ኢትዮጵያ፡ ውቍባት ኣሳእል በዓል መስቀል

በዓል መስቀል ምስ ምርካብ እቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መስቀል ተኣሳሲሩ ከም ዝኽበር ይግለጽ።
መግለጺ ስእሊ, በዓል መስቀል ምስ ምጅማር ኣለሻ እቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መስቀል ተኣሳሲሩ ከም ዝኽበር ይግለጽ።
መስቀል ፅንእነ (ጽንዓትና)፣ መስቀል በይዛነ (በይዛና)፣ መስቀል ሃይልነ(ሓይልና)፣ መስቀል መድሃኒት ነብስነ መድሓኒት ነብስና ዝብል ጥማርን ዘይፈላለን መልእኽቲ ከም ዝሓዘ ኣስተምህሮ ይወሃብ።
መግለጺ ስእሊ, መስቀል ፅንእነ (ጽንዓትና)፡ መስቀል በይዛነ (በይዛና)፣ መስቀል ሃይልነ(ሓይልና)፣ መስቀል መድሃኒት ነብስነ መድሓኒት ነብስና ዝብል ጥማርን ዘይፈላለን መልእኽቲ ከም ዝሓዘ ኣስተምህሮ ይወሃብ።
እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ተኣምር ይፍጽም ነይሩ። ኣይሁዳውያን ቀቢሮም ኣብ ልዕሊኡ ን260 ዓማውቲ ጓሓፍ የፍስስሉ ከም ዝነበሩ ኣስተምህሮታት ቤተክርስትያን የረድኡ።
መግለጺ ስእሊ, እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ተኣምር ይፍጽም ነይሩ። ኣይሁዳውያን ቀቢሮም ኣብ ልዕሊኡ ን260 ዓማውቲ ጓሓፍ የፍስስሉ ከም ዝነበሩ ኣስተምህሮታት ቤተክርስትያን የረድኡ።
ቅድስቲ ኢለኒ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢሩዋ፤ መስከረም 17 ኵዕታ ተጀሚሩ፤ መጋቢት 10 መስቀል ካብቲ ዝተቐበረሉ ስፍራ ወጺኡ።
መግለጺ ስእሊ, ቅድስቲ ኢለኒ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢሩዋ፤ መስከረም 17 ኵዕታ ተጀሚሩ፤ መጋቢት 10 መስቀል ካብቲ ዝተቐበረሉ ስፍራ ወጺኡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ድሮ መዓልቲ መስቀል ደመራ ይውልዑ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ድሮ መዓልቲ መስቀል ደመራ ይውልዑ
እቲ ምውላዕ ደመራ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዝካየድ ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓታት ተሰንዩ ይፍጸም
መግለጺ ስእሊ, እቲ ምውላዕ ደመራ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዝካየድ ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓታት ተሰንዩ ይፍጸም
ስነስርዓት ምውላዕ ደመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
መግለጺ ስእሊ, ስነስርዓት ምውላዕ ደመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ስነስርዓት ምውላዕ ደመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናብቲ ደመራ ዝውልዓሉን ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝካየደሉን ቦታ ብባህላዊ ኣልባሳት ደሙቖም ይኸዱ።
መግለጺ ስእሊ, ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናብቲ ደመራ ዝውልዓሉን ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝካየደሉን ቦታ ብባህላዊ ኣልባሳት ደሚቘም ይኸዱ።
ሰባት ኣብ ደመራ
ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣብ ዝካየደሉ እዋን መዝሙራት እውን ብተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ይቐርቡ
መግለጺ ስእሊ, ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣብ ዝካየደሉ እዋን መዝሙራት እውን ብተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ይቐርቡ
ቅድስቲ ኢለኒ ብትኪ ተመሪሓ ነቲ መስቀል ከም ዝረኸበቶ ኣስተምሮ ቤተክርስትያን የገንዝብ
መግለጺ ስእሊ, ቅድስቲ ኢለኒ ብትኪ ተመሪሓ ነቲ መስቀል ከም ዝረኸበቶ ኣስተምሮ ቤተክርስትያን የገንዝብ
ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትመዛሙር የቕርቡ