ካብ 30 ሜትሮ ገደል ጸዲፉ ብተኣምር ዝደሓነ ቆልዓ

ሃገራዊ ሕዛእቲ ግራንድ ካንዮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊ ሕዛእቲ ግራንድ ካንዮን

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ኣሪዞና፡ ካብ 30 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ገደል ዝጸደፈ ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ብህይወት ክድሕን ምኽኣሉ ንብዙሓት ኣገሪሙ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ወያት ካውፍማን ዝተብሃለ ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ካብቲ ጸዲፉ ዝተቐርቀረሉ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ገደል ንኸውጽእዎ ኣስታት ክልተ ሰዓታት’ዩ ወሲድሎም።

ወያት ካውፍማን ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብቅጽበት ናብ ሆስፒታል’ኳ ኣንተተወሰደ፡ ምሉእ ንምሉእ ሕክምናዊ ሓገዛት ተገይርሉ ናብ ገዝኡ ተፋንዩ ኣሎ።

ወያት ምስ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብቲ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነ ቦታ፡ ሰባት ክስእል ኢሉ ካብ መንገዱ እልይ ምስ በለ ሸተት ኢሉ ከምዝጸደፈ ሓቢሩ።

መጀመርታ ሸተት ኣብ ዝበለሉ ብሓንቲ ኢዱ ኣብ ሓንቲ ከውሒ ሒዙ ተንጠልጢሉ’ኳ ኣንተነበረ ኢዱ ስለዝረብረበ ግን ናብቲ ሃው ዝበለ ገደል ከምዝጸደፈ ገሊጹ።

ወያት ምስ ማዕከን ተለቪዥን ፎኔክስ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕትት “ምስ ጸደፍኩ ብድሕሪኡ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ ብፍጹም ኣይዝከረንን’ዩ” ኢሉ።

ብምስዓብ “ቁሩብ ናብ ሄሊኮፕተር ክሰቕሉኒ እንከለዉ ከምዚ ሕልሚ ኮይኑ ይዝከረኒ’ምበር ዋላ ሓንቲ ዝዝክሮ ነገር የብለይን”

ወያት ዋላ ድኣ ካብ ሞት ይድሓን’ምበር ኣብ ዓንዲ ሕቕኡ ኣብ ትሽዓት ቦታታት መስበርቲ፡ ማዕበስቲ ሳንቡእን ኣብ ኢዱ መስበርትን ግን ኣለዎ።

ንወያት ካብቲ ዝጸደፈሉን ዝተቐርቐረሉን ገደል ንምውጻእ ዓሰርተታት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን’ዮም ተሳቲፎም።

እቲ ወያት ዝጸደፈሉ መስሓብ በጻሕቲ ዝዀነ ሃገራዊ ሕዛእቲ ግራንድ ካንዮን ብሰንኪ ቅርጺ መሬት ናይቲ ቦታ ሄሊኮፕተር ክትዓልቦ ስለዘይትኽእል፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብዙሕ መስገደል ብምስጋር’ዮም ንወያት ከድሕንዎ ክኢሎም።

ኣቡኡ ንወያት ብርያን ካውፍማን፡ ኣብቲ እዋን ሓደጋ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሰሜን ዳኮታ’ዩ ነይሩ፤ ንሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ከኣ “በቲ ዝገበርክሞ ኣዝየ የመስግነኩም” ኢልዎም።

ብርያን ብምስዓብ “ኣዚና ዕድለኛታት ኢና፤ ንወድና ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ሳንዱቕ ሬሳ ምሳና ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሉ ንገዝኡ ከምዝምለስ ስለዝገበርኩም ብልቢ ነመስግን” ኢሉ።

ወያት ምስ ካልኦት ኣባላት ስድርኡ ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ግራንድ ካንዮን ምስ ካልኦት ኣባላት ስድረኡ ንምዃን’ዩ ከይዱ።