ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ ሆስፒታል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝተዓዘቡ መሰኻኽር ‘ብዙሓት ሰባት’ ክቃጸሉ ርእዮም

መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ ንገለ ሰባት ዘጉሂ ኰይኑ ክረኽብዎ ዘኽእል ዝርዝራት ዝሓዘ እዩ።
እስራኤል ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ቓዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር፡ ብሰንኪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ሰባት በቲ ሃልሃልታ ክቘስሉን ክሞቱን ምርኣዮም ነቲ ኵነታት ብዓይኖም ዝተዓዘቡ መሰኻኽር ንቢቢሲ ገሊጾም።
ሓንቲ ኣደ “ሓደ ካብቲ ዝረኣናዮ ዝኸፍአ ፍጻመ” ኢላ ክትጽውዖ እንከላ፡ ሓንቲ ዝተጐድአት ጓልኣንስተይቲ ድማ ሰባት ካብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ዳስ ከውጽእዎም ኣውያት የስምዑ ምንባሮም ገሊጻ።
ካልእ ሓደ ሰብኣይ ድማ ነቶም ብሓዊ ተቓጺሎም ዝሞቱ ዝነበሩ ሰባት ክሕግዞም ብዘይምኽኣሉ ልቡ ከምዝተሰበረ ገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቀጽሪ ሆስፒታል ኣል-ኣቕሳ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ዘጋጠመ ኰይኑ ንተመዛበልቲ ዝኸውን ግዝያዊ መዕቆቢታት ዘቃጸለ ባርዕ ኣበጊሱ።
ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ድማ ተጐዲኦም። መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝዀኑ ድማ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
ቢቢሲ፡ ቦታ ናይቲ ሓዊ ዝተቓጸለ ሰብ ዝመስል ዘርኢ ቪድዮ ኣረጋጊጹ። ካልኦት ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ድማ፡ ሰባት ነቲ ሃልሃልታ ንምጥፋእ ክጓየዩ እንከለዉ’ውን ተመልኪቱ’ሎ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ይንቀሳቐሱ ነይሮም ንዝበሎም ተዋጋእቲ ሓማስ ዒላማ ከምዝገበረን፡ ድሕሪኡ "ብሰንኪ ካልአይ ፍንጀራታት ክኸውን ዝኽእል" ባርዕ ከምዝተላዕለን ገሊጹ። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ ኣል-ኣቕሳ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ትካል ግብረ ሰናይ ዶክተራት ብዘይ ዶብ (MSF) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓማስ ኣብቲ ቦታ ይንቀሳቐስ ስለምንባሩ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮም ብምግላጽ እቲ ሆስፒታል ከም ሆስፒታል ኰይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጾም።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ሰባት ተቓጺሎም ሞይቶም” ከምኡ’ውን “ግፍዒታት ከብቅዕ ኣለዎ” ክብል እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ድማ ነቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ “ዘሰክፍ” ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ወሃቢ ቃል ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ተመዛበልቲ ብህይወት እንከለዉ እናተቓጸሉ ዘርእዩ ምስልታትን ቪድዮን ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ። ንመንግስቲ እስራኤል ድማ ስክፍታና ብንጹር ገሊጽናዮ ኣለና” ኢሉ።
“እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት ንምክልኻል ዝያዳ ሓላፍነት ኣለዋ። ኣብዚ ዘጋጠመ ድማ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ፡ ዋላ’ውን ሓማስ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ንሲቪላት ከም መሕብኢ ንምጥቃም ይሰርሕ እንተነበረ” ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 01፡15 ከምዘጋጠመ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ገለ ካብቶም ዝተረጋገጹ ቪድዮታት ዝቐረጸ ሰኣላይ ኣቲያ ዳርዊሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣዝዩ ኣሰንባዲ” ከምዝዀነ ብምግላጽ ሰባት ክቃጸሉ እንከለዉ እናረኣየ ዋላ ሓንቲ ክገብር ብዘይምኽኣሉ ልቡ ከምዝተሰበረ ገሊጹ።
ኣብቲ ሆስፒታል እትነብር ኡም ያሰር ዓብደል ሓሚድ ዳሄር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ብዙሓት ሰባት ክቃጸሉ ርኢና ከምኦም ክንቃጸል ከም እንኽእል ክስምዓና ጀሚሩ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ። ካብቶም ዝተጐድኡ በዓል ቤታን ደቃን ይርከብዎም።
ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ቆሲሎም ኣርባዕተ ሰባት ድማ ሞይቶም። ኤምኤስኤፍ ብግደኡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱን 65 ድማ ከምዝቘሰሉን ኣፍሊጡ።
ካብቶም ዝቘሰሉ ኣርብዓ እቶም 22 ደቂ ተባዕትዮ፡ ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮን 10 ህጻናትን ኣብ ኣል-ኣቕሳ ተሓኪሞም። እቶም ካልኦት ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ዝተወሰዱ ኰይኖም እቶም ሸሞንተ ድማ ናብ ስፔሻሊስት ኣሃዱ ቃጸሎ ከይዶም።
ኣብ ቓዛ ንስርሓት ኤምኤስኤፍ እትመርሕ ሚስ ሃልፎርድ፡ መሳርሕታ ነቶም ግዳያት ቃጸሎ ይሕክሙ ከምዘለዉ ገሊጻ፣ “ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩርነት ዘለዎም ግዳያት ቃጸሎ ክትገብሮ እትኽእል ኣዝዩ ውሑድ እዩ’ውን” ኢላ።
ግዝያዊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ነበርቲ ሰሜን ቓዛ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ኣብ ዝተነግረሉ ከባቢ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ። “ብሓቂ ኣብ ቓዛ ሰባት ዝኸዱሉ ውሑስ ቦታ የለን" ይብል እቲ መግለጺ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







