ኢትዮጵያ፡ ውቍባት ኣሳእል በዓል መስቀል
መግለጺ ስእሊ, በዓል መስቀል ምስ ምጅማር ኣለሻ እቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ መስቀል ተኣሳሲሩ ከም ዝኽበር ይግለጽ።መግለጺ ስእሊ, መስቀል ፅንእነ (ጽንዓትና)፡ መስቀል በይዛነ (በይዛና)፣ መስቀል ሃይልነ(ሓይልና)፣ መስቀል መድሃኒት ነብስነ መድሓኒት ነብስና ዝብል ጥማርን ዘይፈላለን መልእኽቲ ከም ዝሓዘ ኣስተምህሮ ይወሃብ።መግለጺ ስእሊ, እየሱስ ዝተሰቐለሉ መስቀል ብዙሕ ተኣምር ይፍጽም ነይሩ። ኣይሁዳውያን ቀቢሮም ኣብ ልዕሊኡ ን260 ዓማውቲ ጓሓፍ የፍስስሉ ከም ዝነበሩ ኣስተምህሮታት ቤተክርስትያን የረድኡ።መግለጺ ስእሊ, ቅድስቲ ኢለኒ ዳሜራ ኣንዲዳ እቲ ትኪ ንኣንፈት እቲ ዝተቐበረ መስቀል ተኺኹ ሓቢሩዋ፤ መስከረም 17 ኵዕታ ተጀሚሩ፤ መጋቢት 10 መስቀል ካብቲ ዝተቐበረሉ ስፍራ ወጺኡ።መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኢትዮጵያ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ኣብ ድሮ መዓልቲ መስቀል ደመራ ይውልዑመግለጺ ስእሊ, እቲ ምውላዕ ደመራ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዝካየድ ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓታት ተሰንዩ ይፍጸምመግለጺ ስእሊ, ስነስርዓት ምውላዕ ደመራ ኣብ ኣዲስ ኣበባመግለጺ ስእሊ, ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናብቲ ደመራ ዝውልዓሉን ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝካየደሉን ቦታ ብባህላዊ ኣልባሳት ደሚቘም ይኸዱ።መግለጺ ስእሊ, ሃይማኖታዊ ስርዓት ኣብ ዝካየደሉ እዋን መዝሙራት እውን ብተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ይቐርቡመግለጺ ስእሊ, ቅድስቲ ኢለኒ ብትኪ ተመሪሓ ነቲ መስቀል ከም ዝረኸበቶ ኣስተምሮ ቤተክርስትያን የገንዝብ