ንኤርትራ ክጸሉ ዝኽእል ሓድሽ መደብ ቪዛ ኣመሪካ እንታይ እዩ?

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነቲ በጻሕቲ ልዕሊ ዝተወሰነሎም ግዜ ኣብታ ሃገር ዝጸንሕሉ ኵነታት ንምቅላስ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ሓድሽ ፈተነኣዊ መደብ መስርሕ ቪዛ ከተኣታቱ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝጅምር ፈተነኣዊ መደብ፡ ንዝተወሰኑ ቪዛታት በጻሕትን ንግድን ክሳብ 15,000 ዶላር ቦንድ ክሓትት ከም ዝኽእል ሰኑይ 4 ነሓሰ ንዝወጽአ መንግስታዊ መግለጺ ጠቒሱ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ መደብ፡ ኣብተን ዜጋታተን ልዕሊ ዝተፈቕደሎም ግዜ ኣንዊሖም ብምጽናሕ ብፍሉይ ዝተመዝገባ ሃገራት ከተግብራ - ቦንድ ከስገድዳ - ንኣብያተ ጽሕፈት ቈንስላት ኣመሪካ ፍሉይ ስልጣን ዝህብ ምዃኑ ምልክታ ቤትጽሕፈት ፈደራል መዝገብ ኣመሪካ ይሕብር።

ብዘይካ'ዚ፡ ድሕረባይታን ሰነድ መዝገብ ገበንን ካልእን ዜጋታተን ኣብ ምጽራይ ትሑት ብቕዓት ከም ዘለወን ኣብ ዝተመደባ ሃገራት እውን መስርሕ ቦንድ ክትግበር ምዃኑ እቲ ምልክታ ወሲኹ የነጽር።

ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ቀንዲ ቀዳምነታት ምምሕዳሩ ንዘይሕጋዊ ስደት ንምቅላስን ኣድለይቲ ስጕምቲታት ዝበሎም ምውሳድን ምዃኑ ብምምልካት፡ ዶብ ንምውሓስ ዘኽእል ጸጋታት ብምዕባይ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝነብሩ ሰባት ምእሳርን ምጥራዝን ከተግብር ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ሃገራዊ ድሕነት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ንዜጋታት 19 ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል እገዳ መገሻ ኣንቢሩ እዩ።

እዚ ካብ 20 ነሓሰ ጀሚሩ ዝትግበር ሓድሽ መደብ ቪዛ፡ ብመልክዕ ፈተነ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ምዃኑ መንግስታዊ ምልክታ ይሕብር።

በቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ መሰረት ሰበስልጣን ቈንስላዊ ኣብያተ ጽሕፈት ንሓተትቲ ቪዛ ሰለስተ ኣማራጺታት ክህልዎም እዩ፤ 5,000 ዶላር፡ 10,000 ዶላር ወይ 15,000 ዶላር። ብሓፈሻ ግን እንተ ወሓደ 10,000 ዶላር ከኽፍሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ፈደራል መዝገብ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ፡ ከም መልክዕ ትሕጃ ኰይኑ ገያሾ ብመሰረት ቪዛኦም ካብታ ሃገር እንተ ወጺኦም ብኡ ንብኡ ክምለሰሎም ምዃኑ ምልክታ ፈደራል መዝገብ ኣነጺሩ'ሎ።

ተመሳሳሊ መደብ ፈተነ፡ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ - ኣብ ሕዳር 2020 ተጀሚሩ ከም ዝነበረ፣ እንተዀነ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝሰዓበ ምቍራጽ ዓለማዊ መገሻታት ግን ግብራዊ ከም ዘይኰነ እቲ ምልክታ ኣዘኻኺሩ።

ወሃቢቓል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነተን በዚ መምርሒ ዝጽለዋ ሃገራት ዝምልከት ንዘቐመጦ መዐቀኒታት ዘርዚሩ፤

"ልዕሊ ዝተፈቕደ ግዜ ብምጽናሕ ዝተመዝገባ ሃገራት፡ ጉድለታት መርመራን ምጽራይን፡ ብዘይ ረቛሒታት መንበሪ ፍቓድ ወፍሪ ብምግባር ጥራይ ዜግነት ንምርካብ ዝምልከት ስክፍታታትን ከምኡ'ውን ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ግምት ብዘእተወ ረቛሒታት ክልለያ እየን፡" ይብል።

እቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ነተን በዚ ሓድሽ መደብ ዝጽለዋ ሃገራት ዛጊት ክዝርዝር'ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ እቲ ዝርዝራት በብግዚኡ ክመሓየሽ ከም ዝኽእል ግን ኣተንቢሁ።

ብዙሓት ካብተን ብእገዳ መገሻ ትራምፕ ዒላማ ዝተገብራ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ቻድ፡ ሀይቲ፡ ሚያንማርን የመንን ዝርከብአን ሃገራት ልዑል መዝገብ ልዕሊ ግዜ ጻንሖት ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብቲ ወርሒ ኣብ ዝተተግበረ እገዳ ቪዛ ዝኣተወትሉ ምኽንያት ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ሽዑ ዝወጽአ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኤርትራ ፓስፖርትን ስቪላዊ ሰነዳትን ብግቡእ መንገዲ ከም ዝህብ ኣመሪካ እምነት የብላን፤ እዚ ድማ መንነት ሰባት ኣብ ምርግጋጽ ስክፍታታት ዘለዓዕል እዩ፡" ይብል።

ብዘይካ'ዚ፡ መዝገብ ገበን ኤርትራውያን ዜጋታት ንኣመሪካ ክፉት ስለ ዘይኰነ፡ ጸጥታዊ ስክፍታታት ዝፈጥር እዩ። ኤርትራ [ምስ ኣመሪካ] ናይ ዘይምትሕብባር ድሕረ-ባይታ ኣለዋ፣ ብሕልፊ፡ ዝተሰጐጉ (ዝተኣልዩ ውልቀሰባት) ምቕባል ከም እትኣቢ እውን ይገልጽ።

እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ካብ ገደብ ግዜ ቪዛኻ ምሕላፍ ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ኣብዚ መዳይ'ዚ ልዑል መጠን ከም ዘመዝገቡ ብኣሃዛት ኣሰንዩ የቕርብ።

ካብቶም ብዋኒን ወይ ዓዲ ክርእዩ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 20.09 ሚእታዊት ከይተመልሱ ክተርፉ እንከለዉ፣ ብትምህርቲ ወይ ብምልውዋጥ በጻሒ ካብ ዝኣተዉ ከኣ እቶም 55.43 ሚእታዊት ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ የመልክት።

ማሕበር ጕዕዞ ኣመሪካ ነዚ ሓድሽ መደብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ገምጋም፡ "ስፍሓት እዚ ፈተነኣዊ መደብ 'ቪዛ ቦንድ' ድሩት ይመስል፣ ብገምጋም 2,000 ኣመልከትቲ ክጽለዉ ይኽእሉ፤ ተጸለውቲ ካብተን ብተዛማዲ ትሑት መጠን መገሻ ዘለወን ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ፡" ይግምት።

ኣብቲ ሪፓብሊካን ዝቈጻጸርዎ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ጸዲቑ ንዝዀነ 'non-immigrant' ቪዛ፡ 250 ዶላር ክፍሊት ተመላሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ 250 ዶላር ክፍሊት ካብ ዝመጽእ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ እዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል።

እዚ ክፍሊታት ንኣመሪካ ንዝግበር ጕዕዞ ዓንቃፊ ምዃኑ ዝጠቐሰ ማሕበር ጕዕዞ ኣመሪካ፡ "ኣመሪካ፡ ኣብ ዓለም ንበጻሕቲ ዝለዓለ ክፍሊት ኣትሓትት ሃገር ክገብራ እዩ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።