ኣብ ህንዲ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ባቡር ልዕሊ 200 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ህንዲ ምብራቓዊ ግዝኣት ኦዲሻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግጫው ብዙሓት ባቡር ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ ልዕሊ 260 ሰባት ከም ዝሞቱን 650 ከም ዝቘሰሉን ሰበስልጣን ገሊጾም።
እቲ ቑጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ሓደጋ ናብ ምምሕዳር ባላሶረ ልዕሊ 200 ኣምቡላንሳት ከም ዝተላእኻ ሓላፊ እታ ምምሕዳር ኦዲሻ ፕራዲፕ ጀና ገሊጹ።
ትማሊ ዓርቢ ምሸት ሓንቲ ባቡር ተገልገልቲ ብኻልእ ባቡር ቅድሚ ምዕጻዋ ካብ መገዲ ሓጺን ተኣልያ ከም ዝነበረት ይግመት።
እዚ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዝኸፍአ ሓደጋ ባቡር እዩ። ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ዝያዳ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
መገዲ ባቡር ህንዲ፡ እቶም ኣብዚ ክስተት ዝተጓነፉ ክልተ ኣገልግሎታት፡ ኮሮማንደል ኤክስፕረስን ሃውራ ሱፐርፋስት ኤክስፕረስን ምዃኖም ገሊጹ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምጥፋእ ሓዊ ኦዲሻ ሱዳንሹ ሳራንጊ፡ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት 288 እዮም ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣመሓዳሪ ባላሶረ ጀና፡ ኣቐዲሙ ልዕሊ 100 ተወሳኺ ሓካይም ከም ዝተዋደዱ ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ በቲ ፍጻመ ከም ዝተጨነቐ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ተመንዩ።
"ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ናይ ምድሓን ስራሕ ይካየድ ኣሎ፤ ነቶም ዝተጎድኡ ድማ ኵሉ ዝከኣል ሓገዝ ይግበር ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣሚት ሻህ፡ ነቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብ ህንዲ ሞት ዘስዓቡ ሓደጋታት ባቡር
- ሰነ 1981: ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመ ህቦብላ ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ባቡር ብዘጋሐመ ሓደጋ ካብ ትሽዓተ ኣሰልጠንቲ እቶም ሸውዓተ ዝርከብሉ ሞት ኣስታት 800 ሰባት ስዒቡ
- ነሓሰ 1995፡ ካብ ደልሂ 200 ኪ.ሜ ርሒቐን ክልተ ባቡራት ብምግጫወን ብውሕዱ 350 ሰባት ሞይቶም
- ነሓሰ 1999፡ ኣብ ጥቓ ኮልካታ (ናይ ቀደም ካልካታ) ክልተ ባቡራት ተጋጭየን ብውሕዱ 285 ሰባት ሞይቶም
- ጥቅምቲ 2005፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ ሓንቲ ባቡር መስመራ ስሒታ ምስ ወጸት 77 ሰባት ሞይቶም
- ሕዳር 2016፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ካንፑር፡ 14 ባጎኒታት ባቡር ኢንዶር-ፓትና ኤክስፕረስ ካብ መስመር ባቡር ምስ ወጽአት፡ ኣስታት 150 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ማዕረ ቁጽሪ ድማ ቆሲሎም
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ወዲ ተባዕታይ "እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ካብ 10 ክሳብ 15 ሰባት ኣብ ልዕለይ ወዲቖም ኵሉ ነገር ተረቢሹ። ንነብሰይ ኣብ እግሪ ጽፍጻፍ ኵምራ እየ ረኺበዮ። ኣብ ኢደይን ኣብ ድሕሪት ክሳደይን ተጎዲአ ኣለኹ። ካብ ባቡር ምስ ወጻእኩ፡ ሓደ ኢዱ፣ ካልእ እግሩ ዝስኣነ ሰብ ርእየ፤ ገጽ ሓደ ሰብ ድማ ተዛቢዑ ርእየ" ክብል ንማዕከን ዜና ህንዲ ኤኤንኣይ ተዛሪቡ።
ኣብታ እዚ ሓደጋ ዘጋጠመላ ግዝኣት መዓልቲ ሓዘን ተኣዊጁ ኣሎ።
ካብ ሻሊማር-ቸናይ ኮሮማንደል ኤክስፕረስ ዝመጻ ሓያሎ ባጎኒታት ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 19፡00 (13፡30 GMT) ካብ መገዲ ባቡር ከም ዝወጽኣ፡ ገሊአን ድማ ኣብ ተጻራሪ መስመር ከም ዝዓረፋ ይእመን።
ካልእ ባቡር - ካብ የስቫንትፑር ናብ ሃውራ እትጓዓዝ ዝነበረት ሃውራ ሱፐርፋስት ኤክስፕረስ - ድሕሪኡ ነተን ዝተገልበጣ ባጎኒታት ከም ዝሃረመት ይግመት።
ሰበ ስልጣን ህንዲ ሓንቲ ናይ ኣቑሑት ባቡር - ኣብቲ ቦታ ደው ኢላ ዝነበረት - እውን ኣብቲ ሓደጋ ከም ዝነበረት ገሊጾም፤ እንተዀነ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ገለ ብህይወት ዝተረፉ ተገልገልቲ፡ ነቶም ኣብቲ ስብርባር ተዓጽዮም ዝነበሩ ንምድሓን ክሕግዙ ተጓይዮም ክኣትዉ ተራእዮም።
ኩባንያታት ኣውቶቡስ ውሽጢ ዓዲ እውን ንዝተጎድኡ ተጓዓዝቲ ኣብ ምጉዕዓዝ ይሕግዙ ነይሮም።
ህንዲ ኣብ ዓለም ዓበይቲ መርበባት ባቡር ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኰይና፡ እናተተኻኽኡ ዝመጽኡ መንግስታት ነቲ ትሕተ ቅርጺ ንምምሕያሽ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት’ኳ እንተውፈሩ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት ከጋጥሙ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ህንዲ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ባቡር ኣብ 1981 ዓ.ም ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ግዝኣት ቢሃር ዘጋጠመ ህቦብላ ንፋስ ነታ ባቡር ካብ መስመር ባቡር ደፊኡ ብምውጻእ ናብ ሩባ ብምእታዋ ብውሕዱ 800 ሰባት ሞይቶም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







