ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣብ ዕጫ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ካህን

ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ ስም ኣቡነ ማርቆስ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክባቢኦም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ኣካላት ኣብ ሓሳብና ጦብላሕ ይብሉና። ንኣብነት ከም በዓል ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል በዓል ዓረዛ፡ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር'፡ ሰልፊ ሕብረት፡ ቀሺ ዲመጥሮስ ገብረማርያም፡ ተድላ ባይሩ፡ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ከምኡ'ውን ካልኦት ምስ ድልየትን ጻዕርን ኣካይዳን ኣቡነ ማርቆስ ከነተኣሳስሮም ይከኣል።

ኣብ 1940ታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተጠቒሙ ኣብ ከበሳ ንሕብረት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዘርኢ ጕዳይ ደገፍ ህዝቢ ክብ ንምባል ዕዉት ጐስጓስ ከም ዘካየደ ዝተሰነደ ክፋል ታሪኽ ኤርትራውያን'ዩ።

ኤርትራዊ ኣቡነ ማርቆስ (1884-1960) ድማ ካብቲ ብምሒር እምነት ክርስትና ዝተጋረደ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ኣብ ልዕሊ እቶም ንናጽነት ዝድግፉ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ንምንጻል ድሕር ዘይብሉ ካህን ምንባሮም፡ ኣቕሽሽቲ ድማ ኣብ ሰበኻታቶም ንሰልፊ ሕብረት ንክድግፉ ጸቕጢ ይግበረሎም ከም ዝነበረ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ።

ኣካይዳኦም ካልእ ሓቂ 'ውን ነይሩዎ'ዩ፤ ከምቲ ሽዑ ገኒኑ ዝነበረ ዝተቐመረ ምስምስ ድልየት ናጽነት ምስ ድልየት ኣስላም ኤርትራ የተኣሳስርዎ ነበሩ።

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኣቡነ ማርቆስ ንምንቅስቓሶም ኣብ መሰጋግሮ ፈደረሽን ድሕሪ ምብጻሕ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ምድላዋት ክገብሩ ጀመሩ።

ድሕሪ ፈደረሽን ሃጸይ ሃይለስላሴ ብስርሓት ኣቡነ ማርቆስ ዓጊቦም ኣብ ምሉእ ከበሳ ኤርትራ ኣብያተ ክርስትያናት (ኦርቶዶክስ) ንምህናጽ ዘድሊ ሓገዝ ገበሩ። ነቲ ዝስዕብ ሕብረት ከኣ ባይታ ኣጣጥሕሉ ክበሃል ይከኣል።

ምሉእ ስእሊ ፍሕሕታ ሕብረትን ናጽነትን ምእንቲ ክህልወና እስከ ንኣቡነ ማርቆስ ዝደረኸ ማዕበል ሕብረት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ንርአ።

ኣፈጣጥራ ምንቅስቓስ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ

ብመጀመርታ ደለይቲ ሕብረት ከምቲ ብተደጋጋሚ ብዘመን-ኣምጽኦ ትንተና ከም ዝግለጽ 'ሸየጥቲ ሃገሮም' ኣይነበሩን። ብድሩት ፍልጠትን ቄናን ስምዒትን ዘጥረይዎ እምነት ተደሪኾም ዝጕስጕስሉ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ነበረ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ርግጽ'ዩ፡ ብዝነበሩ ዝምድናታት ኤርትራን ክንዮ-ኤርትራን ሓድሕድ ምጭናው ነይሩ'ዩ፤ ከምኡ'ውን ድሒሩ ዝሰዓበ ምትእትታው ኢድ ሃጸይ ሃይለስላሴ ነይሩዎ'ዩ። እዚ ኣብ ህይወት ኣቡነ ማርቆስ ክንዕዘቦ ንኽእል።

እቲ ዝዓበየ መርትዖ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣጽዓድነት መርገጺታት ኣቦታት ኤርትራ'ዩ። ንድልየት እቶም ኣቦታት ብሓቂ ክንመዝኖ እንተ ክኢልና ዝበዝሑ ደለይቲ ሕብረት ከም ዝነበሩ ክንበጽሖ ንኽእል ኢና። እቶም ድልየታት ድማ ብብቑዕ ፍልጠት ዘይኰኑስ ብሻርነት ዝተኾብኰቡ ነበሩ።

ምስኡ ኸኣ ዋሕዚ ሰባት ነይሩ'ዩ፤ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ፈሊሶም ዝኸዱ ነይሮም'ዮም። ብዙሓት ካብኦም መንቋሕቋታ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮም ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ረኺቦም ናብራኦም ኣመሓይሾም ዝነብሩ ዜጋታት ብምንባሮም ዛንታኦም ድማ ተመሊሱ ንኤርትራ ይውሕዝ ስለ ዝነበረ ኢትዮጵያዊነት ኣብ ኤርትራ ንኽሰርጽ ጸገም ኣይነበረን ምባል ኣብ ሓፈሻዊ ስምዒት ዝሰረተ ምጕት'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ብኣንጻሩ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ኣብ ኤርትራ ሰሪቶም ዝነብሩ ዜጋታት ከም ዝነበሩ ክርሳዕ ኣይግባእን። እቲ ዋሕዚ ሰባት ምትሕንፋጽ ባህልን ዝምድናታትን ከም ዝፈጠረ ክከሓድ ዘይክእል ተርእዮ'ዩ። ምኽንያቱ እምነቶምን ድልየቶምን ተወሃሂዱ ስለ ዝነበረ።

እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ምውህሃድ'ቲ ኣብ ፈቐድኡ ኣብያተ ክርስትያናት ስለ ዝሰረጸ ንኣስላም ኤርትራ ግዳይ ገይሩዎም'ዩ ክበሃል ይከኣል። ብክፉእ ዓይኒ ከም ዝጥመቱ ገበረ፣ ኰይኑ ድማ እቲ ሻራ'ቲ - ብጥርጠራ ዝተላዕጠጠ ግጉይ ጠመተ'ቲ - ንሰልፊ ሕብረት ኣብ ምምስራት ሓጊዙ'ዩ።

ኣቡነ ማርቆስ፡ ኣብ መወዳእታ 1946 ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ድሕሪ ምምላሶም ንፈለማይ ግዜ ንላዕለዎት ኣባላት ማሕበር ሕብረት ዝተሓጽዩ ሰባት ኣከቡዎም።

ሽዑ እቶም ዝተኣከቡ ሰባት ቍጽሮም ልዕሊ 40 ነበረ። ንሰረወታይ ራእሲ ኪዳነማርያም፡ ዋላ'ኳ ብዕድመ ልዕሊ ሰማንያ በጺሖም እንተነበሩ፡ ከም ናይ ክብሪ ፕረዚደንት ክዀኑ ተመረጹ። ንሶም ኣብ ዕስክርና ዘገልገሉ፡ ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተኻፈሉ መራሒ ነበሩ።

ሓማሴናይ (በዓል እምባ ደርሆ) ራእሲ በየነ በራኺ ድማ ከም ፕረዚደንት ከገልግሉ ተመዘዙ። ንሶም ናይ ቀረባ ዘመድ ራእሲ ሃይሉ ተወልደመድህን (ጸዓዘጋ) ኰይኖም ኣብ ሚስዮን ሽወደን (ኣስመራ) ዝተማህሩ ቀንዲ ኣባል ማሕበር ሓድነት ነበሩ። ምኽትሎም ድማ ሳልሕ ኬክያ ፓሻ በዓል ሕርጊጎ ነበሩ።

እቶም ብኣቡነ ማርቆስ ዝተመዘዙ መራሕቲ ሕብረት ሓቢሮም ንተድላ ባይሩ ከም ዋና ኣመሓዳሪ (ሰክረታሪ-ጀነራል) ናይቲ ማሕበር ንክዀኑ መዘዝዎም።

ተድላ ባይሩ ክኢላ መራሒ'ዮም ዝነበሩ-- ብኻልእ ሸነኾም ከኣ ኣንጻር ወልድኣብ ወልደማርያም (ሓደ ካብ መራሕቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን) ነበሩ።

እቲ ዝቐደመ ኣበርክቶ ተድላ ባይሩ እቲ ብ'ኢትዮጵያ' ዝፍለጥ ኣዝዩ ጸላዊ ጋዜጣ ሕብረታውያን ምሕታም ነበረ። ጋዜጣ 'ኢትዮጵያ' ምስ ናይ ኣቶ ወልድኣብ ጋዜጣ ('ናይ ኤርትራ ሰሙናዊት ጋዜጣ') ኣብ ውድድር ዝነበረ ጋዜጣ ነበረ።

ንምዃኑ፡ ተድላ ባይሩን ወልደኣብ ወልደማርያምን ብብርክት ዝበሉ መዐቀኒታት ዳርጋ መሳቱ'ዮም ነይሮም - ወልደኣብ ብዕድመ ብሒደት ዓመታት ንተድላ ይመርሕዎም ነበሩ። ክልቲኣቶም ብፍልጠቶምን ብናይ ኣመራርሓ ብቕዓቶምን ይዅን ብስርሓቶም ይመጣጠኑ ነበሩ።

ክልቲኦም ብሚስዮን ሽወደን ዝተመልመሉ፡ ብትምህርቲ ወንጌል ዝዓበዩ ደቂ ሓደ ማሕበር ነበሩ - ደቂ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ'ዩ። ክልቲኦም ጽቡቕ ክእለትን ምልከትን ቋንቋ ትግርኛ ዝነበሮም መምህራንን ጋዜጠኛታትን ነበሩ።

ብተወሳኺ ወልድኣብ ሓደ ካብ መስትረ'ቲ 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ክዀኑ ተድላ ግን ሓደ ካብቶም መንገድን ኣካይዳን ዕላማን 'ማሕበር ፍቕሪ ሃገር' ዝለወጡ ኣባል ማሕበር ነበሩ። እቲ ዝዓበየ ፍልልዮም ወልደኣብ ደላይ ናጽነት ተድላ ኸኣ ደላይ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ነበሩ።

ንምዃኑ፡ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣብ ኣስመራ ብ1941 ብፍሩያት ዜጋታት ዝተመስረተ ነበረ። እቶም ዝመስረትዎ ቀንዲ ሰባት በዓል ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣብርሃ ተሰማ፡ ዓብዱልቃድር ከቢረ፡ ገብረመስቀል ወልዱ፡ መሓመድ ዑመር ቃዲ ነበሩ። ዕላማኦም መሰላት ዜጋታት ካብ ኢድ ጣልያን ተመንዚዑ ናብ ኢድ ኤርትራውያን ንክመሓላለፍ ዝሓለነ ምንቅስቓስ ነበረ።

ይዅን'ምበር ኣባላት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኣብ መንጎኦም ምፍሕፋሓት ምስ ተፈጥረ ብሕዳር 1946 ኣብ ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ በቶም ተድላ ባይሩ ዝመራሒኦም ደለይቲ ሕብረት እቲ ማሕበር ዕላማኡ ከም ዝስሕት ተገብረ፤ ኣንፈት ሕብረት ከም ዝሕዝ ከኣ ገበሩ።

ማሕበር ሕብረት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ተድላ ብፖለቲካዊ ትዕይንቲ ሰጐመት። ይዅን'ምበር ምስ ማሕበር ኣንድነት - ተሪር ዝመርገጺኦምን ኣብ ጐነጽ ዝኣምኑ ጕጅለ ሽብርተኛታት - ዝምድናታት ፈጠረት። ማሕበር ኣንድነት ንጣልያንን ንደለይቲ ናጽነትን ዝቕንጽሉ ባእታት ኣብ መንጎኣ ከም ዝነበሩ ምጥቃስ የድሊ።

ድሕረ ባይታ ኣቡነ ማርቆስ

ብቴዎድሮስ ኣብርሃ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ይርከብ። በቲ ጽሑፍ መሰረት፡ ኣቡነ ማርቆስ፡ እቶም ፈለማይ ኣቡን ቤተክርስትያን ተዋህዶ፡ ብ3 ታሕሳስ 1884 ኣብ ሰሳሕ (ኣከለጉዛይ) ከም ዝተወልዱ፡ ብ16 ሕዳር 1960 ኣብ ታሕታይ ዶንጎሎ ብሓደጋ መኪና ከም ዝሞቱ ይሕብር። ኣማውቶኦም ግን ምልክት ሕቶ ዝተነብሮ ኣማውታ ከም ዝነበረ ደራሲ ኣብ ሓተታኡ ጠቒስዎ ኣሎ።

እቲ ታሪኾም ከም ዝሕብሮ፡ ኣቡነ ማርቆስ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተስፋዝጊን ካብ ኣደኦም ወይዘሮ ወርቁ ተወሊዶም ብገብረኣምላኽ ዝብል ስም ኣብ ዓዲ ደቂጴጥሮስ (ካርነሽም) ከም ዝተጠመቑ ይገልጽ። ንሶም ብ1907 ኣብ ደብረ-ኮል (መራጉዝ - ሰራየ) ባህላዊ ትምህርቲ ምስ ቀሰሙ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብምጽንባር ፈለሱ።

ብ1919 ካብ ኢድ ኣቡነ ጴጥሮስ (ኣብ ዓዲ ኣቡን - ዓድዋ) ቅስና ለበሱ ይብል እቲ ዛንታ። ቀጺሎም ኣብ ዓዲዃላ ዝተፈላለየ ሸነኻት ሊጡርግያ (ናይ ህዝቢ ስርዓተ ኣምልኾ) ተማህሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ደብረ-ዓባይ (እንድርታ) መዝገበ ቅዳሴ ተቐበሎም ኣብ ደብረ-ቢዛን ክምህሩ ጀመሩ።

ብ1923 ኣብ ደብረ-ገነት ከም ኣበገዳም ምስ ተመርጹ፡ ንኣበገዳም ደብረ-ቢዘን ዝነበሩ (መምህር ዓምደማርያም) ኣሰንዮም ኣብ ዕለተ-ንግስነት ሃጸይ ሃይለስላሴ ክካፈሉ ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዙ።

መምህር ዓምደማርያም ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሃንደበት ዓረፉ። ሽዑ'ዮም ኣቡነ ማርቆስ ከም ኣበገዳም ደብረቢዘን ንክትክእዎም ዝተመዘዙ።

ጣልያን ንቤተክርትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ካብ ግዳማዊ ምትእስሳር ናጻ ንምግባር (ምስቲ ኣብ እስክንድርያ ዝርከብ ቅዱስ ሲኖዶስ) ብናቱ ኢደ-ጣልቃነት ንኣቡነ ኣብርሃም ከም ፓትሪያርክ፡ ንሽድሽተ ካልኦት ድማ ከም ኣቡናት ንክዀኑ መዘዘ። ኣቡነ ማርቆስ ከኣ ከም ኣቡን ኤርትራን ትግራይን ኰይኖም ተመዘዙ።

እቲ ጕዳይ ንቅዱስ ሲኖዶስ እስክንድርያ ኣየሐጐሶምን፣ ምፍሕፋሓት ምስ ተፈጥረ ኸኣ እቲ ሲኖዶስ፡ ብ1937 ንፓትሪያርክ ኣብርሃም ኰኑ ነቶም ኣቡናትን ብሓባር ወገዝዎም። ኣብ ሓሙሽተ ዓመቶም ግን ሲኖዶስ ነቲ ወገዛ ከም ዝልዓል ገበረ።

እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ኣብ ኤርትራን ኢትይጵያን ምስ ኣተወ፡ ኣቡነ ማርቆስ በቲ ሲኖዶስ (እስክንድርያ) ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ስኖም ነኺሶምዎ ስለ ዝነበሩ ካብ ትሕቲ ቍጽጽር እስክንድርያ ናጻ ክዀኑ ብዓውታ ይዛረቡን ኣጸቢቖም ይጕስጕሱን ነበሩ። ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ንእስክንድርያ ክትብዳህ ብዘይ ምኽኣላ ድማ ኣትሪሮም ክነቕፉ ጀመሩ።

ኣቡነ ማርቆስ መዓርግ ቅሽነት (ኣቡን ዝዀንሉ እዋን) ካብ ኢድ ፓትሪያርክ ኣብርሃም ስለ ዝተቐበሉ ብጥርጠራ ይርኣዩ ነበሩ። በቲ ዝተፈጥረ ምፍሕፋሓት ድማ ብዙሓት ንኣቡነ ማርቆስ ንድልየትን ኣካይዳን ጣልያን ዝድግፉ ኣቡን ገይሮም ክርእይዎም ጀመሩ። እቲ ሓቂ ግን ኣቡነ ማርቆስ ሓደ ካብቶም ንመግዛእቲ ጣልያን ኣትሪሮም ዝተቓለሱ ሰባት ነበሩ።

ደራሲ ቴዎድሮስ ኣብርሃ ከም ዝብሎ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ ላዕሊ ድሮ ከም ዘስፈርናዮ፡ ኣብ ምስረታን ኣካይዳን ማሕበር ሕብረት መሪሕ ተራ ዝነበሮም ካህን ከም ዝነበሮም ኣስሚሩ'ዩ ዝገልጾ።

ኣቡነ ማርቆስ ምስ ተድላ ባይሩን ቀሺ ዲሜጥሮስን ኰይኖም ቀንዲ ኣባል ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ኰኑ። ንማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከኣ ኣብ መስርዕ ሕብረት ዘእተዉ ካህን ብምንባሮም ይዝከሩ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ዝሰዓበ ታሪኽ - መንፈሳዊ ጐስጓስ ናብ ፖለቲካዊ ገጹ ምስ ዘንበለ - ደለይቲ ሕብረት ብሓገዝ ኢትዮጵያ ኣደልዲሎም ክረግጹ ምስ ጀመሩ፣ ኣድላይነት ኣቡነ ማርቆስ ከኣ ንታሕቲ ከንቈልቍል ጀመረ። ኣብ ፖለቲካ ሕብረት ዝነበሮም እምነት ዘለቕለቕ ክብል ጀመረ ይብል ቴድሮስ ኣብራሃ።

ባንዴራ በዓል ተድላ ባይሩን ቀሺ ዲሜጥሮስን እናንበልበላ ድማ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ተሸመመት።

መሪሕ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኣብ ፖለቲካ ሕብረት ብዘመን ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም ቀጸለ። ንሶም ኣብ ምምዕባል ቤተ-ክርስትያን - ኣብ ምሕደራኡ ይዅን ንህዝቢ ብዘቕርቦ ትምህርትን - ዓቢ ተራ'ኳ እንተ ነበሮም ምስቲ ዓቃባዊ መሳርሕቶም (ኣቡነ ማርቆስ) ኣብ ቍርቁስ ምንባሮም ይግለጽ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣቡነ ማርቆስ ብሓደጋ መኪና ብ1961 ኣብ ደንጎሎ ታሕታይ ምስ ሞቱ እቶም ዝቀናቐንዎም ዝነበሩ ካህን - ቀሺ ዲሜጥሮስ ገብረማርያም - ንሕብረት ገጾም ገስገሱ። ንሶም ምስ ተድላ ባይሩን ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ብምትሕብባር ከኣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኽትሓብር ዓቢ ተራ ተጻወቱ።