እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተጻዋታይ ማን ዩናይትድ ሃሪ ማጓየርን ጋናን እንታይ ኣበኣሶም?
ተኸላኻሊ ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝዀነ ሃሪ ማጓየር፡ ሓለቓ ናይታ ጋንታ ኰይኑ'ውን ኣገልጊሉ'ዩ።
እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ሜዳ ካብ መቐናቕንቱ ዝመጽኦ ቅላዓት ጥራይ ኣይኰነን ክከላኸል ተገዲዱ።
ድኽመት ኣርእዩ ብዝብል ካብ ሜዳ ወጻኢ ክበጽሖ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት'ውን ቀሊል ኣይነበረን- ሕልቅነት ጋንታ ክሳብ ምቕንጣጥ ኣስዒብሉ።
ካብኡ ሓሊፉ'ውን እቲ ብ70 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ለስተር ሲቲ ናብ ማን ዩናይትድ ዝተሰጋገረ ማጓየር፡ ዝነበሮ ቀዳምነት ስኢኑ፡ ኣብ እዋን ግጥማት ኣብ መንበር ቅያር ተጻወቲ፡ ኩዕሶ ከቋምት ብኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ተወሲንሉ።
እቲ ኣብ 2022 ብልጽቲ ሸቶ ፕሪሜር ሊግ ዘመዝገበ ወዲ 30 ዓመት፡ ንኣጥቃዕቲ ካልኦት ጋንታታት ደው ከብሎም ብዘይምኽኣሉ'ዩ ዝነበሮ ክብሪ ጎዲሉ፡ ክሳብ ብ30 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ዌስት ሃም ክሰናበት ተቓሪቡ ነይሩ።
እቲ ኣብዚ ቅንያት ከዛርብ ዝቐነየ መጥቃዕቲ ግን ቅሩብ ፍልይ ዝበለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተቐልዓሉ ኩዕሶ'ዩ ነይሩ።
እቲ ነገር ኣብ ውሽጢ ኣደራሽ ሃገራዊ ባይቶ ጋና ዝተፈጠረ'ዩ- ምስ ባጀት እታ ሃገር ዝተሓሓዝ። ማጓየር ድኣ ምስ ባጀት ጋና እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ ትብሉ ትኾኑ- ሓቅኹም. . .
መጋባእያ ፓርላማ ብዛዕባ ባጀት እታ ሃገር ኣብ ዝካታዓሉ ዝነበረ እዋን ኣባል ባይቶ ኢሳቕ ኣዶንጎ፡ ነቲ ድኹም ምሕደራ ቁጠባ ኣርእዩ ዝበሎ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ማሃማዱ ባዉሚያ ምስ ብቕዓት ማጓየር ኣብ ሜዳ ብምምስሳል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ምንጽጻር ብኽልተ ወገን ዓቢ ነቐፌታን ቁጠዐን ኣስዒቡ ነይሩ።
ሕጂ ግን፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ኣባል ባይቶ ብመንገዲ ኤክስ (ትዊተር ነበር) እቲተጻዋታይ ይቕረ ክብለሉ ተማሕጺኑ'ሎ።
ኣዶንጎ፡ እቲ ሽዑ'ውን "ቀንዲ ተጻዋታይ" ማንቸስተር ምዃኑ ዝገለጾ ተኸላኻላይ፡ "ጸላዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ" ክብል ኣብቲ ናይ ሰሉስ ይቕሬታኡ ብምንኣድ፡ ነታ ናብ ማጓየር ዝቐልዓ ኩዕሶ መሊሱዋ'ሎ።
ንቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ምክትል ፕረዚደንትን ድኹም ቁጠባ እታ ሃገርን ዘለዎ ነቐፌታ ንምግላጽ "ነቲ ሃሪ ማጓየር ካብ 2021-2022 ኣጋጢምዎ ዝነበረ ናይ ብቕዓት ብድሆ" ከምዝተጠቕመሉ ተዛሪቡ።
"ብቕዓት ሃሪ ምስተመሓየሸ፡ ይቕሬታ ከምዝግብኦ ተሰሚዑኒ። ከም ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ድማ፡ ንዘርኣዮ ምምሕያሽ ኣፍልጦ ክህቦ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ'ቲ ንኩታት ቁጠባ ጋና ከመሓይሽ ዘይክኣለ ዝበሎ ምክትል ፕረዚደንት ባዉሚያ ዝነበሮ ነቐፌታ ግን ኣብ ቦትኡ'ዩ ዘሎ።
"ማጓየር ግን፡ ሓደ ዋንጫ ዓቲሩ፡ ሕጂ ኣብ ኣይ-ኤም-ኤፍ [ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ] እዩ በጺሑ ዘሎ" ክብል ነቲ ተጻዋታይ ብቁጠባዊ ኣብነት ገሊጽዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2023፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ ዋንጫ ካራቦው ካፕ ምዕዋታ ይዝከር።
ብቕዓቱን ኣበርክትኡን እናተመሓየሸ ዝመጸ ሃሪ ማጓየር ብወገኑ፡ ንይቕሬታ እቲ ኣፍሪቃዊ ኣባል ባይቶ ከምዝተቐበሎ ገሊጹ'ሎ።
"ኣባል ኣባይቶ ኢሳቕ ኣዶንጎ፡ ይቕሬታኻ ተቐቢለዮ ኣለኹ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኦልድ ትራፈርድ ክርእየካ ተስፋ እገብር" ክብል እቲ ተጻዋታይ ኣብ ኤክስ ግብረመልሲ ሂቡ።
ኦዶንጎ፡ ብዛዕባ ግብረመልሲ ማጓየር ምስ ተሓተተ " ትሕትንኡ ንመዓልተይ ኣጸቢቑዋ፡ ደጊም ጉዳይ ተዓጽዩ'ሎ" ክብል መሊሱ።
ምክትል ፕረዚደንት ጋና ማሃማዱ ባዉሚያ ሓላፊ መንግስታዊ ምሕደራ ቁጠባ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ሓያለ ዓመታት ኣጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምብርባር ሓላፍነት ዝተዋህቦ'ዩ።
ኣብታ 3 ቢልዮን ዶላር ካብ ኣይ-ኤም-ኤፍ ሓድሽ ልቓሕ ክትወስድ ተገዲዳ ዘላ ጋና፡ ዕዳ መንግስቲ ሰማይ ዓሪጉ ይርከብ።
እቲ ኣብ 2022 ንፈለማ እዋን ናብ 54 ሚእታዊት ዓሪጉ ዝነበረ ዝቕባበ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ 35 ሚእታዊት ወሪዱ'ሎ።
ኣብቲ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ መግለጺ እቲ ኣባል ባይቶ፡ ነቲ ምክትል ፕረዚደንት ምስ ማጓየር ብምውድዳር "ዝዓበየ ስግኣት መስመር ምክልኻል ማንቸስተር ዩናይትድ" ምንባሩ ክዛረብ ተሰሚዑ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዓዲ-እንግሊዝ ጋረት ሳውዝጌት፡ ንሕጫጨ እቲ ኣባል ባይቶ "ዓሻ ዘረባ" ክብል ብምኹናን እቲ ተጻዋታይ "ፍጹም ዓንዲ ማእከል፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ምዃኑ ተኸላኺሉ ነይሩ።
ኣደ እቲ ተጻዋታይ በወገና፡ ኣብ ልዕሊ ወዳ ዝወርድ ዝነበረ "ዘዋርድ" ነቐፌታ "ዘይቅቡል" ምዃኑ ተዛሪባ።
ንይቕሬታ ናይቲ ኣባል ባይቶ ርእይቶታቶም ዝሃቡ ጋናውያን ብወገኖም፡ ዋላ'ኳ ማጓየር እንተ ተመሓየሸ፡ ቁጠባ ጋና ግን ገና ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።
እቲ ምንጽጻር ክግበር ዘይነበሮ ምዃኑ ዝገለጹ'ውን ኣይተሳእኑን።
ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንብዙሓት ዜጋታት ከምዝሃሰየን፡ ብሰንኩ ዋጋ መነባብሮ ከቢሩ፡ ሽቕለት ኣልቦነት ነጊሱ ስለዘሎ።
ዜጋታት እታ ሃገር ንቁጠባዊ ምሕደራ መንግስቲ ዘለዎም ቁጠዐ ንምግላጽ ተቓውሞታቶም ከስምዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ገዛኢ ሰልፊ ጋና፡ ሓድሽ ሓርበኛዊ ሰልፊ (NPP) ንባዉሚያ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ምርጫ ንፕረዚደንት ክወዳደር ሓጽይዎ'ሎ።
ኣብ 1992 ጋና ናብ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ደሞክራሲ ድሕሪ ምስግጋራ፡ ንፈለማ እዋን'ዩ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ኣስላማይ ሕጹይ ፕረዚደንት ኣቕሪቡ ዘሎ።
"ሓድነቱ ዘረጋገጸን ዝሓየለን" ሰልፊ ከምዝገብሮ ቃል ዝኣተወ ባዉሚያ፡ "ንጋና ክልውጣ ዝኽእል እንኮ ሰልፊ" ምዃኑ መጒቱ'ሎ።