ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተፈጥረ ዕርቃን ስእሊ ኣዋልድ ንኣደታተን ኣሰንቢዱ

ኣደ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ማሪያ ብላንኮ ራዮ
መግለጺ ስእሊ, ኣደ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ማሪያ ብላንኮ ራዮ

ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ እትርከብ ከተማ፡ ብሰብ-ሰርሖ-ብልሒ [ኤኣይ] ዝተፈጥረ ዕርቃነን ምስሊ ዝረኣያ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርገሐ ኣዴታት ሰንቢደን።

ሓቃዊ ስእልታት ናይተን ኣዋልድ ምሉእ ክዳን ዝለበሳ ኣዋልድ ኮይነን፡ ብዙሓት ካብኣተን ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን ማሕበራዊ ሚድያ ኣካውንት ዝተወስደ እዩ።

እቲ ነዚ ዝሰርሐ መተግበሪ ግን፡ ናይቲ ሰብ ክዳን ከይተኸድነ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተቐመጠ ምስሊ የመንጩ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 20 ኣዋልድ፡ ካብ 11 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚአን፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣውራጃ ባዳጆዝ ኣብ እትርከብ ኣልመንድራለጆ፡ ግዳያት ናይቲ መተግበሪ ኮይነን ንቕድሚት ወጺአን ኣለዋ።

"ሓደ መዓልቲ ጓለይ ካብ ቤት ትምህርቲ መጺኣ 'ማማ ልዕሊ መዕጥቖ ተኸዲነ ዘርኢ ስእልታት ይዘውር ኣሎ' ኢላ" ትብል ኣደ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ማሪያ ብላንኮ ራዮ።

"ዕርቃና ዝተስኣለቶ ስእሊ እንተሃልዩ ሓቲተያ፡ 'ኣይፋል ማማ እዚኣተን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ ዝፍጠራ ዘለዋ ናይ ሓሶት ስእልታት ኣዋልድ እየን፡ ኣብ ክፍለይ ድማ እዚ ዘጋጠመን ካልኦት ኣዋልድ ኣለዋ’ ኢላ ነጊራትኒ።”

ወለዲ ናይተን ኣዋልድ ኣብታ ከተማ ዘተሓባብር ጉጅለ ከም ዝመስረታ ትዛረብ።

ሕጂ ፖሊስ መርመራ ይገብር ከምዘሎን፡ ብውሕዱ 11 ኣወዳት፡ ኣብ ምፍጣር እቶም ምስልታት ወይ ድማ ብመንገዲ ዋትስኣፕን ቴሌግራምን ምስታፎምን ከም ዝተረጋገጸ ጸብጻባት የመልክቱ።

እቶም ዝተዘርግሑ ምስልታት፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣዋልድ ዘሕደሮ ጽልዋ ዝተፈላለየ እዩ።

ሚስ ብላንኮ ራዮ ጓላ ጽቡቕ ትጻወሮ ከምዘላ፡ ገለ ኣዋልድ ግን "ካብ ገዝአን እኳ ክወፅኣ" ከምዘይከኣላ ትዛረብ።

ኣልመንድራለጆ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ኮይና ኣውሊዕን ቀይሕ ወይንን ብምፍራይ ትፍለጥ።

እዚ ክስተት ዘምጽኦ ሃንደበታዊ ኣቓልቦ ግን፡ እታ ከተማ ኣርእስቲ ዜና ዓለም ኮይና ኣላ።

ሚርያም ኣል ኣዲብ

ምንጪ ስእሊ, GUY HEDGECOE/BBC

መግለጺ ስእሊ, ሚርያም ኣል ኣዲብ

እዚ ብዓቢኡ ብሰንኪ ጻዕሪ ሓንቲ ካብተን ኣዴታት ኣዋልድ ዝኾነት ሚርያም ኣል ኣዲብ እዩ።

እታ ሓኪም ማህጸን፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘለዋ ተፈላጥነት ተጠቒማ ነዚ ጉዳይ ስለ ዘውፀአቶ፡ ኣጀንዳ ህዝባዊ ክትዕ ስጳኛ ክኸውን ክኢሉ።

ኣብ ኣሃዱ ሳይበር ገበናት ሃገራዊ ፖሊስ ሓላፊ ሓለዋ ህጻናት፡ ጃቪየር ኢዝኪየርዶ፡ ንማዕከናት ዜና ስጳኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ዓይነት ገበናት ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ “ካብ ኢንተርነት ጽዩፍ- ስእልታት ህጻናት ዘውርድ ሰብ" ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን።

ወሲኹ ድማ፡ "እዚ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ርዱእ'ዩ፡ ሕጂ ግን እቶም ዘጋጥሙና ዘለዉ ሓደስቲ ብድሆታት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኡስ ዕድሚኦም [ንኸምዚ ዝበለ ቴክኖሎጂ] ዘለዎም ተበጻሕነት እዩ" ኢሉ።