ሕውየት ዝጽበ መንፈስን በሰላን ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, REX/SHUTTERSTOCK
እቲ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ሞሮኮ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ኣሚዚሚዝ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ልዕሊ ሽዱሽተ ዘመናት ዘቝጸረ ታሪኻዊ መስጊድ ኣዕንይዎ’ዩ።
ኣብ ጥቃ እቲ መስጊድ ዝርከብ ገለ ኣብያተ ሸቀጥ ከኣ፡ ዳርጋ ዝዀነ ዕንወት ኣየጋጠሞን። እቲ ናብቲ ከባቢ መስጊድ ምስ ከድካ ዝጸንሓካ ቀዳማይ ትርኢት’ዩ።
ኣብ ኣፍደገ እቲ መስጊድ ዝጸንሓና ዓብዲ ዝተበሃለ ሞሮካዊ “ናብቲ ሓደ ኣንጐሎ ምስ ከድኩም እቲ ኣዝዩ ዝተሃሰየን ብፍጹም ዝዓነወን ገዛውቲ ክጸንሓኩም’ዩ” ኢሉና።
ሓቑ’ዩ፤ ናብቲ ዝበለና ከባቢ ምስ ከድና እንትርፎ ብማሽነሪ ዝተኣከበ ዝመስል ኩምራ ሓመድን ሑጡብን ገዛ ዝበሃል ኣይጸነሓናን፡ ኣብ መንጐ እቲ ኩምራ ሓመድን ሕጡብን ገለ ክፋል ናይ ተለቪዥን ይርአ።
ኣብ ኣሚዚሚዝ ሓያለ ሰባት’ዮም ሞይቶም፡ ናይ ገለ ግዳያት ከኣ ሬሳኦም ክሳብ ሕጂ ኣይትረኸበን።
ኣብ ኣሚዚማዝ በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘይተሃሰየ ከባቢ የለን፡ እቲ ቀንዲ ዝተሃሰየ ቦታ ግን እዚ ሕጂ ዘለኽዎ ቦታ ናይ ኣሚዚማዝ’ዩ።

እቲ ገዛውቲ ዳርጋ ብምልኡ ዓንዩ’ዩ፡ እቲ ዝተረፈ ከኣ ውሕስነት ስለዘይብሉ ኵሎም ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ተኣልዮም’ዮም።
እቶም ዕደለኛታት ዝዀኑ ብመንግስቲ መጽለሊ ተዋሂብዎም’ዩ።
ኣብ ፊተይ ኣብ ዘሎ እግሪ ጐቦ ብዙሕ ብጫ ቴንዳታት ኣብ ማእከል እታ ከተማ ከኣ ሰመያዊ ቴንዳታት ብብዝሒ ይርአ፡ እቶም ዕድል ዝገበሩ ኣብኡ’ዮም ዘለዉ።
እተን ዝርካበን ካብቲ ሓደጋ ዝተረፋ ሆቴላት ንዝዀነ ዝመጽአን ጋሻ ብነጻ’የን ዘሕድራ ዘለዋ። እዚ ከኣ ሞሮካውያን ኣብ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ጥምረትን ምትሕልላይን ዘርኢ ኣብነት ጌርካ ክውሰድ ይከኣል’ዩ።
ዓብደላሊ ንሓደ ዓርከይ ዓርኩ’ዩ፡ ኣብ ሓንቲ ሆቴል ከኣ ረኺበዮ።
ዓብደላሊ መምህር ናይ ካልኣይ ደረጃ ኰይኑ፡ መጀመርታ ክንራኸብ እንከለና ፍስህ ኢሉ’ዩ ተቐቢሉኒ፡ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ኵነታት ከዕልለኒ ምስ ጀመረ ግን ኵነታቱ እናተቐየረ ከይዱ።
ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዙሓት ካብ ተምሃሮኡን የዕሩኽቱን ሞይቶም’ዮም።

ዓብደላሊ፡ ኣብታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመትላ ‘ጸላም ዓርቢ’ ዝበላ ዕለት ናይ ጓሉ መበል 21 ዓመት’ዩ ዘብዕል ነይሩ።
ጓሉ መበሰሪ 21 ዓመታ ንዝተወለዓ ሽምዓ ምስ ኣጥፈኣተን መሬት ከንቀጥቅጥ ጀሚሩ።
ኣብ ከፋት ቦታ ስለዝነበሩ ካብቶም ነቲ ጽንብል ዝተኣከቡ ዝተጐድአ ሰብ ኣይነበረን፤ እንተዀነ ገዛኦም ስለዝፈረሰ ኵላ እታ ስድራ ሕጂ ኣብ ቴንዳ’ያ ትነብር ዘላ፤ ብፍጹም ክርሳዕ ዘይክእል ሕማቕ ዝኽሪ ዝገደፈ ዕለት ልደት’ዩ ነይሩ።
ዓብደላሊ “ነቲ ኵነታት ንምግላጽ ሓድሽ ቃል የድሊ’ዩ” ድሕሪ ምባል ድምጹ ኣበርኽ ኣቢሉ “ዘሰንብድ፡ ዘርዕድ፡ መዕኖ ገለ ዝብል ቃል ኣይገልጾን’ዩ። ነቲ ኵነታት በዚ ክሳብ ሕጂ ንሕማቕ ነገር ንምግላጽ እንጥቀመሉ ቃላት ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ ልዕሊኡ’ዩ” ይብል።
እቲ ዓብደላሊ ዝምህረሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ’ዩ፤ ትምህርቲ እንተተጀሚሩ’ውን ኣብ ቴንዳ’ዩ ክካየድ። እዚ ከኣ ኣብ ምሉእ ወለዶታት ዝህልዎ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን።
ዓብደላሊ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ባንኪ’ውን ዓንዩ’ዩ። ሕጂ ዓብደላሊ ሰልዲ ካብ ባንኪ ከውጽእ እንተዀይኑ ዓሰርተታት ኪሎሜተር ተጓዒዙ ካብተን ካብቲ ሓደጋ ደሓን ዘለዋ ባንክታት’ዩ ከውጽእ ዝኽእል።
ንዓብደላሊ ቀንዲ ዘፍርሖ ዘሎ ኵነታት ኣየር’ዩ። ኣብ ሞሮኮ ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ጐቦታት ኣትላስ ብበረድ ክሽፈን ክጅምር’ዩ፤ ዝብዝሐ ክፋል እታ ሃገር ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብ ቴንዳ ኴንካ ኣብ ውሽጢ ገዛ’ውን ዘይክኣል ቍሪ ክወሮ’ዩ።
ዓብደላሊ ኣብ ቴንዳ እንከለና በረድ እንተጀሚሩ ኣነን ስድራይን እንታይ ኢና ንኾኖ ዝብል ሓሳብ’ዩ ዘጨንቖ ዘሎ።
እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጠመሉ ክፋል ሞሮኮ እቲ ዝደኸየ ክፋል ሕብረተሰብ ሞሮኮ ዝነበሮ ከባቢ’ዩ።
ብዙሓት ዘዘራረብክዎም፡ መንግስቲ፡ ነቲ ዝጋጠመ ሓደጋ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ኣዝዩ ከምዝዘሓለ’ዮም ዝዛረቡ።
ሞሮኮ ካብ ቀደማ ‘ቢሮክራት’ ዝዀነት ሃገር’ያ። ከም መርኣያ ናይዚ ንብዙሓት ሰብ መዝን ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ቃለ መሕተት ንኽገብረሎም ኣብ ዝሓተትክሉ፡ ኵሎም ካብ ሓለፍቶም ቃለ መሕተት ንኽገብሩ ፍቓድ ከምዘይተወሃቦም ብምጥቃስ’ዮም ኣብዮምኒ።
ዋላ’ኳ ንሞሮኮ ግዳማዊ ሓገዝ ከምዘድልያ ርጉጽ እንተዀነ፤ ሞሮኮ ካብታ ቅድም ገዛኢታ ዝነበረት ፈረንሳ ዝቐረበላ ሓገዝ ክሳብ ሕጂ ተሓሲማቶ’ያ ዘላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ገዛኣ ዝዓነዋን ኣብቲ ሆቴል ዝረኸብክዋን ሻይማ፡ መንግስቲ ሓገዝ ክብረሎም ተስፋ እንተሃልይዋ ኣብ ዝሓተትኩላ፡ ንሕቶይ ብናይ እስትሕቓል ሰሓቕ ብምጅማር፡ ንሳ ተስፋኣ ካብ ህዝቢ ሞሮኮ ጥራይ ከምዝዀነ’ያ ገሊጻትለይ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዘጋጠም፡ ሞሮካውያን ብሓደ ብምሕባር ማይ፡ ጹማቝ፡ ዘይቲ፡ ሩዝ፡ ከቦርታን ካልእን እናኣዋጽኡ ናብ ከም በዓል ሻይማን ዓብደላሊን ዝኣመሰሉ ግዳያት በቲ ገና ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘይጥጡሕ ኰይኑ ዘሎ መንገዲ ሰጊሮም ናብቶም ግዳያት የብጽሑ ኣለዉ።
ናብቲ መስጊድ ምስ ተመለስና፡ ዓብዲ ንዓይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን፡ ካብተን ዝሰርሐን ሓምሊ እንተዘይበላዕኩም ብምባል፡ ካብተን ዘይብሉ ከካፍለና ወጠጥ ኢሉ።
ሞሮካውያን ምቕሉላትን ተቐበልቲ ጋሻን ምዃኖም ዘርኢ’ዩ፤ በቲ ምንቅጥቃት ምድሪ ዘይፈረሰን መልክዑ ዘይቀየረን ከኣ እዚ ባህሪ እዚ ጥራይ’ዩ።
ኣሚዚሚዝ ንእሽተይን ጽብቕትን ከተማ ምንባራ ገለ ምልክታት ይርኣዩ’ዮም።
ካብታ ከተማ ውጽእ ምስ በልካ ንሸነኽ ምዕራብ ዓበይቲ ጐቦታት ኣለዉዋ።
ካብ መላእ ዓለም ዝመጽኡ ሓኾርቲ እምባታት ናብዚ ውቑብ ዝዀነ እምባታት ንምሕኳር ካብዛ ከተማ’ዮም ዝብገሱ ነይሮም።
ሕጂ ግን ኵሉ የለን፤ እታ ከተማ ሕልምልም’ያ ትብል ዘላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







