ክልተ ግዜ ግዳም ሓደር ሎሚ ሚልዮነር

ቅድሚ ‘መልቲሚልዮነር’ በዓል ሃብቲ ምዃኑ ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ክልተ ግዜ ግዳም ሓደር ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ዝርዝር ጽልዋ ዝፈጥሩ ጸለምቲ ብሪጣንያውያን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ።

ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ንምዃን ፈቲኑ ክሰምረሉ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ማእከል ጻውዒት ተሌፎን ክሰርሕ ዝጀመረ ዲን ፎርብስ፡ ሕጂ ግን ሓላፊ ብዙሓት ኩባንያታት ሶፍትዌር ክኸውን በቒዑ'ሎ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ለንደን ካብ ዘሕለፎ "ሕሱም ድኽነት" ብምውጻእ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፎርተሮ ዝተባህለ ሽወደናዊ ትካል ሶፍትዌር ኰይኑ።

ዲን ፎርብስ ኣብ ‘ፓወርሊስት 2025’ ቅድሚት ክትስራዕ ምኽኣል ዓቢ ዓወት ምዃኑ ይገልጽ።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ሌዊሻም ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ኣደኡ ጥራይ ኣብ እተመሓድሮ ስድራቤት እንተዓበየ፡ እታ ስንክልና ኣካል ዝነበራ ኣደኡ ግን ኵሉ ግዜ ደቃ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎም እተተባብዖምን ተስፋ እትህቦምን ምንባራ ይዝክር።

ድኽነት ኣብ ዝሃሰዮ ግን ድማ ካብታ ዘላቶ ንሓድሕዱ ኣብ ዝተሓጋገዝ ማሕበረሰብ ከምዝዓበየ’ውን ይዛረብ።

ኣደኡ ንዕኡን ንኽልተ ኣሕዋቱን "ትጽቢታቶም ከበርኹን ፈጺሞም ግዳያት ከይኰኑን" ከምኡ’ውን ኣብ ሕማቕ ዕድል ከይወድቍ ወትሩ ትምዕዶም ምንባራ ሓቢሩ።

ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ክልተ ግዜ ቤት ኣልቦ ኰይኑ'ኳ እንተነበረ ንሱን ስድራኡን ግን ንዅሎም ሽግራት ከም ዝስገሩ ግዝያዊ ብድሆታት ይቘጽርዎም ነይሮም።

ኣብ ኣካዳሚ ክሪስታል ፓላስ ዕድል ክረክብ ክኢሉ ነይሩ ግን ከኣ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይሰመረሉን።

ነቲ ውድቀቱ ከኣ ንናይ መወዳእታ ዓወቱ ከም ወሳኒ ህሞት ይጠቕሶ፤ ምኽንያቱ ዝያዳ ቆራጽ ስለ ዝገበሮ።

"እቲ ሕርቃንን ምንጻግን ኣብዚ ካብ ሕልመይ ንላዕሊ ዝዀነ መንገዲ ኣእትዩኒ" ይብል።

ምስ ከም በዓል ናይ ሽዑ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሪዮ ፈርዲናንድ ዝኣመሰሉ "ጽቡቕ ክፍሊት" ዝኽፈሎም ዝነበሩ ኣዕሩኽቱ "ንምቕጻል" ገንዘብ ይልቃሕ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን 88 ሽሕ ፓውንድ ዕዳ እዩ ኣትሪፉሉ።

ካብዚ ዕዳ ንምንጋፍ ከኣ ኣብ ሓደ ማእከል ጻውዒት ተሌፎን ሞቶሮላ ስራሕ ረኸበ። ቀልጢፉ ድማ ካብ ዕዳኡ ተገላገለ።

ብድሕሪኡ ፕሪማቨራ ናብ ዝበሃል ትካል ሶፍትዌር ብምእታዉ ዝሓሸ ዓቕሚ ከጥሪ ጀሚሩ። እቲ ትካል ምስ ተሸጠ ድማ ብጽሒቱ ብምውሳድ ናይ መጀመርታ ሚልዮናት ኣመዝጊቡ።

ዲን ፎርብስ ‘KDSን CoreHRን’ ኣብ ዝበሃሉ ትካላት ሶፍትዌር ከም ዋና ኣካያዲ ስራሕ ብምዃን ጉዕዞ ዓወቱ ቀጺሉ። ብጽሒት ብምውሳድ ከኣ ተወሳኺ ብሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ኣዋህሊሉ።

ብተወሳኺ ኣብታ ኣብ ዓመት ልዕሊ 300 ሚልዮን ዩሮ (250 ሚልዮን ፓውንድ) ኣታዊ እትረክብ ትካል ብጽሒት ኣለዎ።

ዋላ'ኳ ሃብቲ እንተሃለዎ፡ "ዋጋ ሓደ ፓውንድ ክስእን" ፈጺሙ ከምዘይደሊ ይገልጽ።

ሎሚ ንኣዲኡ ገዛ ክገዝኣላ በቒዑ’ሎ። ብዛዕባ ደቁ ክዛረብ ከሎ ድማ ብመንጽር ድኽነት "ምስ ዝዀነ ኣነ ዝሓለፍክዎ ነገር ክገጥሙ ተገዲዶም ኣይፈልጡን" ይብል።

ኣብዚ ሕጂ ከም በዓል ፈርዲናንድን ተዋሳኣይ እድሪስ ኤልባን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱ ይጠቕሶም።

ንመሰረቱ ምዝካር ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ዲን ፎርብስ ንኻልኦት ኣብ ጽጉም ህይወት ዘለዉ ሰባት ከነቓቕሕን ዕድላት ክህብን ከምዝደሊ ገሊጹ።

ፎርብስን በዓልቲ ቤቱ ዳኒኤልን፡ ‘ፎርብስ ፋሚሊ ግሩፕ’ ዝበሃል ኣብ ትሑት ናብራ ንዝርከቡ ሰባት ዝሕግዝ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጣይሾም ኣለዉ።

ዑደት ድኽነትን ስእነትን ንምቅላል ንሰባት ኣወንታዊ ኣርኣያ ክዀኑ ይፍትኑ ምህላዎም ይገልጹ።

"ተመኩሮይ ኣብዞም ማሕበረሰባት ብዙሕ ተውህቦ ከምዘሎ ንክፈልጥ ገይሩኒ እዩ። ንሰባት ዕድል ንምሃብ ነቲ ማዕጾ ክትከፍቶ ጥራይ እዩ ዘድልየካ" ይብል።

ዲን ፎርብስ፡ እናዓበየ ምስ ከደ እቶም እንኮ ክርእዮም ዝኽእል ዝነበረ ዕዉታት ጸለምቲ ሰባት ኣብ መዘናግዒ፡ ስፖርት ወይ ኣብ ጕጅለ "ዘሕጋዊ ነገራት ዝገብሩ" ጥራይ ይመስልዎ ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ዝርዝር ዕውታት ጸለምቲ ካልኣይ ተሰሪዑ ነይሩ። ሎሚ ከኣ ኣብ ዝርዝር ‘ፓወርሊስት 2025’ ቍጽሪ ሓደ ኰይኑ ተሰይሙ ኣሎ።

እቲ ዓመታዊ ወግዓዊ ዝግበር ዝርዝር ዕውታት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2007 ዝተሓትመ ኰይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ንጸለምቲ መንእሰያት ኣርኣያ ዝዀኑ ሰባት ምቕራብ ምዃኑ ፓወርፉል ሚድያ ሓቢሩ።