ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕጡቓት ዝተጨውየ ሰራሕተኛ ረድኤት ከምዝተቐትለ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ

ባህርዳር

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ዳውንት ንገንዘብ ጅሆ ተታሒዙ ዝቐነየ ያሬድ መለሰ ዝተባህለ ሰራሕተኛ ረድኤት፡ ብዕጡቓት ከምዝተቐትለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (UNOCHA) ብ8 ነሓሰ 2016 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ያሬድ መለሰ ኣብ ማሕበራዊ ልምዓትን ሓለዋ ከባብን ዘተኮረ ሃገራዊ ትካል ረድኤት ሰራሕተኛ ዝነበረ ዀይኑ፡ ብዘይተፈልጠ ገበነኛ ዕጡቕ ጕጅለ ከምዝተቐትለ ኣፍሊጡ።

ያሬድ ኣብ ‘ኣክሽን ፎር ዲቨሎፕመንት ኤንድ ኢንቫይሮመንታል ፕሮቴክሽን’ ክኢላ ስነ-ኣመጋግባ ከምዝነበረ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፡ ንቕትለት ናይቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ብትሪ ኮኒኑ።

"ኣብ ሰብኣዊ ስራሕ ተዋፊሩ እንከሎ ብገበነኛታት ጅሆ ተታሒዙ ምቕታሉ ብትሪ ንዅንን። ያሬድ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ንዝርከቡ ነበርቲ ንምሕጋዝ ድሉውን ውፉይን ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ እዩ ነይሩ። ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ፡ ምፍርራሕ፡ ምዝማት ወይ ምዕጋት ስርዓተ-ምሕደራና ዝጥሕስ'ዩ" ይብል ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ዝዀነ ዶክተር ራሚዝ ኣላክባሮቭ።

እቲ ኣተሓባበሪ፡ ብሞት እቲ ሰራሕተኛ ረድኤት ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን ብምግላጽ፡ ንስድራኡ ‘ጽንዓት ይሃብኩም’ ኢሉ።

ነዚ ናይ ሕጂ ቅትለት ሓዊስካ፡ ካብ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ካብኣቶም ድማ ኣብቲ ዕጡቓትን ፋኖን ሰራዊት ምክልኻልን ዝዋግኡሉ ዘለዉ ክልል ኣምሓራ እዩ።

ብዘይካ እቶም ዝተቐትሉ፡ ብውሕዱ 14 ሰራሕተኛታት ረድኤት ንገንዘብ ከምዝተጨውዩን፡ ዝበዝሑ ካብቶም ክስተታት ድማ ኣብ ዞባታት ማእከላይን ሰሜንን ጎንደር ከምዝተፈጸሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ኣረዲኡ።

እቲ ሓላፊ፡ “ሰብኣዊ ሰራሕተኛታት ዒላማ ክዀኑ ከለዉ፡ ጉድኣት ናብ ዝወረዶም ከባቢታት ሓገዝ ናይ ምብጻሕ ዓቕምና ብኸቢድ ይጸልዎ። እዚ ሕጂ ዝተፈጸመ ሓደጋ ብቕልጡፍ ክጻረን፡ ገበነኛታት ናይቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ብዝምልከትን ምስ ኣካላት መንግስቲ ተዘራሪብና ኣለና" ኢሉ።

"ሰራሕተኛታት ረድኤት ዒላማ ኣይኰኑን" ዝበለ እቲ ኣተሓባባሪ፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ረድኤት ምእንቲ ክረጋገጽን ስርሖም ብግቡእ ክፍጽሙን ኵሎም መሻርኽቲ ኣካላት ስርዓት ከኽብሩ ሓቲቱ።

ቤት ምኽሪ ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣምሓራ፡ ኦሮምያን ካልኦት ግጭት ዝካየደሎም ከባቢታትን ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ድሕነቶም ክሕሎ ሓቲቱ ኣሎ።

ብ8 ነሓሰ 2016 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሲቪላዊ ማሕበራት ዝመጽእ ጸብጻባት ከም ቅትለትን ጭውያታትን፡ ኣብዞም ግጭት ዘለዎም ከባቢታት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ዒላማ ምግባር ልሙድ እናዀነ ምምጽኡ ገሊጺ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምዝማት ተሽከርከርትን፡ ካብ መኽዘናት ምዝማት ቀረብ ረድኤትን ይፍጸም ከምዘሎን፡ እዚ ፍጻመታት ንኣገልግሎት ረድኤትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ይዕንቅፍ ከምዘሎ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

እዚ መጥቃዕታት፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝያዳ ተጋኒኑ ይረአ ምህላዉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም።

ዓለማለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ተቓላዕትን ኣጸጋምን ከባቢታት ስርሖም እንተሳልጡ፡ ድሕነቶም ክሕሎን ናይ ዝዀነ ይዅን ዕጡቕ ዒላማ ክዀኑ ከምዘይብሎምን ብንጹር ኣስፊሩ ይርከብ።