ብራዚል፡ ኣስከሬን ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ተረኺቡ

ኣብ ብራዚል ግዝኣት ሳኦ ፓሎ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ዘጋጠመሉ ቦታ ናይ ዝሞቱ ኩሎም ሬሳታት ከምዝተረኸበ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

ብመገዲ ኣየር ቮፓስ እትውነንነፋሪት ኣብ ከተማ ቪንሄዶ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ጋንታታት ምድሓን ህይወት ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምርካብን ንምልላይን ክሰርሓ ጸኒሐን እየን።

ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ትማሊ ሰንበት ወሲኹ ናብ 62 ደይቡ’ሎ።

መገዲ ኣየር ቮፓስ ኣቐዲሙ እታ ኤቲኣር 72-500 ነፋሪት 57 ተጓዓዝትን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ጽዒና ከምዝነበረት ሓቢሩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብታ በረራ ካልእ ጸብጻብ ዘይተገብረሉ ተሳፋራይ ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘውር ዝነበረ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ሓንቲ ነፋሪት ብቐጥታ ተወርዊራ ክትወድቕ እንከላ የርእይ።

እታ ነፋሪት መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ ዝተሓምሸሸት እኳ እንተኾነት ኣብ መሬት ካ ብዝጸንሑ ዝተጎድአ ሰብ ግን የለን።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኮንዶሚንየም ሓደ ገዛ ጥራይ ከምዝተሃስየ ድማ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ምምሕዳር ግዝኣት ሳኦ ፓሎ፡ ትማሊ ሰንበት ሬሳ ግዳያት ካብቲ ቦታ ንምእላይ ዘካየዶ ስርሒት ከምዝዛዘመ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ፡ እቶም ሬሳታት 34 ደቂ ተባዕትዮን 28 ደቂ ኣንስትዮን ክኾኑ እንከለዉ ኣብ ከተማ ሳኦ ፓሎ ናብ ዝርከብ መጽንሒ ሬሳ ፖሊስ ይግዕዙ ከምዘለዉን፡ ኣብኡ ድማ መንነቶም ተለልዮም ነናብ ስድራቤታት ከምዝለቐቑን ሓቢሩ።

ክልተ ካብቶም ግዳያት፡ እቲ ኣብራርን ሓጋዚኡን መንነቶም ከምዝተፈልጠ ምምሕዳር እቲ ግዝኣት ኣረጋጊጹ።

ብተወሳኺ ኣባላት ስድራቤት ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ክሓድሩ ምዃኖም ብምሕባር፡ ነቶም ግዳያት ንምልላይ ክሕግዙ ምዃኖም ገሊጹ። ክሳብ ሕጂ 38 ስድራቤታት መጺኦም ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ምጥፋእ ሓዊ ካፕቴን ማይኮን ክሪስቶ፡ ጋንታታት መንነት ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ንምልላይ ኣብ ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት ይምርኮሳ ከምዘለዋ ኣረዲኡ።

እዚኦም ድማ ሰነዳትን ኣቀማምጣ ሬሳታትን ምስ ኮፍ መበሊ ብዝተኣሳሰር፡ ከምኡ’ውን ገለ ካብቶም ግዳያት ዝተረኽበ ሞባይላት ይርከብዎም።

ኤቲኣር 72-500 ዝተሓምሸሸትሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ዛጊድ ኣይተፈልጠን። ሰብመዚ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ኣብ እዋን በረራ ንዘሎ ኩነተት ዝቐድሑ ቴክኖሎጂተት ከም ዝተረኽቡ ገሊጾም።

ኤቲኣር ዝተብሃላ ነፈርቲ ዘፍሪ ፈረንሳውን ኢጣሊያውን ኩባንያ ነፈርቲ ነቲ መርመራ ኣብ ምጽራይ ክተሓባበር ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

እታ ነፋሪት ቅድሚ ምሕምሻሻ ኣብ ዝነበሩ 20 ደቓይቕ ናይ መወዳእታ ምልክት ሂባ ከምዝነበረት ይግለጽ።

ትካል ሲቪል ኣቬሽን ብራዚል፡ እታ ኣብ 2010 ዝተሃንጸት ነፋሪት፡ "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ስራሕ፡ ሕጋዊ ምዝገባን ምስክር ወረቐት ብቕዓትን" ከምዝነበረት ገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ኣርባዕተ ኣባላት ኩሎም ግቡእ ፍቓድ ዘለዎምን እኹል ብቕዓት ከም ዝነበሮምን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ካስካቨል ዝርከብ ሆስፒታል መንሽሮ ዩኦፔካን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተ ካብ ሰልጠንቲ ሓካይሙ ካብቶም ዝሞቱ ተሳፈርቲ ምዃኖም ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት መጓዓዝያ ዝወደቐትሉ ህሞት ነበርቲ እቲ ከባቢ ክዕዘብዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ኣባይቶም ዝወረደ ጉድኣት ገሊጾም።

ሉዊዝ ኣውጉስቶ ደ ኦሊቨራ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱን ምስ ሰራሕተኛታቶን ኣብ ገዛ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን "ሃንደበት እታ ነፋሪት ኣብ ድሕሪት ገዛይ ክትፍንጀር ርኢናያ" ኢሉ።

ኩሎም ኣብቲ ገዛ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይተጎድኡ ብምሕባር "ውሑድ ዕንወት ኣቑሑት በጺሑ። ብመንጽር እቲ ሓደጋ ክሓስቦ እንከለኹ ንኣምላኽ ከመስግኖ’ዩ ዘለኒ" ኢሉ።