ብሰንኪ ጾታዊ ርክብን ሕጽረት ድቃስን ዝጸንት ዘሎ እንስሳ

ሰሜናዊ ኳል፡ ሓጸርቲ እግር ዘለዎምን ድሙ ዝመስሉን በላዕቲ ስጋ እንስሳታት እዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰሜናዊ ኳል፡ ሓጸርቲ እግር ዘለዎምን ድሙ ዝመስሉን በላዕቲ ስጋ እንስሳታት እዮም

ኣብ ኣውስትራልያ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ሰሜናውያን ኳል ዝተበሃሉ ንኣሽቱ እንስሳታት ድቃስ ገዲፎም ዝያዳ ጾታዊ ኣብ ርክብ ይነጥፉ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ብሰንኪ እዚ ድማ፡ እቶም ኳል ዝተበሃሉ ደቂ ተባዕትዮ እንስሳታት ንሞት ይቃልዑ ከም ዘለዉ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

እቶም ደቂ ተባዕትዮ መጻምድቲ ንምድላይ ነዊሕ ርሕቀት ከም ዝጓዓዙን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ መስርሕ ከም ዘይድቅሱን እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ሰሜናዊ ኳል፡ ሓጸርቲ እግሪ ዘለዎምን ድሙ ዝመስሉን በላዕቲ ስጋ እንስሳታት ኮይኖም ኣብ ጫካታት ኣውስትራልያን ኒው ጊኒን ዝርከቡ እዮም።

ደቂ ተባዕትዮ ኳል፡ ኣብ ሓደ ናይ ምርባሕ ወቕቲ ንነብሶም ክሳብ ዝሞቱ ርክብ ብምፍጻሞም ብሕጽረት ዕረፍቲ ህይወቶም ክሓልፍ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣንስቲ ብኣንጻሩ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ክነብራን ክባዛሓን ይኽእላ እየን።

"ብዝተኻእለ መጠን ንምርባሕር ነዊሕ ርሕቀት ይጓዓዙ፡ ረስኒ ጾታዊ ርክቦም ድማ ኣዝዩ ሓያል ስለዝኾነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ንምድላይ ዝያዳ ግዜ ስለዘሕልፉን ድቃስ ዝገድፉ ዘለዉ ይመስሉ" ይብል ላዕለዋይ መምህር ዩኒቨርሲቲ ሳንሻይን ኮስት ክሪስቶፈር ክሌመንት።

ትካል ክሪስቶፈር ክሌመንተ ምስ ዘ ዩኒቨርሲቲ ኲንስላንድ ብሓባር መጽናዕቲ ብምክያድ'ዮም ንውጽኢት ምርምሮም ኣሕቲመሞ።

ተመራመርቲ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሰሜናዊ ግዝኣት ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ደሴት ግሩት ኣይላንድ፡ ኣብ ዱር ኣብ ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስተዮን ኳል ኣሳ'ሪ ዘለዎም ቦርሳታት ድሕሪ ምግጣም፡ ንልዕሊ 42 መዓልታት ሓበሬታ ኣኪቦም።

ገለ ካብቶም ኳል ዝተበሃሉ እንስሳታት ኣብ ሓንቲ ለይቲ ልዕሊ 10 ኪ.ሜ ከም ዝተጓዕዙን፡ እዚ ድማ ብመሰረት ማእከላይ ስጉምቲ ደቂ ሰባት ኣስታት 40 ኪ.ሜ ከም ዝኾነን እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ባልዕ ወይ ጽግዕተኛታት ክስሕቡ’ውን ተራእዮም።

ነዚ ምኽንያቱ: ንነፍሲ ወከፍ ወቕቲ ምርባሕ ብዝበለጸ ምእንቲ ክጥቀሙሉ፡ ንገዛእ ርእሶም ንምክንኻን ዝወሓደ ግዜ ስለ ዘወፍዩ ክኸውን ይኽእል።

ተመራመርቲ፡ እቶም ተባዕትዮ መግቢ ኣብ ምድላይ ወይ ብበላዕቲ እንስሳታት ከይተሓዙ ኣብ ምጽዓር ከም ደቂ ኣንስትዮ ንቑሓት ከም ዘይኮኑ ገሊጾም።

"ድቃስ ምስኣን፡ ከምኡ'ውን ተዛመድቲ ምልክታት፡ ወቕቲ ምርባሕ ስዒቡ ኣብቶም ደቂ ተባዕትዮ ዝተመዝገበ ጠንቂ ሞት ከረድእ ይኽእል'ዩ" ይብል መሪሕ ተመራማሪ ናይቲ መጽናዕቲ ጆሹዋ ጋሽክ።

"ቀሊል ግዳይ ይኾኑ፡ ብተሽከርከርቲ ይግጨዉ፡ ወይ ድማ ብድኻም ጥራይ ይሞቱ።"

ጆሹዋ ጋሽክ ወሲኹ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መረዳእታ፡ ሕጽረት ድቃስ ንዞም ኣብ ኣውስትራልያን ፓፑዋ ኒው ጊኒን ንዝርከቡ እንስሳታትን ሰፊሕ ስድራቤታትን ብኸመይ ከም ዝጸልዎም ተወሳኺ መጽናዕቲ ዘድሊ ምዃኑ ከም ዘመልክተ ገሊጹ።

ብመሰረት ዕቃበ እንስሳ ዘገዳም ኣውስትራልያ፡ ኣስታት 100 ሽሕ ሰሜናዊ ኳል ብህይወት ኣለዉ፡ ብዝሒ እቶም እንስሳታት ግን "ቅልጡፍ ምንቁልቋል" ከርእይ ጸኒሑ'ዩ።

ብጥፈታት ምዕባለ መንበሪ ከባቢኦም ስለ ዝጠፍእን ካብ ግዳማዊያን ደማሙ ን መጥቃዕቲ ስለዝበጽሖምን ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ይርከቡ።