ከምዚ'ውን ኣሎ! ነብሶም ክቐትሉ ዝወሰኑ መማውትቲ ዝዀንዎም ዘራኽብ መርበብ

ምንጪ ስእሊ, Phil Coomes/BBC
መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዘገድስ ሓበሬታ እትረኽበሉ መድረኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነብሶም ክቐትሉ ዝወሰኑ ሰባት፡ ሓቢሮምዎም ዝሞቱ መጻምዲ ዝረኽቡሉ ባይታ'ውን ፈጢሩ ከምዘሎ እዩ እዚ ስዒቡ ዝንበብ ዛንታ ዝጸዊ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ዘሰክፍ ተርእዮታት ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።
በቲ መርመራ መሰረት፡ ልዕሊ 700 ሰባት፡ ኣብ ሓደ ንነብሰ ቅትለት ዝድግፍ ወይ ዘተባብዕ መርበብ ሓበሬታ፡ ምስኦም ሓቢሩ ክመውት - ነብሱ ከጥፍእ - ዝደሊ መጻምድቲ ንምርካብ ይጽሕፉ።
እዚ ስሙ ዘይተገልጸ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ንኣባላት ጥራይ ዝምልከት ክፋሉ “መላግቦ መጻምዲ” ዘአንግድ ኰይኑ፡ ውልቀሰባት፡ ምስ ካልኦት ነብሶም ክቐትሉ ዝሓሰቡ እንተሃልዮም ክራኸቡሉ ይኽእሉ።
እቲ መርመራ፡ ሓያሎ ብሓባር ነብሶም ዝቐተሉ ሰባት ከምዘለው፤ እቲ መላግቦ ድማ ዝያዳ ተቓላዕቲ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ዝገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
በቲ መርመራ ዝተረኽበ ሓደ ዘሕዝን ዛንታ ብሬት ስቲቨንስ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ እዩ።
ንሱ ብመንገዲ እዚ መርበብ ምስ ሓንቲ ነብሳ ከተጥፍእ ዝደለየት ጓል ኣንስተይቲ ርክብ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣብ ታሕሳስ 2019 ካብ ሚድላንድስ ናብ ስኮትላንድ ተጓዒዙ። ክልቲኦም ድማ ሓደ መዕረፍ ኣጋይሽ ተኻርዮም ብሓባር ነብሶም ኣጥፊኦም።
ብሞት ወዳ ዓሚቝ ዝጐሃየት ኣደ ብሬት - ኣንጀላ ስቲቨንስ፡ ነቲ ሓደገኛን ጽዩፍን “ጸልማት ስሪት መተግብቲ -ኣፕ - ዕርክነት” ኢላ ዝገለጸቶ መርበብ፡ ንዓመታት ከተናድዮ ከምዝጸንሐት እያ ትዛረብ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ተጠቀምቲ ህይወቶም ከጥፍኡ ዘተባብዕ ጥራይ ዘይኮነስ ብኸመይ ነብሶም ከምዝቐትሉ’ውን ዝርዝር መምርሒታትን ሓበሬታን ይህብ እዩ።
ቢቢሲ ልዕሊ 5 ሽሕ ጽሑፋት ኣብቲ መላግቦ ከምዝተለጠፈን፡ ካብ መላእ ዓለም ዝራኸቡ ሰባት ከምዘአንግድን፡ እዚ ድማ ንሰፊሕ ዝርግሐ ናይዚ መድረኽ ዘጕልሕ ምዃኑ ረኺቡ።
ጕጅለ መርመራ ቢቢሲ፡ ስሙ ዘይተገልጸ ኣካውንት ከፊቱ እዩ። ብዝሕን ትሕዝቶን መልእኽትታት ተንቲኑ።
ኣባላት እቲ መርበብ፡ ዕድመኦም፡ ጾታኦም፡ ቦታኦምን ዝመርጽዎ ኣገባብ ኣማውታን፡ ምስኦም ዝመውት ሰብ ከምዝደልዩን ይልጥፉ።
ካልእ ልቢ ዝሰብር ዛንታ ድማ ናይ ሊንዳ ካይት ኰይኑ፡ ኣብ 2023 ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ንዝደሊ መጻምድቲ ትደሊ ከምዘላ ኣወዓዊዓ።
ንሳ፤ “ኣነ 54F [ጓል ኣንስተይቲ] እየ፤ ኣብ ከባቢ ለንደን እየ ዝነብር፤ ናብ ዝዀነ ክጓዓዝ እኽእል እየ፡ ንሆቴል ድማ ክኸፍል ይኽእል እየ፤ በዚ ንሰማማዕ እመስለኒ፤ ርዱእ እዩ ግን መጀመርታ ምዝርራብ ጽቡቕ ምዀነ፡” ክትብል እያ ለጢፋ።

ሊንዳ - ከምቲ ዝገለጸቶ - ጓል 54 ዓመት ኣብ ከባቢ ለንደን ትነብር ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ ብመንገዲ እቲ መርበብ ሓበሬታ ምስ ሓደ ሰብኣይ ተራኺባ።
ክልቲኦም ድማ ብሓባር ኣብ ሓደ ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝርከብ ሆቴል መርዛም ኬሚካል ወሲዶም ነብሶም ኣጥፊኦም።
ሓፍቲ ሊንዳ ሄለን ካይት፡ ነቲ መድረኽ “ተስፋ ንዝቘረጻ ነፍሳት ዝሃድን” ኢላ ብምግላጽ፡ ንውልቀሰባት ናብ ሞትን ናብ ዘይትምንለሶ መንገዲ ዝደፍእ ምዃኑ ትኣምን።
ሄለን፡ “ሊንዳ ኣብ ጐድኒ ሬሳ ሓደ ፍጹም ዘይትፈልጦ ሰብ ተጋዲማ” ከም ዝተረኽበት ትዛረብ።
ንሳ፡ መዓልታዊ፡ “ደገፍ ዝደልዩ ንጹሃት ግዳያት ኣብ መጻወድያ ናይዚ መርበብ” ይኣትዉ ኣለዉ ኢላ ትገልጽ።
እዚ ድማ ነቶም ድሕሪት ዝገድፉዎም ስድራቤቶም “ዘይንገር ሕሰምን መከራን” ከም ዘስዕበሎም ትዛረብ።
ኰይኑ ድማ እቲ ኣመና ዘሕዝን ከኣ፡ ካልእ ብሞት ሊንዳ ዝተሃሰየት ሓፍተን ዝዀነት ሳራ እውን በቲ መርበብ ኣቢላ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምማታ እዩ።
እዞም ኣብቲ መላግቦ መጻምዲ ዘለዉ ሃደንቲ ፡ ንዝተቓልዑ ውልቀሰባት ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ንምምዝማዝ ከምዝጥቀሙሉ'ውን መርመራ ቢቢሲ ኣቃሊዑ ኣሎ።
ኣብ ሓደ ጉዳይ፡ ክሬግ ማኪናሊ ዝተባህለ ወዲ 31 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብቲ መድረኽ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ብምግባር፡ ነብሰ ቅትለት ከለማምደክን ብምባል ናብ ገዝኡ ሓባቢሉ የስሕተን።
ማኪናሊ ንሓንቲ ጓል ክሳብ ሕልናኣ ትስሕት ሓኒቑዋ፤ ድሒሩ ድማ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ተመሳሳሊ፡ ንነብሰ ቅትለት ዝኸውን ኣገልግሎት “ምኽርን ሓገዝን” ከምዝሃበ ተረጋጊጹ።
ሓንቲ ካብተን ግዳያቱ ዝዀነት ጓል 22 ዓመት ሮበርታ ባርቦስ ዝተባህለት ሮማንያዊት ተምሃሪት፡ ኣብ መወዳእታ ነብሳ ቀቲላ።
ማኪናሊ እንተወሓደ ንኽልተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ማእሰርቲ ተፈሪዱ፤ ንዝተረፈ ዕድመኡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንዕ እገዳታት ተገይሩሉ።

እቲ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ገለ ተጠቀምቲ እዚ መርበብ፡ ምስቶም ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙ መሻርኽቶም ንምርኻብ ዓለምለኻዊ ጕዕዞ ከምዘካየዱ እዩ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኣብ ሚነሶታ ኣመሪካ ዝነብር ዝነበረ ወዲ ናብ ብሪጣንያ ብምምጻእ ምስ ሓንቲ ኣብቲ መርበብ ዝረኸባ ጓል 21 ዓመት ጓል ኣብ ሆቴል ሓዲሩ።
ንሳ ደቂሱ እንከሎ መርዛም ከሚካል ወሲዳ ከምዝሞተት ይገልጽ። ኣብ ካልእ ጉዳይ፡ ሓደ ካብ ፍሎሪዳ ዝመጸ ሰብኣይ’ውን፡ ብመንገዲ እቲ መርበብ ዝረኸቦም ብዙሓት ውልቀሰባት፡ ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከምዝተራኸበ ይእመን።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ኣሰካፊ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ 2023 ሕጊ ድሕነት ኦንላይን ብምትእትታው፡ ተቘጻጻሪ ትካል ኦፍኮም ኣንጻር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መርበባት ሓበሬታ ክሰርሕ ስልጣን ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
ይዅን እምበር እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ፡ ንእሽቶን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩን ኰይኑ፡ ሕጋዊ ስጕምቲ ንኽውሰዶ ኣጸጋሚ ምዃኑን እዩ።
ኦፍኮም ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ መርበብ ሓበሬታ ርክብ ጌሩ’ሎ፤ ኣብ መጀመርታ ንተጠቀምቲ ዓባይ ብሪጣንያ ምእታው ገዲቦም እኳ እንተነበሩ፡ ድሒሮም ግን ነዚ ውሳነ ገዲፎሞ።
ዋላ’ኳ ሕጋዊ ብድሆታት እንተሃለወ፡ ሓዘንተኛታት ስድራቤታትን ሰበስልጣንን ነዚ ኣመና ሃሳዪ ጽልዋ ዘለዎ መርበብ ንምምካት ሓቢሮም ክጽዕቱ ምዃኖም እዮም ዝገልጹ።
ውላዳ በቲ መላግቦ መጻምዲ ዝሰኣነት ኣንጀላ ስቲቨንስ፡ እዚ “ሕልሚ በላዒ” ንመጥቃዕቲ ክፉት ብምዃኑ እዩ ኢላ ብምግላጽ፡ ዝሓየለ መከላኸሊ ኦንላይን ምትግባር ኣዝዩ ከምዘድሊ ትተሓሳስብ።
እቲ መርመራ፡ ተወሳኺ ዘሕዝን ፍጻመታት ንምዕጋትን ተቓላዕቲ ውልቀሰባት ካብ ምዝመዛን ጉድኣትን ንምክልኻልን ህጹጽ ስጕምቲ ከምዘድሊ ኣጕሊሑ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







