኪላ ኣብ ናይ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድ፡ ወዘተ እናበለት ተወዳዲራ፤ ብድሕረኡ ግን ኣብ ትምህርታ ከተተኩር ብምባል ኣወንዚፋቶ።

ድሒራ ግን ድሮ ነቲ ርእይቶን ሓሳብን ሰባት ተሰማሚዓ፤ ብርእሰ ተኣማንነት 'ከድማዓሉ ይኽእል እየ' ኢላ ቈሪጻ ተላዕለት።

ጐድኒ ጐድኒ ናይ ኮለጅ ማይነፍሒ ትምህርታ ድማ ምስ መምህርን ዲዛይነር ቅዲ ኽዳንን ‘ዓይኒ’ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ስሩዕ ትምህርቲ ብምቕሳም ንዓውዲ ሞዴሊን ብወግዒ ተጸንበረቶ።

ኣድያም፡ ዛጊት ኣብ ብዙሕ ሃገራውን ኣህጉራውን ውድድራት ጽባቐ ተሳቲፋን ዓወታት ዓቲራን እያ።

ኣብ ኤርትራ ኣብቲ ብምኽንያት ጽንብል ብዓል ናጽነት ዝካየድ መደብ ተዓወት ኣብ ዝነበረ ውድድር፡ ኣብ 2017 ብምኽንያት ሃይማኖታዊ በዓል ፋሲካ ብዲዛይነር ዓይኒ ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ቀዳመይቲ፣ ኣብ ታሕሳስ 2021 ኣብ ሚስ ኢስት ኣፍሪቃ-ታንዛንያ ተወዳዲራ ከም ‘ሚስ ፎቶጀኒክ' ተዓዊታ። ኣብ ዩጋንዳ’ውን ኣብ መንጐ 40 ዩጋንዳውያን ኣብ ቶፕ ሞደል ዩጋንዳ ተወዳዲራ ምስተን ኣብ ናይ መወዳእታ ዙር ዝበጽሓ ተረቑሓ።

ሕጂ’ውን ኣብዚ ሎምመዓልቲ ኣብ ናይጀርያ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሚስ ጐልደን ኣፍሪቃ ትወዳደር ኣላ።

እዚ ብኮሚሽነር ሓበሬታ ናይጀርያን 'ለቨል9ን ፉዩጅን' ዝተባህላ ዓበይቲ ትካላት ናይጀርያ ዝምወል ዘሎ ውድድር፡ ዕላማኡ ሃገርካን ባህልኻን ንምልልላይ፣ ከምኡ’ውን ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ባህላዊ ኣልባሳት ብዘመናዊ ኣገባብ እናኣንጽባረቓ ንዓለም ዘርእያሉ መድረኽ ኮይኑ፡ ንኽትዕወት እኹል ድምጺ የድልየካ።

ሓንቲ ድምጺ 1.77 ዶላር ክትከውን እንከላ ልዕሊ ሓደ ድምጺ ክህብ ንዝደሊ ከኣ ዝዀነ ገደብ የብሉን። 

ኣድያም ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, A.A

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዘይከምቲ ንብዙሓት ሰባት ዝመስሎም፡ ኣብ ዓውዲ ሞደሊን፡ መልክዕን ቅርጽን ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ውድድር ጽባቐ ንኽትወዳደር ብውሑዱ ምልከት ቋንቋን ንቑሕ ኣእምሮን የድልየካ።

ብዘይካዚ’ውን ኣብ ግዜ ውድድር ብመልክዕ ቅርጽን ኣራግጻ እግርን ጥራይ ዘይኰንካ ትዕወት፡ በቲ ዘለካ ሞያ ከም ሞጐተ፡ ቅብኣ፡ ግጥሚ፡ ሳዕሳዒት፡ ደርፊ፡ መሪሕነት፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ካልእ ንሕብረተሰብ ክጸሉ ዝኸእል ኣርእስታት መግለጺ ከተዳሉ ትሕተት።

ከም ሞደል ኣብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ምምዕባል እንታይ ከተበርክት ትኸእልን ክሳብ ሕጂኸ እንታይ ዝገበርክዮ ነገር ኣሎ ዝብልን ኣብ ርእሰ ተኣማንነትካን ንሕብረተሰብካ ንምሕጋዝ ብትገብሮ ምንቅስቓስን ካልእን ዘተኮረ ተወሳኺ መምዘኒታት ኣሎ።

ድምር ውጽኢት ናይዚ ኹሉ ድማ እዩ ምስተን ብሉጻት ክትርቋሕን ከይትርቋሕን ዝገብረካ። ስለዝዀነ ትምህርቲ ኣዝዩ ኣገድሲ እዩ።

ንኹለን እተን ኣብዚ ዓውዲ ፍቕርን ዝንባለን ዘለወን ደቀንስትዮ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ብትምህርቲ’ውን ንገዛእ ርእሰን ብፍልጠት ክሃንጻ ብምዝኽኻር ን ኣገዳስነት ትምህርቲ ኣብዚ ሞያ ተጉልሕ።

ኣድያም፡ እቲ ናብ ብዙሕ ሃገራት ኬድካ ምስታፍ፡ ብዘይካ’ቲ ዘግዘማ ዓወት፡ ሓላፍነት ኣሰኪምዋ እዩ።

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ታንዛንያ ዝገበረቶ ውድድር ክልተ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ደንጉያ’ኳ እንተበጽሐት፡ በቲ ኣብኡ ዝጸንሓ ካብቲ ኣቐዲማ እትፈልጦ ኣዝዩ ዝተፈልየ ስልጠናታት እምብዛ ብምግራም፡ ብዙሕ ከምዝተርፋ ተርዲኣን ዓቢ ተመኩሮ ብምቕሳምን፡ እቲ ዝተማህረቶ ንኻልኦት ከተመሓላልፎ ምስ ነብሳ ቃል ኣትያ ናብ ሃገራ ብምምላስ፡ ንኣስታት 25 ደቀንስትዮ ንሰለስተ ወርሒ ኩሉ እቲ ዝተማህረቶን ዝቐሰመቶን ፍልጠት ኣካፊላ።

ኣብ ዩጋንዳ'ውን ንገለ ደቀንስትዮ ደኺመ ከይበለት ኣብተን ዝተጻበባ ሰዓታት ኣካዳምያዊን ሞያዊን ፍልጠታ ኣማቒላ።

ኣድያም ኣብርሃም

ምንጪ ስእሊ, A.A

ኣረኣእያ ሕብረተሰብ ኣብ ሞያ ሞደሊን ብዙሕ እወታዊ ብዘይምዃኑ፡ ኣብ መጀመርታ እዋናት ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ስድራቤታን ዝተፈላለዩ ሰባትን ተቓውሞ ይገጥማ ነይሩ።

ኣድያም’ውን ክትጅምር እንከላ ዝቕበላ ሰብ ኣይነበረን፤ ምኽንያቱ ነቲ ስራሕ ከም ሞያ ርእዩ ዘተባብዓካ ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑን፡ ምናልባት ዕድል ጌርካ ስድራኻ ምስ ዝቕበሉኻ በቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ስለዝጽለዉ፡ ነቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ።

ነዚ ንምብዳህ፡ ኣድያምን እተን ኣብቲ ዓውዲ ምስኣ ዝነጥፋ ዝነበራን መሓዙታ ኣብ ዝዀነ ይኹን ውድድር ስነ ጽባቐ ክህልዋን እንከሎን ስድራቤተን ብምዕዳም እንታይ ከም ዝመስልን እንታይ ከምዝዀነን ክርእይዎ ይገብራ ነይረን።

በዚ ድማ ቀስ ብቐስ እናተረድኦምን እናኣመኑለንን መጺኦም። ከይተሓለለትን ከይተሰናበደትን ኣብዚ ደረጃ እዚ በጺሓ።

ስለዚ ድማ ንኹለን እተን ኣብቲ ዓውዲ ተዋፊረን ዘለዋ ብግብረመልሲ ሕብረተሰብ ከይተሰናበዳ እናሰርሓ፡ ስራሕ ምዃኑ ከእምናኦም ከምዘለወን ብምምካር፡ “ብዙሓት ጽቡቓት ምሁራትን ንፉዓት ደቀንስትዮ ክሰርሓሉ እናደለያ ምስ ምሉእ ዓቕመን ብሰንኪ ናይ ስድራቤተን ወይ ሰብኡተን ተቓውሞ ነዚ ሞያ እዚ ጠቕሊለን ዝገደፋኦ ኣለዋ።

“ኣዝዩ’ዩ ዝስምዓኒ፡ ስለዚ ኣጆኽን ተስፋ ኣይትቑረጻ፡ ካብ ሕልምኽን ኣይትትረፋ፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ጐደና እንተጸኒሕካ እዩ ዕድላት ክመጽእ እንከሎ እትጥቀመሉ።

"ዳርጋ ን ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ከይተሓለልኩ ክጽዕር ጸኒሐ ኣብዚ ደረጃ በጺሐ እሞ ንስኻትክን’ውን ኣብ ሕልምኽን ዘይትበጽሓሉ ምኽንያት የለን። ስለዚ ኣጆኽን በርቲዕክን ስርሓ ክብለን እየ ዝደሊ፡” ብምባል እቲ ቀዳማይ ድሌታ ነቲ ኣብዚ ሞያ ኮነ ኣብኡ ንዝነጥፋ ደቀንስትዮ ዝኹንን ኣሉታዊ ርድኢት ክትቅይሮ ከም ትሰርሕ ትገልጽ።

“ዝዀነ ይኹን ዕላማ ክትጽዕረሉን መስዋእቲ ከምዘኽፍለካ እፈልጥ እየ። ኣነ ዕላማይ ወይዘሪት ዓለም ክኸውንን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ተሳቲፈ ስመይን ስም ሃገረይ ከጸውዕ ክሳብ ዝዀነ፡ ኩሉ እቲ ሞያ ዝሓተኒ ንምግባር ድልውቲ እየ።

"ንስኻትክን'ውን ብተወፋይነትን ተስፋን ንኹሉ እትገብራኦ ብርእሰ ተኣማንነት ተጊህክን እንተጽዒርክን ኣብ ራኢኽን ከይትበጽሓ ማንም ክዓግተክን ኣይክእልን እዩ ኣጆኽን።” ብምባል ንኹለን ደቀንስትዮ ኣብ ሕልመን ኣበርቲዐን ክጽዕታ ተላብያ፣ ንራህዋ ኣፈወርቂ፡ ዲዛይነር ዓይኒ፡ ሚስ ሉን ካልኦት ኣብዚ ደረጃ ንኽትበጽሕ ዝደገፉዋን ዘተባብዕዋን ዘለዉ ኩሎም ኤርትራውያን ቢቢሲ ትግርኛን ልባዊ ምስጋና ኣቕሪባ።